እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ሰብኣየይን ክልተ ደቀይን ቤተክርስትያን ክሳለሙ ምስ ወጹ ተቐቲሎም"
እታ መዓልቲ ሰኑይ ባሕቲ ነሓሰ 2015 ዓ.ም እያ ነይራ።
ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ብዘጋጠመ ግጭት፡ ብድምጺ ቶኽሲ ተጨናኒቓ ሓዲራ።
ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝበልዎ፡ ድምፂ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ናብታ ከተማ ዝተተኮሰ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ነቲ ለይቲ ኣንዊሕዎ።
ኣጋ ወጋሕታ እቲ ተኹሲ ቁሩብ ህድእ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ጾም ፍልሰታ ዝጅመረሉ ዕለት፡ ገሊኦም ድምጺ ተኹሲ ምንካዩ ርእዮም፡ ጸሎት ከብጽሑ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣምርሑ።
ኣብታ ከተማ መጓዓዝያ ይኹን ካልእ ንጥፈታት እኳ እንተዘይነበረ፡ ሓሓሊፎም ናብ ቤተክርስትያን ብእግሮም ዝኸዱ ሰባት ይረኣዩ ነይሮም።
ነባሪ ቀበሌ 14 ኣይተ ኣየነው ደፈርሽ’ውን ምስ ክልተ ኣወዳት ደቆም ናብ ኣብ ጥቐኦም ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣቡነ ሓራ ዘምርሑ ብሰሉስ 02 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ከባቢ ሰዓት 2፡00 ናይ ንግሆ እዩ ነይሩ።
"ኣነ'ውን ናብ ቤተክርስትያን ክኸይድ ተንሲአ ነይረ፡ ‘ንስኺ ኣብ ገዛኺ ጽናሒ' ኢሉኒ፡ ነቶም ዓበይቲ ቆልዑ ሒዙ ወጺኡ" ትብል በዓልቲ ቤቱ ኣበባ ጎሹ።
"ምስ ደንጐዩኒ ናብቲ ንቦኽሪ ወደይ ደዊለ" ክትብል ዝገለጸት ትብል ወይዘሮ ኣበባ፡ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ቴለፎን ኣልዒሉ "‘ኣብዚ ወዲቖምልኪ ኣለዉ፤ መጺኺ ኣልዕልዮም’ ኢሉኒ" ትብል።
ወይዘሮ ኣበባ፡ በዓል ቤታ ኣቶ ኣየነውን ክልተ ደቆምን ካብ ገዝኦም ብዙሕ ከይረሓቐ ከምዝተቐትሉ ትገልፅ።
“እቲ በኹሪ ወደይ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን እዩ። ካልኣይ ወደይ ሓዳር ካብ ዝገብር ገና ሓደ ዓመቱ ጥራይ እዩ። ኩላትና ኣብ ሓደ ቀጽሪ ኢና ንነብር ነይርና" ትብል ብዘይምቁራጽ እናበኸየት።
ኣይተ ሙሉ ሓሳቡ፡ ንእሽተይ ሓው ናይቲ ግዳይ ኣቶ ኣየነው እዩ። ብወገን ኣደ እዮም ዝራኸቡ።
ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ከምዝነብር ይዛረብ።
ብሰንኪ እቲ ብለይቲ ዝሰምዖ ቶኽሲ፡ ከመይ ከም ዝሓድሩ ንምፍላጥ፡ ንሓውን ቤተሰቦምን ብተደጋጋሚ ክድውል ከም ዝፀንሐ ይዛረብ። ኣብ መወዳእታ ምስ ደወለሎም ኣብ ገዛ ነይሮም።
ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ እቲ ተኹሲ መሊሱ ተላዕለ። ንሓዉ መሊሱ ደዊልሉ። ቴለፎኑ ዘልዐለ ግን ወተሃደር እዩ ነይሩ።
ንዕኡ’ውን፡ "ናዓ ሬሳኻ ኣልዕል" ከም ዝበሎ ይዛረብ።
"እንተወጺአ ንዓይ’ውን ክቐትሉኒ እዮም ኢለ ናብ ምብካይ ኣትየ" ዝበለ ኣይተ ሙሉ፡ ምስ ወዲ ሓፍቱ ናብቲ ዝተቐትሉሉ ዝተባህለ ቦታ ከይዶም ሬሳኦም ከም ዘልዐሉ ሓቢሩ።
“ሓወይ ምስ ደቁ ስለምንታይ ከም ዝተቐትለ ኣይፈልጥን። ነጋዳይ በርበረ እዩ ነይሩ። ብረት እኳ ተንኪፉ ኣይፈልጥን። ህርኩት ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ሓዉን ከምኡ'ውን ካሳሁንን ኣብርሃምን ዝበሃሉ ደቂ ሓዉን ሓዊሱ ኣብ ሓደ ቦታ ሬሳ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝረኸበ ኣይተ ሙሉ ይገልጽ።
ካልእ ምስኦም ዝነበረ ዓርኩ ኣብ ክሳዱ ተሃሪሙ ብህይወት ከም ዝደሓነ ይዛረብ።
“ኩሎም ኣብ ርእሶም ተሃሪሞም። ሓወይ ብድሕሪት እዩ ብጥይት ተሃሪሙ፡ ወዲ 30 ዓመት ወዲ ሓወቦይ ኣብ ሕቖኡ ብጥይት ተወቒዑ። እቲ ወዲ 27 ዓመት ወዲ ሓወቦይ ብድሕሪት ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ።"
ኩሎም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኣቡነ ሃራ ከምዝተኻየዱ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉ፡ ኣብ ከባቢ ኣቡነ ሓራ ጥራሕ ሬሳ 32 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተረኸበ ገሊፁ።
“ተጨኒቕና ስለ ዝነበርና፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ቀቢርናዮም። ሰብ ኣብ ዘይቕበረሉ ቦታ ኢና ደርቢናዮም" ብምባል ብሰንኪ እቲ ኩነታት ብግቡእ ክቐብርዎም ከምዘይከኣሉ ይዛረብ።
ብዙሓት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሃርሙ፡ መስኮቶም ተሰቢሩን፡ ኣባይቶም እውን ዝተጎድአ ገዛውቲ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ኣብታ ከተማ ሓዘን ሰፊኑ።
ሕዚ፡ ኣብታ ከተማ ንዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ኢሉ፡ ዝኾነ ቶኽሲ ኣይስማዕን። ሓይልታት ምክልኻል እውን ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ይርከቡ።
እንተኾነ እታ ከተማ፡ ናብ ንቡር ንጥፈታታ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይተመልሰት ነበርቲ ሓቢሮም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ 28 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብታ ከተማ ብሰኑይን ሰሉስን ምሸት እታ ከተማ ብከቢድ ኣጽዋር ምስ ተናወጸት እቲ ግጭት ከም ዘጋደደ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ከቢድ ተኹሲ እኳ እንተነበረ፡ ብፍላይ ኣብቲ ብተለምዶ ብሙለር ሪል እስቴት ዝፍለጥ ከባቢ ቀበሌ 13፡ 14ን 16ን እቲ ግጭት ጽዑቕ ምንባሩ ይዛረቡ።
ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።