እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግጭት ኢራን-እስራኤል፡ ሩስያን ቻይናን ኣበይ እየን ክቘማ?
እስራኤል፡ ነቲ ብ1 ጥቅምቲ ብኢራን ዝተወንጨፈ ኣስታት 200 መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ "ልክዕ መጥቃዕቲ" ኢላ ዝገለጸቶ ንወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ሂባ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ [ኢራን] ነቶም ብእስራኤል ዝተቐትሉ መራሕቲ ዕጡቓት ጕጅለታት ሓማስን ሕዝቦላህን ሕነ ንምፍዳይ ምዃኖም ገሊጹ። ሕዝቦላህ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ንእስራኤል ካብ ዘጥቅዕ ንደሓር ንሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ብሮኬታት ክድብድብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ዝምድናታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ዓበይቲ ሓይልታትን ዓለም ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ይግለጽ። ኣመሪካ ንእስራኤል ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ’ያ - ንሩስያን ቻይናን ግን ኣብ ቅድሚአን ዘሎ እንታይ እዩ? ከመይ ምላሽ ክህባሉ ኸ ይዀና?
ሩስያ፡ ኵነታዊ ኪዳናት፡ ኣዒንታ ግን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን
ሩስያን ኢራንን ወግዓውያን መሓዙት ኣይኰናን፤ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ግን ርክበን እናዓሞቐ፡ "ስትራተጂያዊ ሽርክነት" ዝብል ስምምዕ ንኽበጽሓ ቀሪበን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፐዘሽክያን ብ11 ጥቅምቲ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ ክልቲኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዓለም ዘለዎም ምቅርራብ ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም።
ኢራን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ብዝምልከት ምስ ሩስያ ብኣድማዕነት ምትሕብባራ ኣደልዲላ እያ። ኣመሪካን ብሪጣንያን ንሩስያ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ኣማኢት ድሮናትን ከምዝሃበት እየን ዝኸሳ።
ኢራን ነዚ ምልኣኽ ኣጽዋራት ብወግዒ ትነጽጐ'ኳ እንተዀነት፡ ሓደ ኣባል ባይቶ ኢራን ግን፡ ሃገሩ ኣምሳያ ናይቶም ንሩስያ ዝለኣኸቶም ኣጽዋራት ካብ ሩስያ መግቢ [እኽሊ] ከምዘእተወት ገሊጹ ነይሩ።
ሓይሊ ኣየር ኢራን ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዝተነብረ ዓመታት ዝቐጸለ እገዳ ከምዝተዳኸመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ሩስያ እንተወሓደ ቅልል ዝበለ መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ነፋርቲ ከምዝሃበታ ሓበሬታታት ኣሎ።
ሩስያ ብሳላ ዝረኸበቶ ኣጽዋር፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ዝዀነ ይዅን ኣንጻር ኢራን ወይ ንኢራን ዝሃሲ ብሕቡራት ሃገራት ዝለዓል ውሳነታት ይዅን ምጥቃም ሓይሊ ዝብል ነገራት ክትዓግት ትጽቢት ይግበር።
እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ግጭት፡ ኣቓልቦን ጸጋታትን ምዕራባውያን ካብ ዩክረይን ክጥምዘዝን፡ ንሩስያ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቅድመ ግንባር እናሓየለ ዝመጸ ድፍኢት ዩክረይን ሓይልታታ ጸብለልታ ንኸመዝግቡ ክሕግዞም ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ሩስያ ግን፡ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ኢራን ከተካይዶ እትኽእል መጥቃዕትን ዕንወትን ዝያዳ ከሻቕላ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኣህጉራዊ እገዳ ትርከብ ሩስያ፡ ነዳዲ ንምሻጥ እትጥቀመሉ ውሱን መስመራት እዩ ዘለዋ፤ ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ብኢራን ኣቢሉ ናብ ህንዲ ዝሓልፍ እዩ።
ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ወከልታ - ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህን ሓማስን ትሕግዝ እያ። ሩስያ ምስ ሓማስ’ውን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዋ እዩ ዝግለጽ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ናብ ሞስኮ ዑደት ኣካይዶም ከምዝነበሩ ይዝከር።
ሩስያ ግን ካብ እስራኤል ዝያዳ ኢራን'ኳ ተድልያ እንተዀነት፡ ምስ ክልቲአን ዘለዋ ዝምድና ክትዕቅብ እያ ትጽዕር። እስራኤል ንውግእ ሩስያ ኣብ ዩክረይንን ምስ ኢራን ዘለዋ ዝምድናን'ኳ እንተነቐፈት፡ ክሳብ ሕጂ ንዩክረይን ዝዀነ ወተሃደራዊ ናውቲ ካብ ምሃብ ተቘጢባ እያ - ሕቶ'ኳ እንተቐረበላ።
ሩስያ ምስ ኢራን እንተወጊና፡ እስራኤል ከም ግብረመልሲ ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ከይትሰድድ ንሩስያ የስግኣ እዩ። እንተዀነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዘገድሳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተካይዶ ዘላ ዓቢ ኲናት ንዓቕሚ እስራኤል ክድርት ይኽእል እዩ።
ነታ ኣብ ትሕቲ እገዳ ዘላ ሩስያ ቀንዲ ማእከል ንግድን ጸዓትን ኰይና ተቐልቂላ ዘላ ዞባ ደቡብ ካውካሰስ እውን ረብሓታት ሩስያን ኢራንን ዘጋጩ እዩ። ኣብቲ ዞባ እታ ዝሃብተመትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር ኣዘርባጃን፡ ምስ ክልቲአን - ሩስያን ኢራንን - ትዳወብ እያ፤ ንክልቲአን ዘራኽብ ጽርግያ፡ መገዲ ባቡርን መራኽብን ንምምሕያሽ ካብ ሰሜን-ደቡብ ዝወስድ መስመር ንምምዕባል ተሰማሚዓ።
ይዅን እምበር፡ ኣዘርባጃን ምስታ ንነዊሕ እዋን ወተሃደራዊ ናውቲ - ድሮናት ካልእ ዝተፈላለየ ምዕቡል ኣጽዋራትን እተቕርበላ እስራኤል እውን ጥቡቕ ወተሃደራዊ ርክብ ኣለዋ።
ኣብ መስከረም 2023፡ ኣዘርባጃን ነቲ ኣካታዒ ዝነበረ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ ዳግማይ ብምሓዝ፡ እቲ ንሰለስተ ዕቝዳት ዝቐጸለ ብሄራዊ ምሕደራ ኣርመንያ ኣብቂዑ። ብኣሶሼይትድ ፕረስ ዝተተንተነ መረዳእታ ምክትታል በረራታት ከምዘመልክቶ፡ ቅድሚ እቲ ስርሒት ካብ እስራኤል ዝተላእከ ኣጽዋራት ኣመና ብዙሕ ከምዝነበረ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኢራን ንኣዘርባጃን፡ 'እስራኤል ንኢራን ንኽትስሊ ወተሃደራዊ መሳለጥያታታ ኣፍቂዳትላ' ክትብል ከሲሳታ ነይራ፤ ነዚ ግን ኣዘርባጃን ትኽሕዶ።
ሩስያ ግን፡ ምናልባት ካልእ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን እንተስዒቡ፡ ነዚ ምስ ኣዘርባጃን ዘለዋ ርክብ ጸቕጢ እንተፈጢሩሉ ብጥንቃቐ ክትውስን ከም ዘለዋ ዘመላኽት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ግጭት’ዚ ግን - ከም ኣብ ካልእ ቦታታት - ሩስያ ንኣንፈታት ቻይና ከም እትከታተል እዩ ዝግመት። ሞስኮ ብቴክኖሎጂያውን፡ ፖለቲካውን ስትራተጂያውን መዳይ - ብፍላይ ኣብ እተእትዎ ኤሌክትሮኒክስን ዝተፈላለየ ኣካላት ኣጽዋራታን ኣብ ቻይና ኣመና ጽግዕተኛ እያ። ቻይና ስክፍታኣ እንተገሊጻ ሩስያ ክትሰምዓ ምዃና እዩ ትጽቢት ዝግበር።
ቻይና፡ ናብቲ ግጭት ከይተሳሕበት ንኢራን ትድግፍ
ቻይናን ኢራንን ነዊሕ ዝጸንሐ ቅርበት - ካብ ዲፕሎማስያዊ ሽርክነት ክሳብ ቍጠባዊ ርክብ ኣለወን። ሕጂ እስራኤል ንኢራን ኣጥቂዓ ስለዘላ፡ መርገጺ ቻይና ብኡ ንብኡ ክቕየር ትጽቢት ኣይግበርን። ቻይና ንኢራን ናይ ቃላት ደገፍ ምሃብ ክትቅጽል ተኽእሎ ኣሎ፤ ኣብ ርእሲኡ ናብቲ ውሽጢ እቲ ግጭት ተጐቲታ ከይትኣቱ ዘኽእላ ውሑስ ርሕቀት ሓልያ ዝምድናኣ ክትቅጽል እያ።
ብዛዕባ’ቲ ኢራን ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ርእይቶ ክትህብ ዝተሓተተት፡ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ንኢራን ከይጠቐሰት፡ በይጂን “ምግሃስ ልኡላውነት ሊባኖስ” ከም እትቃወሞ ገሊጻ፤ ንወራር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ብምጥቃስ ድማ፡ ቓዛ “መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው እዩ” ኢላ።
ኣብ ካልእ ወግዓዊ መልእኽቲ ሰበስልጣን በይጂን፡ እንተላይ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ’ውን ተመሳሳሊ መርገጺ እዮም ከስምዑ ጸኒሖም፤ ቻይና ድማ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ኣይኰነነትን።
ብኣንጻሩ፡ ንዘይምግዳድ እቲ ግጭትን ንምቍራጽ ተዅስን ብምጽዋዕ ንፍልስጤማውያንን ሊባኖስን ዲፕሎማስያውን ሰብኣውን ሓገዛት ክትገብር ጸኒሓ እያ።
እዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ግጭት ግን ካብ ቻይና ተሪር ቃላት ክድርኽ ይኽእል ዶ ይኸውን?
