‘ዓድና ምለሱና’፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዘኽበዶ ህይወት ተጋሩ ስደተኛታት

ኣብ 2020 ብዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ንዝገደደ ጸገምን ስግኣትን ከምዝተቓልዑ ይገልጹ።

እቲ ውግእ ምስ ተባርዐ፡ ማእከል ዓውደ ኲናት ኣብ ዝኾና ዓበይቲ ከተማታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፡ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ናብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ከምዝተሰደዱ ይሕብሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ተጋሩ፡ ኣብ መዓስከራት ዝነበረ ሕጽረት መጽለልን ሕክምናን ከምዝተጋደደን፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ናብቲ መዓስከራት ከይልሕም ዝሰግኡ ገለ ስደተኛታት ድማ ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ እናኸፈሉ ናብ ኢትዮጵያ ይምለሱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ወይ ሕሜቲ ዝምራሕ ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (ኣርኤስኤፍ) ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት እናኸፍአ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ዛጊድ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት ሱዳን ግዳይ ስደትን ምምዝባልን ኮይኖም ኣለው።

ብሰንኪ እቲ ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዝነብሮ ዓበይቲ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓያሎ ሰላማውያን ከምዝቐዘፈን ትሕተ ቕርጺ ከምዘዕነወን ጸብጻባት ይገልጹ። ብፍላይ ሓይልታት ኣርኤስኤፍን ሓገዝቶም ሚልሻታት ዓረብን ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ይኽሰሱ ኣለው።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ደው ንምባል ብዞባዊ ጉጅለ ኢጋድን ካልኦት ኣካላትን ጻዕሪ ይግበር እኳ እንተሎ ነቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ናብ ጠረጴዛ ዘተ ከምጽኦም ኣይከኣለን።

'ናብ ዓድና ምለሱና'

እቲ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ዓረፈ እቶም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ፡ መንግስቲ ናብ ዓዶም ንክመልሶም ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም ነይሮም።

እንተኾነ መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ምዕራባዊ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ኣምሓራ ስለዘሎ ናብ ቦተኦም ክምለሱ ኣይከኣሉን።

መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ኣምሓሩ ዝርከብ ዘሎ ምዕራብን ከፋል ደቡብ ትግራይን ከረክቦም ይጽበዩ ከምዘለዉ ይሕብሩ።

መምህር ኣሉላ ገብረጅወርግስ፡ ብሕዳር 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ/ (ብ04 ሕዳር 2020 ብፈረንጂ)፡ ኲናት ትግራይ ምስተጀመረ ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ’ዩ ክነብረሉ ካብ ዝጸንሐ “ኣደባይ” ዝተባህለ ቦታ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ። ኣብቲ እዋን’ቲ ስድርኡ ናብ ማእከል ትግራይ ክሃድሙ እንከለው ንሱን ሰለስተ ኣሕዋቱን ግን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣምራኩባ ተዓቚቦም። ኣብታ ዝተዓቝቡላ ሃገር ውግእ ሓድሕድ ምስተወልዐ ከኣ ናብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝኣተዉ ይገልጽ።

“ ኣብ ሱዳን ዝነብር ናይ ካልእ ሃገር ዜጋ ይወጽእ’ዩ ዘሎ። ንሕና እውን ክትከዱ ኢኹም ንበሃል ኔርና፤ ኮይኑ ግን ኣፋፍኖት የለን። ክልተ ሰለስተ ግዜ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና ኔርና፤ መንግስቲ ግን ኣይሰምዓናን። እቲ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ከይዱ ክመውት እዩ ዝደሊ። ብርግጽ ሕዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ይመስል።”

ምስ ኲናት ሱዳን ተተሓሒዙ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝቐነሰ ዝገልጽ መምህር ኣሉላ፡ ብፍላይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣምራኩባ ከቢድ ናይ መጽለሊ ጸገም ከምዘሎ ይሕብር።

“ መጽለሊ ክነቕርበልኩም ኢና ኢሎምና ነይሮም። ግን ኣይተዋህበናን። ኣብዚ ከባቢ ከቢድ ዝናብ እዩ ዝወቅዕ ዘሎ። ባጀት ከምዝጸደቐ ነጊሮምና እዮም። ኮይኑ ግና ‘ብሰንኪ ኲናት መንገዲ ተዓጽዩ፤ ካብ ባንኪ ገንዘብ ክነውጽእ ኣይከኣልናን። ኩነታት ሱዳን ተረድኡልና’ እዮም ዝብሉና” ይብል።

ንጸጥታ ብዝምልከት ግን ብዘይካ ሻቕሎት ዘጋጠሞም ጸገም ከምዘየለን ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ሱዳን ምስቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉን ይዛረብ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ፡ ካብዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ተቐርቂሩ ዘሎ ህዝብና ናብ ዓድና ክመልሱና ንደሊ” ብምባል ድማ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘለዎም ሃንቀውታ ይገልጽ።

መዓስከር “ተነድባ፡” ንኣስታት ሰለስተ ዓመት፡ ልዕሊ 21 ሽሕ ስደተኛታት ተጋሩ ኣዕቊቡ ይርከብ። ኣይተ ወልዱ ሓዱሽ ድማ ኣመሓዳሪ እታ መዓስከር እዩ።

