'ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ብልጽግናን ክጽገን ብዘይክእል ኲነታት ተበቲኹ እዩ'- ገዱ ኣንዳርጋቸው

ገዱ ኣንዳርጋቸው

ምንጪ ስእሊ, SCREEN GRAB

መግለጺ ስእሊ, ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ

ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ጸገም፡ ናይ መንግስቲ ብልጽግና ውድቀት ምሕደራ እዩ ክብል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራን ላዕለዋይ በዓል መዚ ፌደራልን ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊጹ።

ኣቶ ገዱ፡ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ዘይምርእግጋእ ስዒቡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ንምጽዳቕ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ እዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተርን ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ገዱ፡ ዋላኳ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እንተኾነ ብዙሕ ተሳትፎ ክገብር ግን ኣይርአን ጸኒሑ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞን ጎንጽን ተጋዲዱ ካብ ዓቕሚ እቲ ክልል ወጻኢ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ሕጊ ከኽብር ብዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት፡ ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ክዋፈር ተገይሩ ይርከብ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረሉ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ንዝኣወጆ ህጹጽ እዋን ንምጽዳቕ 8 ነሓሰ 2015 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዓብዪ ተራ ከምዝተጻወተ ዝንገረሉ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ካብ ስልጣን ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ ኣብ ዝኾነ ሓላፍነት መንግስቲ ክልል ኮነ ፌደራል ኣይተርኣየን።

ብተወሳኺ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ርሒቑ ኣብ ቤት ምኽሪ ዝነበሮ ተሳትፎ እውን ውሱን ከምዝነበረ ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ኣመልኪቱ ብወኪሉ መግለጺ ምስሃበ፡ ኣቶ ገዱ ካብ ካልኦት ኣባላት ቤት ምኽሪ ስፍሕ ዝበለ ግዘ ወሲዱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስቲ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ንውድብ ብልጽግናን መንግስቲ ፌደራልን ወቒሱ።

“ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝፈጸምናዮም ጥፍኣታት ዘይምምሃርና ይገርመኒ” ዝበለ ኣቶ ገዱ “መንግስቲ ባዕሉ ጸገም ይፈጥር፤ ነቲ ጸገም ብፖለቲካዊ መንገዲ ካብ ምፍታሕ ድማ ብወታሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ ይንቀሳቐስ፡” ክብል ወቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣጋጢሞም ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ ንምፍታሕ ከምዝተፈተነ፡ ነዚ ድማ ኮማንድ ፖስትታት ከምዝተጣየሹ ጠቒሱ “እንተኾነ ዋላ ሓደ ዝፈትሕዎ ጸገም የለን” ብምባል እቲ ፍታሕ ፖለቲካዊ ከምዝኾነ ኲናት ትግራይ ዝተፈተሐሉ ኣገባብ ብኣብነት ጠቒሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ መጀመርታ እቲ ለውጢ፡ ደጋፊ ብልጽግና ከምዝነበረ ዝተዛረበ ኣቶ ገዱ፡ ኮይኑ ግና ምንቅስቓስ እቲ ለውጢ ኣንፈቱ ከምዝሰሓተ ምስተረደአ፡ ጌጋታት መንግስቲ ክእረሙ ክሓትት ከምዝጸንሐን ሰማዒ ከምዝሰኣነን ገሊጹ።

ጸገማት እቲ ገዛኢ ውድብ ተጋዲዱ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ “ህዝቢ ኣምሓራ ብምኽንያት መንነቱ ተኸታታሊ ጃምላዊ ጭፍጫፍ ተፈጺምዎ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ብበዝሒ ተፈናቒሉ፣ ንሕሰምን ውርደትን ተቓሊዑ፡” ብምባል እዚ ነቲ ቅረታ ከምዘጋደዶን ነቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ምኽንያት ከምዝኾነን ኣብሪሁ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ “ምንቅስቓስ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ዝተኣከበ ግፍዕን በደልን ዝወለዶ ቊጠዐ እዩ” ዝበለ ኣቶ ገዱ እቲ ጸገም ብወተሃደራዊ ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ ዘተ ይፈታሕ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ጸገም “ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት መንግስቲ ብልጽግና እዩ” ዝበለ ኣቶ ገዱ “ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ብልጽግናን ክጽገን ብዘይክእል ኩነታት ተበቲኹ እዩ” ኢሉ።

ህዝቢ ኣምሓራ ከቕርቦ ዝጸንሐ ሕቶ ከም ናይ ውሑዳት ጉጅለታት ብምርኣይ፡ ክብሪ ዝትንክፉ ብይናት ብምሃብን እቲ ህዝቢ ብዝገደደ ክቊጣዕ ብምግባር እቲ ዕንወት ከይዛይድ እውን ኣጠንቂቑ።

ኣቶ ገዱ ኣብቲ 12 ደቓይቕ ዝወሰደን መንግስትን ገዛኢ ውድን ዝነቐፈሉን ዘረባ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ምክትል ኣፈ ጉባኤን ኣባላት ቤት ምኽርን ተደጋጋሚ ናይ ስነ ስርዓት ሕቶ ቀሪብዎ።

ንሱ ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ጸገም ፍታሕ ክኾኑ ይኽእሉ ዝበሎም ነጥቢታት እውን ዘርዚሩ።

“መንግስቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ክፍኣትን ምንኣስ ዓቕምን ዝሰኣኖ ቅቡልነት ብኣጽዋር ከምልስ ምፍታን መገዲ ጥኣፍት እዩ” ዝበለ ኣቶ ገዱ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ብቕልጡፍ ናብ መዓስከራቱ ይመለስ ኢሉ።

ብተወሳኺ እቲ ገዛኢ ውድብ ኣብቲ ክልል ቅቡልነት ስለዝሰኣነ “ንኩሎም ፖለቲካዊ ሓይሊታት ኣምሓራ ዝሓወሰ ጊዝያዊ ምምሕዳር ብምጥያስ” እቲ ጸገም ክቃለል ምግባር ይከኣል እዩ ኢሉ።

ኣብ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ካልኦት ኣባላት እውን ርእይቶ ድጋፍን ተቓውሞን ዝሃቡ ኮይኖም፡ ተወካሊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋየ በልጅጌ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞትዮስ (ዶ/ር) መብርህን ምላሽን ሂቦም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሰኑይ 8 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ክልል ኣምሓራ ክትግበር ዘሕለፎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብ 12 ድምጸ ተዓቅቦ፣ 16 ተቓውሞን ኣብዝሓ ድጋፍን ኣጽዲቑ።