እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዕዉት ዙር ሰርብያ ኮይኑ
ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ጋንታ 'ባይክ አይድ' ኤርትራዊ ዳዊት የማነ፡ ዕዉት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ኮይኑ።
ንሱ ነታ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዝተረከባ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ውድድር'ውን ስለዝዓቐባ እዩ ዕውት ዙር ሰርብያ ክኸውን በቒዑ።
ዙር ሰርብያ ሎሚ ዓመት ንመበል 62 ግዚኡ ክካይደ እንከሎ፡ ናይ 2.2 መዐቐኒ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣርባዕተ ተረርቲ መድረኻት ኣለዎ።
ኣብ 18 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 108 ተጻወትቲ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነ ነዚ ውድድር ብምዕዋት፡ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ወናኒ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ዳዊት የማነ፡ ነታ ብዓርቢ ካብ ካካክ ናብ ፕሪፖላጀ ዝተኻየደትን ተረርቲ ዓቐበታት ዝነበራን 153.3 ኪሎሜተር ዝሸፈነት መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዝዛም'ዩ ብጫ ማልያ ካብ ጣልያናዊ ካርታ ኢልያ ተረቢብዋ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ካብ ፕሪፖላጀ ናብ ካካክ ናይ 156.5 ኪሎሜተር ብምዕዋቱ ነታ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዝወነና ብጫ ማልያ ክዕቕባ ስለዝኸኣለ'ዩ ነዚ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ንናይ ነጥቢ ማልያ ክሮሽያዊ ቪክቶር ብ66 ነጥቢ ክዕወተላ እንከሎ፡ ዳዊት የማነ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ'ውን ብ32 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብሪጣንያዊ ክሮስ ኣርቸ ብ25 ነጥቢ ኣንበሳ ዓቐበት ክኸውን እንከሎ ዳዊት የማነ ብ18 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ወዲኡ።