እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳዊት የማነ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሰርብያ ቀዳማይ ብምውጻእ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ
ሎሚ ዓመት ንመበል 62 ግዚኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዙር ሰርብያ፡ ኣባል ባይክ ኣየድ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ወናኒ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ኮይኑ።
ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዝኾነ ዳዊት የማነ፡ ነዛ ሎሚ ዝተኻየደ ካብ ካካክ ናብ ፕሪፖላጀ ዝተኻየደ ተረርቲ ዓቐበታት ዘጠቓለለ 153.3 ኪሎሜተር ርሕቐት ዝነበሮ መድረኽ ንመወዳድርቱ ራሕሪሑ ብምእታው’ዩ ቀዳማይ ወጺኡ።
ዳዊት፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ብጫ ማልያ ካብ ኢጣልያዊ ካርታ ኢልያ ክርከብ እንከሎ፡ ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ’ውን ብ18 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ ዳዊት የማነ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ ነቲ ብ49 ነጥቢ ቀዳማይ ዘሎ ሰርብያዊ ቪክተር ተኸቲሉ ብ32 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ዙር ሰርብያ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ብዓል ኣርባዕተ መድረኽ ውድድር እዩ። ጽባሕ ናይ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኸ ዘካይድ ዙር ሰርብያ፡ ካብ ፕሪፖላጀ ናብ ካካክ ናይ 156.5 ኪሎሜተር ከካይድ እዩ።
ዳዊት የማነ ኣብ ብጫ ማልያ ናይ ሓሙሽተ ካልኢት ጸብለልታ ኣንጺፉ ስለዘሎ፡ ንብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክዕወተሉ ዓቢ ተስፋ ተነቢርዎ ኣሎ።
ኣብ ዙር ሰርብያ ኣብ 18 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 108 ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።