ቻይና ኣብ እስራኤል ብፍላይ ኣብ ጽላታት ትሕተ ቅርጽን ቴክኖሎጅን ዓቢይ ወፍሪ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ግጭት ብግቡእ ዓቂባቶ እያ። ንእስራኤል ከም ቍጠባዊ መሻርኽቲ ናይ ምንጻል ሓደጋ ንምውጋድ ምስ ቴህራን ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ደገፍ ካብ ምግባር ክትቍጠብ ትኽእል እያ።
ኣብዚ ዝደሓረ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ እስራኤል ትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ ኢራን ኣይሃረመትን። ይዅን’ምበር እዚ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ እዞም መሳለጥያታት መጥቃዕቲ ኣይክትፍጽምን እያ ማለት ኣይኰነን። ቻይና ኣብ እትዋት ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ፍርያት ኢራን እያ ኣመና እትምርኮስ።
ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ሰደድ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኢራን ናብ ቻይና ከም ዝኸይድ ሓበሬታ ትካል ኤስ ኤንድ ፒ ግሎባል የመልክት። እስራኤል እተካይዶ መጥቃዕቲ ነዚ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ብዝጸሉ መንገዲ ዕንወት እንተኣውሪዱ፡ ቻይና ንተግባራት እስራኤል ንምዅናን ድምጻ ብዓውታ ከተስምዕ ተኽእሎ ኣሎ።
ቻይና፡ እገዳ ኣመሪካ ብዘየገድስ ካብ ኢራን ነዳዲ ካብ ዝገዝኣ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ 2023 ኣብ መንጐ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕሪታት ኣካይዳ እያ።
ንሰበስልጣን ኣመሪካ ጠቒሱ ዝወጸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብሮ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘለዋ ጽልዋ ክትጥቀመሉ ኣመሪካ ሓቲታ ነይራ። እዚ ድማ ንኣብነት እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ የመን ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ዝገብርዎ መጥቃዕቲ ክግታእ ጽልዋኣ ክትጥቀመሉ ተሓቲታ እያ።
ካብ ኣመሪካ ካልኦት ተወሰኽቲ ሕቶታት ክቐርቡ ዝኽእሉ'ኳ እንተዀኑ፡ ቴህራን ግን ንቤጂን መልሲ ኣይትህብን እያ፤ ቻይና ድማ ብፍላይ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ከምዚ ዓይነት ሕቶ እዝኒ እትህቦ ኣይኰነን።
ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ቻይና ንኣመሪካ ክትነቅፍ ካልእ ዕድል ጌራ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ። ጉዳይ ፍልስጤም ብምድጋፍ፡ ምስ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም [ግሎባል ሳውዝ] ዓለማዊ ጽልዋኣ ከተዕቢ እያ።
ቻይና ኣብዚ እዋን ዘለዋ ናይ ተዓዘብቲ ደረጃ ብምዕቃብ ዘኸትለላ ሳዕቤን ውሑድ እዩ። ደሓር ግን፡ ምናልባት ኣድላዪ እንተዀይኑ ናብ ካልኦት ዓበይቲ ለኣኽቲ ነዳዲ ከም ስዑዲ ዓረብ ወይ ሩስያ ከም ኣማራጺ ክትወስድ ትኽእል እያ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ካብ ቻይና ክንሰምዖ እንኽእል ቋንቋ ብዘየገድስ፡ ቻይና ኣብቲ ግጭት ብጭቡጥ ክትሳተፍ ዘሎ ተኽእሎ ዳርጋ ዜሮ እዩ።