ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ፡ ንዝበለጸ ሽልማት ኣፍሪቃ ተሓጽዮም

ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብትሮፒካለ ኣሚሶ ባንጐ ኣብ ጥሪ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ 20 ተቐዳደምቲ ምዃኖም ላ ትሮፒካለ ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ኣፍሊጡ።

እቶም ነዚ ሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን ኣብ 2021 ነዚ ሽልማት ዝተዓወተሉ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ 2022 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉን ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ናትናኤል ተስፋጽዮንቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ምሉብርሃን ቻምፕዮን ዙር ሰርብያ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ፡ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ጋንታ ትረክ ሰጋፍሬዶ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ወላይ በርሀ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ተቓዳዳማይ ብሽክለታ ሓደ ካብቶም ሕጹያት እዩ። ወላይ በርሀ ምስ ጋንታ ኢኤፍ ኢጁኬሽን ኒፖ ደቨሎፕመንት ዝወዳደር ዘሎ ኰይኑ ኣብ 2022፡ ን 37 መዓልታት ብምውድዳር ኣብ ዩሲኣይ 18 ነጥቢ ከመዝግብ ዝኸኣለ ተቓዳዳማይ እዩ።

እቶም ካልኦት ነዚ ሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣሽራፍ ኢድሶግምይ [ሞሮኮ]፡ ፓውል ዳውሞት [ቡርኪናፋሶ]፡ ብዳዶ ዮሱፍ [ሞሮኮ]፡ ጉስታፍ ባሶን [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ኢስላም መንሱር [ኣልጀርያ]፡ ዓብዱራሕማን መንሱሪ [ኣልጀርያ]፡ ነስረዲን ማታጒ [ሞሮኮ]፡ ያሲን ሃምዛ [ኣልጀርያ]፡ ልዊስ መንተጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ዳሪ ሊምፕሰይ [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ሞጉሻ ሞሰስ [ርዋንዳ]፡ ኣርቱስ ተላ [ካሜሮን]፡ ሶሎማን ትራኦረ [ኣይቮሪኮስት] እዮም።

እቲ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዓመታዊ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 23 ክሳብ 29 ጥሪ 2023 ንመበል 16 ግዜኡ ክካየድ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ በረድ ውድድራት ስለዘይካየድ፡ ዓበይቲ ተጻወተቲ ዓለምና ኣብ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ክወዳደሩ ምርኣይ ንቡር’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት፡ ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን [ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ጥራየ’ዮም 2.1 መዓቐኒ ዘለዎም።

ኣብ 2020 ከምኡ’ውን ኣብ 2021 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተባሂሉ ብኣካየድቲ ላ ትሪፒካለ ምሽላሙ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ዓወታትን ነዚ ሽልማት ክወስዶ ከምዝኽእል ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎ ይርከብ።

ቢንያም ግርማይ ሎሚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ዓበይቲ ዓወታት ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ሓደን ቀንድን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታል ኣብ ዓስራይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጽኡ ኣብ ጂሮ ንመጀመርታ ግዜ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃ ብምዃን ታሪኽ ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ። እዝን ካልእ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ዓወታትን ኣብ ግምት ብምእታው ሎሚ ንሽልማት ዝበለጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ግዚኡ ክዕወተሉ ከምዝኽል መንቀሊ ግምት ብዙሓት እዩ።

እዚ ሽልማት ካብ 2012 እዩ ክወሃብ ጀሚሩ፤ ፈለማ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ከምዝተዓወተሉ ዝዝከር’ዩ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሽዱሽተ ግዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንከለዉ፡ ቢንያም ግርማይን (ኣብ 2020ን 2021] ደቡብ ኣፍሪቃ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ነዚ ሽልማት ተዓዊቶምሉ።

በዚ ድማ ቢንያም፡ ኣከታቲሉ ንክልተ ዓመታት ዝተሽለመ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኰይኑ'ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓወትሉ

  • 2021፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
  • 2020፡ ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)
  • 2019፡ ኢምፐይ ዳርይል (ደቡብ ኣፍሪቃ)
  • 2018፡ ኣርሩያ ጆሴፍ (ርዋንዳ)
  • 2017፡ ልዊስ መንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
  • 2016፡ ተስፊም ዑቕባማርያም (ኤርትራ)
  • 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራ)
  • 2014፡ መኽሰብ ደበሳይ (ኤርትራ)
  • 2013፡ ብልዊስ ምውንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
  • 2012ናትናኤል ብርሃነ (ኤርትራ)

ገለ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ቢንያም ግርማይ 2022

ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 56 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 9478 ኪሎሜተር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1900 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፤

  • 14 መስከረም ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ዲ ዋሎኒ ንቫንደርፖል ተኸቲሉ፡ ካልኣይ
  • 9 መስከርም ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ሳይክሊስተ ፕሪክስ ዲ ኵቤካ፡ ሳልሳይ
  • 25 ሓምለ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ዋሎይነ፡ ካልኣይ
  • 4 ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ
  • 17 ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ሻሙናይን ሓሙሻይን መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይን ሳልሳይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ወጺኡ
  • 27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ገንት ውቨልገን ቀዳማይ ወጺኡ
  • 27 ጥሪ ኣብ ትረፍዮ ኣልሱዳ ፖርት ዲ ኣልሱዳ ቀዳማይ ወጺኡ።