እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ እስራኤል ዛጊድ እንታይ ንፈልጥ?
እስራኤል፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ቴህራን ኣብ ልዕሊኣ ዘዝነበቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሕነ ንምፍዳይ፡ “ልክዕን ዒላማኡ ዝወቕዐን” ዝበለቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቓዛ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ዝተጀመረ ግጭት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስቲ ብቐንዱ ብኢራን ዝምወል ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ቀፂሉ ይርከብ።
እዚ ስጉምቲ ሕነ-ምፍዳይ፡ እቲ ናብ ሙሉእ ዞባዊ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ንኣዋርሕ ዝፀንሐ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ፡ ብነፈርትን ከበድቲ ኣፅዋራትን ዝተሰነየ ቀጥታዊ ልውውጥ መጥቃዕቲ ሓደ እዩ።
ኢራን፡ በቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ቦታታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ወተሃደራት ከምዝቐተሉ ክትገልጽ እንከላ፡ ገለ ምልክታት ግን እቲ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝተፈርሕ ከምዘይዀነ የርእዩ።
ዛጊድ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ እንፈልጦ፡ እነሆ፦
እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ተፈጺሙ?
ብኣቆጻጽራ ውሽጢ ዓዲ ከባቢ ሰዓት 02፡15 (ዓርቢ 22፡45 GMT)፡ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራንን ከባቢኣን ፍንጀራታት ቦምቧታት ከምዘጋጠመ ጸብጺበን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐን ብቢቢሲ ዝተረጋገጸን ቪድዮ፡ ቦምቧታት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ኣብ ሰማይ ክሕንበብ እንከሎ ዘርኢ ዀይኑ፤ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ነበርቲ ከእውዩን ክጐዩን ይረአዩ።
ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኢራን “ንወተሃደራዊ ቦታት ዒላማ” ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጽም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ጀትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ዘጠቓለለ እዩ።
እቶም ዒላማታት፡ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ኢራን፣ ማእከል ምፍራይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን፡ ከምኡ’ውን መወንጨፊ መሳለጥያታትን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንትን ነቲ ስርሒት ካብ ማእከል ትእዛዝን ቁጽጽርን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ተልኣቪቭ ተኸታቲለሞ።
እቲ መጥቃዕቲ ብሓያሎ ማዕበላት፡ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት እዩ ተኻይዱ።
ድሕሪ ቀትሪ ቁሩብ ጸኒሑ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ እቲ ስርሒት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ።
ዋይት ሃውስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ናይ ነብሰ ምክልኻል” ስርሒት ክብል ገሊጽዎ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ፡ "ዒላምኡ ዝነፀረን ተመጣጣንን" ምላሽ ንምትብባዕ ሃገሩ ምስ እስራኤል ከምዝሰርሐት ገሊጹ።
ክብደት እቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ዝኣክል እዩ?
ዕምቖት እቲ መጥቃዕቲ - ከምኡ'ውን ዘስዓቦ ዕንወት፡ ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ማእከላት ምፍራይ ሚሳይላት፣ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፉ ሚሳይላትን ካልኦት ወተሃደራዊ ቦታታትን ሓዊሱ፡ ኣስታት 20 ዒላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ።
ሰራዊት ኢራን ኣርባዕተ ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ።
ሰብመዚ ኢራን ኣብ ግዝኣታት ቴህራን፣ ኩዘስታንን ኢላምን ዝርከቡ ቦታታት ዒላማ ከምዝተገበሩ ገሊጾም። ምክልኻል ኣየር እታ ሃገር ነቲ መጥቃዕቲ “ብዓወት እንተፍሸለ’ኳ”፡ ገለ ከባቢታት ግን ውሱን ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ገሊጹ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብ ምብራቕ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መደበር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ብደቡብ ኣብ ዝርከብ መደበር ምክልኻል ኣየር ዝበፅሐ ዕንወት ተዓዚቡ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንመሰረተ ልምዓት ነዳዲ ኢራን ይኹን ንማእከል-ምልሓም ኒዩክለር ዒላማ ዝገበረ ከምዘይኰነ ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ’ውን፡ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እንተፀብፀባ’ኳ፡ እስራኤል ነዚ መጥቃዕቲ ክተረጋግፅ ኣይከኣለትን።
ቀጺሉ እንታይ ይኸውን?
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ንኢራን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሰነ ምልክታት ከምዝሰደደትን፡ ቴህራን ምላሽ ከይትህብ ከምዘጠንቀቐትን ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ኣክሲዮስ፡ ንሰበስልጣን ኢራን ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተብሃለ ሕሶት ምዃኑ ፀብፂቡ።
ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "እስራኤል ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ንኢራን- ብዛዕባ እቲ ግዜ ይኹን፡ ብዛዕባ ዒላማታት ዋላ ድማ ብዛዕባ ደረጃ እቲ መጥቃዕቲ ዝሓበረቶ ነገር የለን" ኢሉ።
ከምኡ ዀይኑ'ውን ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ እዚ ከምቲ ዝተፈርሐ ከቢድ ከም ዘይኰነ፡ ምልክታት ይሕብሩ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ምድረበዳ ቓዛን ሊባኖስን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ኲናት ኢና ኣተኲርና ዘለና። እቲ ግጭት ክሰፊሕን ዞባዊ ዘይምርግጋዕ ከስዕብን እትሰርሕ ዘላ ኢራን እያ" ክብል ከሲሱ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ "እዚ መጥቃዕቲ፡ ናይዚ ቀጥታዊ ምልውዋጥ ተኹሲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን “ንርእሳ ክትከላኸል መሰልን ግቡእን ኣለዋ” ብምባል፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምጥሓስ ዓለማዊ ሕጊ ክብል ገሊጽዎ።
እንተዀን ግን ቴህራን "ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ሓላፍነት" ከምዝስማዓ ገሊፁ።
ምላሽ ማሕበረሰብ-ዓለም እንታይ ይመስል?
ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ሾን ሳቨት፡ ንስጉምቲ እስራኤል ፡ “ኣንጻር’ቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ካብ ህዝቢ ዝነበርሉ ከባቢታት ርሒቑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ዘተኮረ’ዩ” ክብል ተኸላኺሉ።
ድሌት ዋሽንግተን ግን፡ “ብመገዲ ዲፕሎማሲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ምዝሕሓል” ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቐዲመን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ክፈልጣ ዝተገብራ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን፡ ኢራን ንመጥቃዕቲ እስራኤል ሕነ ከይትፈዲ ዘጠንቀቓ ዀይነን፡ ኢራን ግን ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ምላሽ ክትህበሉ ተሓንያ ኣላ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠርን ግብጽን ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ።
ኢራን ነቲ መጥቃዕቲ ሕጋዊ መሰል ርእሰ-ምክልኻል ብምጥቃም ከም ምላሽ ከም እትህበሉ ዝገለፀት ኰይና፡ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ኢራን ካብ እስራኤል ካልእ ዙርያ መጥቃዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ክትጽበ እያ።
ከምቲ ናይ ቕድሚ ሐዚ፡ ኢራን ድሕሪ ናይ መዓልታት ወይ ሰሙናት ምድላው ሕነ ክትፈዲ ትኽእል እያ።