ጠፊኦም ዝጸንሑ ወንጌላት ስለምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰፈሩ?

ኣብ 1945 ኣብ በረኻ ግብጺ መሬት ሕርሻ ዝኹዕታ ዝነበራ ኣእዳው፡ ብኣጋጣሚ ንኣስታት 1600 ዓመታት ተቐቢሮም ዝነበሩ ሓያሎ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ረኺበን።

እዞም ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ክርስትናን ዘሎ ርድኢት ብዓቢኡ ከምዝጸለዉ ይንገር።

ወንጌላት ቶማስ፡ ፊልጶስን ማርያምን ካብቶም ዝተረኸቡ ጽሑፋት እዮም።

ካብ ነዊሕ ዘመን ኣትሒዙ ብክርስትያናት ተቐባልነት ረኺቦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተኻተቱ ወንጌላት ኣርባዕተ ጥራይ እዮም - ወንጌል ማቴዎስ፡ ወንጌል ማርቆስ፡ ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን።

ብዛዕባ የሱስ ዝተጸሓፉ'ውን እንተዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተኻተቱ ካልኦት ብዙሓት መጻሕፍቲ ግን ከምዘለዉ ይእመን።

ገለ ካብዚኦም፡ እቲ ሕጂ ከም ወግዓዊ ምልክት ክርስትና ዝርአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን፡ በታ ሽዑ ዝነበረት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ንጐድኒ ተኣልዮም እዮም።

ኣብዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ዝተገልጸ የሱስን ኣብቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተኻተቱ ወንጌላት ዘሎ የሱስን፡ ሱር በተኻዊ ፍልልይ ኣለዎ።

ገለ ካብቶም ዝተኣለዩ ጽሑፋት፡ ነቲ መከራ ዝወረዶ፡ ሰብን ወዲ ኣምላኽ ዝገልጹ ኣይኰኑን፤ ኣብ ክንዲ ምስጢራዊ ኣበሃህላኡ ምስጢር ዘልዓለማውነት ዘመልከተ መለኮታዊ ፍጡር ዝገልጹ እዮም።

ንምዃኑ ወንጌላት ቶማስ፡ ፊልጶስን ማርያምን ንየሱስ ብኸመይ እዮም ዝገልጽዎ?

ማርያም መግደላዊት

ምናልባት ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ ክኸውን ዝኽእል ወንጌል ፊልጶስ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጐ የሱስን ማርያም መግደላዊትን ዝነበረ ጥቡቕ ምትእስሳር ሓበሬታ ይህብ።

“እቲ መድሓኒ ካብ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ንላዕሊ የፍቅራ ነበረ። ኣብ ... ሰዓማ” ይብል። እቲ ምሉእ-ሓሳብ ዝጐዶሎ ሓረግ ወይ ቃል ኣሎ።

ብሰንኪ’ዚ ገለ ሰባት እቲ ዝጐደለ ቃል “ኣፍ/ከንፈር” ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ቅርበት ክህልዎም ዘሎ ተኽእሎ ዝእምት እዩ።

እንተዀነ እዚ ርክብ ኣብ ግምት ዝተመስረተ እዩ።

ቀንዲ ኣተኵሮ እቲ ጽሑፍ ግን ዝያዳ ኣብ ማርያም እዩ። እቶም ነዚ ጽሑፍ ዘዳለዉ ከምዝብልዎ ድማ፡ ማርያም መግደላዊት ምንጪ ምስጢራዊ ፍልጠት የሱስ ከምዝዀነት እያ ተገሊጻ።

ውልደት

ማርሲዮን ኣብ 2ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣገዳሲ ምሁር ስነ-መለኮት ክርስትያን እዩ፤ ጽሑፋቱ ግን ምስ ግዜ ጠፊኦም እዮም።

ንሱ፡ የሱስ ካብ ማርያም ዝተወልደ ሰብኣዊ ውላድ ዘይኰነስ ካብ ሰማይ ዝተላእከ ግዝያዊ ኣካል ዝለበሰ መለኮታዊ ፍጡር ምዃኑ ኣሚኑ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ነቐፍቲ ስርሓቱ ይሕብሩ።

ማርሲዮን ሓድሽ ኪዳን ኢሉ ዝሰመዮ ቀኖና ናይቲ ቅቡል ክርስትያናዊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንመጀመርያ ግዜ ከዳሉ ዝፈተነ ሰብ እዩ። እቲ ንሱ ዘዳለዎ ቀኖና፡ ሓደ ወንጌልን ዓሰርተ መልእኽትታት ሃዋርያ ጳውሎስን ዝሓቘፈ እዩ።

ኣብ 144 ግን ብሰንኪ ስነ-መለኮቱ ካብታ ኣብ ሮማ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተባሪሩ።

ምስጢራዊ መራሒ

ወንጌል ቶማስ ኣብ መጀመርታ 2ይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ ኰይኑ፡ ዘረባታት የሱስ ዝሓዘ እዩ።

ኣብዚ ወንጌል የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ሰባት ዝሞተ መድሓኒ ዘይኰነስ፡ ምስጢራዊ ቀላዒ ሕቡእ ሓቅታት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ቶማስ ዝብል ኣረማይስጢኛ ስም “ማንታ” ማለት እዩ፤ እቲ ጽሑፍ ድማ፡ ቶማስ ከም ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ማንታ የሱስን “ምስጢራዊ ቃላት ህያው የሱስ” ዝያዳ ዝተረድአ ዝቃዶ ወደ መዝሙርን ዘቕረቦ ይመስል።

ተኸተልቲ ወንጌል ቶማስ፡ ንቃላት የሱስ ክርድእዎን በዚ ኸኣ ባህርያዊ መለኮቶምን ዘልኣለማዊነቶምን ከለልዩ ዝኽእሉ ዝተሓረዩ ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ኢሎም ይኣምኑ።

ሞት የሱስ

ወንጌል ጴጥሮስ ካብቶም ካልኦት ዝጠፍኡ ወንጌላት ኣቐዲሙ ኣብ 1887 እዩ ተረኺቡ።

ጸሓፍቲ ናይቲ ወንጌል፡ የሱስ ሰብኣዊ ኣካላቱ ዝሰግር መለኮታዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ኣሚኖም ክዀኑ ይኽእሉ። ኣብ መስቀል፡ የሱስ “ሓይለይ ሓዲጉኒ” ይብል። እዚ ድማ ስጋ የሱስ ኣብ መስቀል ክተርፍ እንከሎ፡ መለኮታዊ መንፈሱ ግን ናብ ሰማይ ከምዝዓረገ ክትርጐም ይኽእል።

ይዅን እምበር፡ ጸኒሑ ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ንጹር ጸብጻብ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ’ዚ የሱስ፡ ናይ ምዝራብ ሓይሊ ብዘለዎ መስቀሉ ተሰንዩ ካብቲ መቓብር ከምዝወጸ ይግለጽ።

እቶም ዝተረኸቡ ወንጌላት ስለምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰፈሩ?

ኣብ 2ይ-3ይ ክፍለ ዘመን፡ ካብቶም ወንጌላት ኣየኖት ከም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክነበቡ ከምዘለዎም ንምፍላጥ ፈተነታት ተኻይዶም ነይሮም።

እቶም ኣርባዕተ ወንጌላት ሓድሽ ኪዳን፡ ማለት’ውን ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሃንስን፡ ኣብ ሮማን ምናልባት ኣብ ካልእ ቦታታትን ድሮ ኣብ ኣገልግሎታት ቤተ ክርስቲያን ከምቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም እዮም።

እዞም ወንጌላት እዚኣቶም ካብ መፋርቕ ክሳዕ መወዳእታ 1ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተጻሕፉ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይንገር። ወይ ብሓዋርያት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ወይ ብሰዓብቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከምዝተጻሕፉ ድማ ተቐባልነት ረኺቦም። ገለ ካብቶም ዝጠፍኡ ወንጌላት ድሒሮም ኣብ 2ይን 3ይን ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፉ እዮም፤ እዚ ድማ ንዘይምስፋሮም ሓደ ምኽንያት ከምዝዀነ ይቝጸር።

ጠለብ ሓፋሽ ኣይረኸቡን

ምስቲ ቀንዲ ክርስትና ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ እቶም ዝጠፍኡ ወንጌላት ሓድሓደ ግዜ ምኩሐ-ፍልጠት እዮም ነይሮም።

ብዛዕባ ኣብ ቃላት የሱስ ዘለዉ ሕቡእ ትርጕማት ብምርዳእ ብርሃን ወይ ፍልጠት ንምርካብ ዝሕግዙ ምስጢራዊ መገዲታት ይጠቕሱ።

ነፍሲ ወከፎም ብሕሩያት ውሑዳት ክነበቡ ዝተሓሰቡ እዮም።

ኣካል ናይ ሓደ ዝሰፍሐ ቀኖና ክዀኑ ወይ ኣብ ቤተክርስትያን ከም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንበቡ ዘይምድላዎም ድማ፡ ኣብቲ ዝቕልቀል ዝነበረ ሓድሽ ኪዳን ዘይተኻተቱሉ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ

ሮማዊ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ኣብ 312 እዩ ክርስትና ተቐቢሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ግዝኣቱ ኣጋጢሙ ዝነበረ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምምካት ድማ ነቲ ሓድሽ ሃይማኖቱ ክጥቀመሉ ወሲኑ።

እዚ ድማ ካብ ኵሉ ደርቢታት ምሉእ ተቐባልነት ንምርካብን ስልጣኑ ንምድልዳልን ብዝብል ምስ ሃጸያዊ ኣምልኾ ክሰማማዕ ዝኽእል ክርስትና ንፖለቲካዊ ዕላማኡ ከምዝመረጾ ገለ ምሁራት ይገልጹ።

ቆስጠንጢኖስ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸም ዝነበረ ስደት ደው ከብል ዝወሰዶ ውሳነ፡ ኣብ መጀመርታ ክርስትና ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ፤ ከም ዓወት ቤተ ክርስቲያን፡ ሰላም ቤተ ክርስቲያን ወይ ድማ ለውጢ ቆስጠንጢኖስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሽዑ ንክርስትያናዊ ትምህርትታት ደረጃ ንምሃብን መሰረታዊ ቀኖና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ንምድንፋዕን ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ተኻይዱ ነይሩ።

ስለዚ ኣብቲ እዋን ገለ ካብቶም “ኣቡኸሪፋዊ” ጽሑፋት ንጐድኒ ተገይሮም፡ ወይ እውን ተዓፊኖም። ንመብዛሕትኦም ጽሑፋት ምብዛሕ እውን ተቛሪጹ።

ኣብ መወዳእታ 4ይ ክፍለ ዘመን ወንጌላት ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሃንስን ከም ክፋላት እቶም ንሓድሽ ኪዳን ዘቘሙ 27 ጽሑፋት ኰይኖም ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቦም። እዚኦም ምስ ብሉይ ኪዳን ተደሚሮም ቀኖና ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርስትና የቝሙ።