መሰረታዊ ቀረብ ምግብን ኣስቤዛን ይቐርበሎም ከምዘሎ ዝገልጽ ኣይተ ሓድሽ፡ እቲ ናብራ ስደት ዝመረረሮ ህዝቢ፡ መንግስቲ ናብ መረበቱ ክመልሶ ብዘይምኽኣሉ፡ ብዙሓት ሰባት ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ናብ ዓዶም ይምለሱ ከምዘለዉ ይሕብር።

“ናብ ዓዲ ናይ ምእታው ኩነታት ምስተደናጐየ፡ ሰብ በብዝረኸቦ ኣጋጣሚ፡ ብመተማን ደባዚንን ገይሩ ብርክት ዝበለ ቅርሺ እናኸፈለ፡ ናብ ትግራይ ይኸይድ ኣሎ” ኢሉ።

ሓደ ሰብ ናብ ዓዱ ንክምለስ ክሳብ 200 ሽሕ ቅርሺ ሱዳን ንኣሰጋገርቲ ከምዝኸፍል ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቲ ኩነታት “ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናን ጥረ ገንዘብን” ከምዘጋደዶ ይገልጽ።

ዛጊት እኳ ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ናይ ጸጥታ ጸገም እንተዘየሎ “ እቲ ሕብረተሰብ፡ እዚ ኲናት ናባና ይመጽእ’ዶ ይኸውን ዝብል ስግኣት ስለዘለዎ ፈሪሑ ይኸይድ ኣሎ” ይብል ኣቶ ወልዱ።

“ህዝብና ይበታተን ኣሎ፤ ናብ ዓድና ምለሱና’ ጻውዒት ነብሲ ወከፍ ስደተኛ ትግራዋይ ከምዝኾነ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ።

‘ኣብ ኣብያተ ክርሰትያን ዝተዓቘቡ ኣለዉ’

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን፡ ከባቢታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስለዝዓናቐፈ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርትን ስደተኛታትን ዓቢ ሃስያ ከምዘውረደን ሓያሎ ነበርቲ ንሞትን ኣካላዊ ጉድኣትን ከምዝተቓልዑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣይተ ገብረሚካኤል ይሕደጎ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ተቐሚጡ። ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ጎንጺ ግና ናብ ከተማ ገዳርፍ ተሰዲዱ።

“ኣወጻጽኣና ሃንደበት እዩ። ብምድርን ብነፈርትን ከቢድ ውግእ ይካየድ ነይሩ። ህይወትና ንምድሓን ቅያር ክዳን ሒዝና ጥራሕ ኢና ወጺእና” ይብል።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ዝሰርሕ ዝነበረ ግን ድሕሪ ኵናት ትግራይ ዝተጸልጸለ/ ዝተቐነሰ ኣቶ ገብረሚካኤል፡ ድሕሪኡ እውን ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ተዋፊሩሉ ካብ ዝነበረ ስራሕ ንግዲ ተኣጓጒሉ ኣብ ጸገም ከምዘሎ ይሕብር።

“ሕጂ ስራሕ የለን፤ ኩነታት እታ ሃገር እንተተመሓየሸ ኢልና ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ኣለና። ንቐጻሊ ዝተለምኩዎ ነገር የለን። ምኽንያቱ ኩሉ ተዓጽዩ እዩ። ናብ ዓደይ ክኣቱ ኣይክእልን። ናብቲ ዝነበርኩዎ እውን ክምለስ ኣይክእልን፡ ኲናት ኣሎ። ንሕና ጥራሕ እንተይኮናስ እቶም ሱዳናውያን እውን ተሰዲዶም ብሓንሳብ ኢና ዘለና።”

ናይ ማሕበር ተጋሩ ሱዳን ጸሓፊ ኮይኑ ዘገልግል ኣቶ ገብረሚካኤል፡ እቲ ማሕበር ካብ ዳያስፖራ ተጋሩ ገንዘብ እናተኣኻኸበ ካብቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ስደተኛታት የግዕዙ ከምዘለዉ ይገልጽ። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ከምዝኣተዉን ገሊኦም ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ከምዝተዓቝቡን ብምጥቃስ ብዙሓት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ከምዝወደቑ ይዛረብ።

“ካብቲ ናይ ኲናት ቀጠና/መስመር ምውጸኦም ሓደ ነገር ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ግን ኣብ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ናይ ሕክምና፣ መጽለልን ምግብን ጸገም ኣሎ። ገሊኦም ምስ ዝፈልጥዎም ሰባት እዮም ተጸጊዖም ዘለዉ። ኣብ ከባቢ ኡምጉርጃ ኣብ ዝርከባ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ዝተዓቖቡ እውን ኣለዉ።”

ድሮ ሓምሻይ ወርሑ ዝሓዘ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ኣይሃድአን ዘሎ። ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ከተማ ኦምዱርማን ከም ብሓድሽ ከምዝተባርዐን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ንሓደጋ ከምእተቓልዑን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ኣብቂዑ፡ እታ ሃገር ናብ ምርግጋእ ክትምለስ ትጽቢት እናተገብረ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ጎንጺ ተላዒሉ ኣሎ።

ይኹን እምበር እቶም ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ብናይ ጎረቤት ሃገር ውግእ ሓድሕድ ዝሳቐዩ ዘለውረ ተጋሩ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለው።