ባህርዳር፡ ኣብ መስጊድ ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ- ባርህዳር ቀበሌ 14 ኣብ መስጊድ ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብ29 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ኣምሓራ ገሊጹ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዝነበረ ጐረቤት እውን ከም ዝተቐትለ ሓላፊ ፋይናንስ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እታ ከተማ ዓሊ ጌታሁን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል መንነቱ ከም ዘይተፈልጠ ዝገለጸ ኣቶ ዓሊ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ እቶም ግዳያት "ገንዘብ ክፈሉ ዝብል ምፍርራሕ ይበጽሖም ከም ዝነበረ" ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝሰምዐ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እስልምና እቲ ከባቢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ዓሊ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ጐንደር ሰባት ከም ዝተቐትሉ እውን ጠቒሱ።

ብዝሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ገንዘብ ክፈሉ እናተባህሉ ዝጭወዩ ዘለዉ ሰዓብቲ እቲ እምነት እውን ከም ዝወሰኸ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 80 ሰዓብቲ እስልምና ከም ዝተቐትሉ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብፍላይ ንሰዓብቲ እስልምና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘእተዎም የረድእ።

"እቲ ግጭት ንህዝብና ዝኸፍአ ዋጋ የኽፍሎ ስለ ዘሎ፡ እቲ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ፡ ምምዝባል፡ ዝምታ፡ ጭውያን ቅትለትን፡ በብእዋኑ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ብዝሒ ዝጭወዩ ሰላማውያን ዜጋታት፡ ዝስወሩን ዝቕተሉን ዘለዉ በብእዋኑ ይውስኽ ከም ዘሎ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ብፍላይ ድማ ንማሕበረሰብ ኣስላም ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ" ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኹ፡ ብሰንበት ኣብ ከተማ ሞጣ ዕጡቓት ንሓደ መንእሰይ ጨውዮም ካብ ስድራኡ 300 ሽሕ ብር ተቐቢሎም፡ ብጭካነ ከም ዝቐተልዎ ጠቒሱ።

ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ ከባቢ ማክሰኚት ኣርባዕተ ኣስላም ከም ዝተቐትሉን፡ ኣብ ከተማ ቢቢቸና ድማ መጻምዲ "ንመንግስቲ ግብሪ ከፊልኩም" ብዝብል ከም ዝተቐትሉን ገሊጹ ነይሩ።

ብዘይካ እቶም ኣብቲ ክልል ዝተቐትሉ ሰባት፡ ካልኦት 47 ሰባት ከም ዝተጨውዩ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣስላም ከም ዝተመዛበሉን ልዕሊ 260 ዝምታ ከም ዝተፈጸመን'ውን ሓቢሩ።

እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዝምታ፡ መከራን ምንግልታዕን ከም ዝቃወሞ ዝገለጸ ቤተ እምኽሪ ጉዳያት እስልምና፡ ኣብ ልዕሉ ሰላማውያን ሰባት ዘቕንዐ ግፍዕን ቅትለትን ደው ንምባል "መንግስቲ፡ ተኸተልቲ ካልኦት እምነታት እቲ ክልል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እጃሞም ከበርክቱ" ጸዊዑ።

መንግስቲ እቲ ክልል ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይዅን ብዛዕባ’ቲ ብቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዝወጽአ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን።