ሰባት ስለምንታይ እዮም ንርእሶም ዘታልሉ? መፍትሒኡ ኸ?

ሰባት ብዙሕ ግዜ ዘይንሶም ኰይኖም ይቐርቡ፣ እቲ ሓቀኛ ንስነቶም ክትረኽቦ ኸኣ የጸግም። እዚ ኸኣ ካብ ርእሰ-ምትላል ወይ ጥበራ ዝጅምር ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።

ሰባት ንገዛእ ርእሶም የታልሉ’ሞ ነቲ ዘታልልዎን ንነብሶም ዝሕስውዎን ባዕላቶም ንቕድም ይኣምንዎ። ስለምንታይ እዮም ግን ሰባት ንነብሶም ዘታልሉ? ወይ ከታልሉ ዘድልዮም?

ሜድያ ሎሚ ኣብ ሓሶት ብዝነብሩ ሰባት መሊኡ’ሎ።

ንዅሎም እዞም ሓሰውቲ ሰባት ዘመሳስሎም፡ እቲ ንኻልኦት ዝነገርዎ ሓሶት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንገዛእ ነብሶም - ንባዕሎም ዝነገርዎ ሓሶት’ዩ።

እዞም ሰባት ተግባራቶም ወይ ዘረባኦም ብገለ ምኽንያት ምኽኑይ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ፣ ብዝዀነ መገዲ ድማ ፈጺሙ ከምዘይክሻሕ ወይ ከም ዘይፍለጡ ይኣምኑ።

ነዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ግን ኣቐዲሞም ብውልቂ ደጋጊሞም ነቲ ክውንነት ይኽሕድዎ’ሞ ብእምነቶም ይታለሉ፣ ንኻልኦት ድማ ናብቲ ምትላሎም ጐቲቶም የእትው።

እዚ ዓይነት ባህሪ ሰባት ሳሕቲ ዝረአ፡ ኣብ ውሱን ‘ፈታኒ ኵነታት’ ዝዝውተር እዩ ዝመስል።

ርእሰ-ምትላል ግን ንምእማኑ ብዘጸግም ኣብ ብዙሕ ሰብ ልሙድ እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ ክሳዕ ክንደይ ንባዕልኻ እሙን ኢኻ? እዩ።

ኣብ ገለ ሰባት፡ ገለ ረብሓታት ንምርካብ ዝማዕበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን። ባዕለ-ምስልና ወይ እቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ናይ ገዛእ ርእስና ምስሊ ንምሕላው ንርእስና ንሕሱ።

እዚ ኸኣ ሕልናኻ እናሓለኻ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ክትገብር’ውን የኽእል እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዛዕባ ኣተኵሩ ዝግበር መጽናዕቲ፡ ርእሰ-ምትላል ንኻልኦት ከነእምን ወይ ክንምስጥ ንኽሕግዘና ዝልመድ ባህሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ንናይ ገዛእ ርእስና ሓሶት ክንኣምን እንተጀሚርና፡ ንኻልኦት ሰባት ከነእምን ኣዝዩ ቀሊል’ዩ።

ባዕሊ - ‘ኢጐ‘ ምሕላው

ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰባት ዝገብርዎ ርእሰ-ምትላል፡ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ምጽንዑ ‘ሕማም ርእሲ’ - ኣጸጋሚ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ሓደ ሰብ፡ እቲ ንነብሱ ዘታልለሉ መስርሕ ኣብ ትሕተ-ንቕሓት ስለ ዝፍጸም፡ ‘ንነብስኻ ዶ ትሕስዋ ኢኻ?’ ኢልካ ክትሓቶ ኣጸጋሚ እዩ - ነቲ ዝሕስዎ ድሮ ብውሽጡ ተቐቢልዎን ኣሚንዎን ክኸውን ስለዝኽእል፡ ነብሱ ይጥብር ከም ዘሎ ዘይክእመነልካ ይኽእል።

ስለዚ፡ እቲ ፈተነታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።

ፕሮፈሰር ዞ ቻንስ፡ ካብ የል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ እቶም ከታልሉ ዕድል ዝረኸቡ ሰባት፡ ዝረኽብዎ ውጽኢት ከም ምልክት ብልሒ ምዃኑ ብምግማት፡ ኣብ ርእሰ-ምትላል ክዋፈሩ ተኽእሎ ኣሎ፣ ዋላ ቀዲሖም ኣታሊሎም ዝረኸብዎ ውጽኢት ብብልሖም ከም ዝረኸብዎ ንነብሶም ከእምኑ ይኽእሉ።

እዚ ሓጺር ዝጸንሕ ብርእሰ-ምትላል ዝርከብ 'ስነ-ኣእምሮኣዊ ረብሓ' ግን፡ ንግዚኡ እምበር ኣብ ነዊሕ፣ ኣብ ዘይዓቕምኻን ዘይቦታኻን ዘቐምጥ፡ ካባኻ ዝግበር ትጽቢት ዘዕቢ ጐዳኢ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽሕዙ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ነቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ [ዘይቅቡል] ባህርያቶም ምኽንያታዊ ክገብርዎ እዮም ዝፍትኑ።

ሰባት ነቲ ካብ ኣሉታዊ ባህርያት ዝመጽእ ኣወንታዊ ውጽኢት ተጠቒሞም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ርእይቶ ንምዕባይ ከም ዝኽእሉ መጽናዕቲ የረጋግጽ።

ስለዚ ሰባት ካብ ዘለውዎ ንላዕሊ በላሕቲ መሲልዎም ንነብሶም የደናግሩ፣ ነቲ ዝሃነጽዎ 'ባዕሊ' ድማ ብጥበራ ይሕልውዎ።

እንታይ ብዘይገድስ ብዛዕባ’ቲ እትረብሖ ነገር ኣቐዲምካ ምፍላጥ፡ ሰባት ነብሶም-ከታልሉ ጽልዋ ከም ዘሕድር ዩሪ ግኒዝ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ብመሰረት ዘካየዶ መጽናዕቲ ይገልጽ።

በዚ መንገዲ ነብስ-ምትላል ንናይ ስነ-ምግባር መረዳእታና’ውን ይውስኖ እዩ፡ ይብል ግኒዝ ኣብ መጽናዕቱ።

"ርእሰ-ምትላል ማለት ብሓጺሩ፡ [ዝዀነ ይዅን] ንገዛእ ርእስኻ ከም ቅኑዕ ሰብ ምርኣይ ማለት'ዩ" ይብል፤ ዋላ'ውን ተግባራትና ብኣንጻሩ እንተዀነ ብውሽጥና ግን ከም ቅኑዓት ንነብስና ንጥብር።

እዚ ዓይነት ርእሰ-ምትላል ምስ ገንዘብ ኣብ ዝተኣሳሰር ነገር ዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ይኽእል እዩ፡ ብምባል ኣብ ሓደ ብሕታዊ ትካል ጥዕና ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ኣብነት የቕርብ።

ሓደ ሓኪም ገንዘባዊ መኽሰቡ ብውሽጢ - ወይ’ውን ብትሕተ-ውነኡ - ክሓስብ ይኽእል እዩ።

እቲ ሓኪም ጽቡቕ ዕላማ’ኳ እንተሃለዎ፡ ብዘይፍላጥ ንነብሱ ከታልል ይኽእል፣ ንሓደ ሕሙም እቲ ዝኸበረ ዓይነት ሕክምና እቲ ዝበለጸ እዩ ኢሉ ከእምኖ ይኽእል፤ ኣብ ከምዚ’ታት ድማ ባህሪ ርእሰ-ምትላል ብውሽጢ ኰይኑ ዘይክልለ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ትብሎን ነቲ ክቡር ዓይነት ሕክምና ከም ፍጹም ብሉጽ ጌርካ ምውሳድ ኣቐዲምካ ክትኣምኖን ኣብ ውሽጥኻ ከተእትዎን ስለ ዝከኣል።

ንነብስኻ ምምሳጥ፡ ንኻልኦት ምምሳጥ

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ሳዕቤን ርእሰ ምትላል ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ዝምልከት እዩ። ብመሰረት እዚ ክልሰ-ሓሳብ፡ ርእሰ-ምትላል ኣብቲ እንብሎ ዘለና ዝያዳ ርእሰ-ተኣማንነት ንኽህልወና ኸኣ የኽእለና እዩ። እዚ ድማ ዝያዳ ተኣመንቲ ይገብረና።

ኣብ ቀረባ እዋን ብፒተር ሽዋርድማን ዝተባህለ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርነጊ ሜሎን ኣሜሪካ ዝወጸ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ መርትዖታት ይህብ።

ሽዋርድማን ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቲ ርእሰ-ምትላል ዝያዳ ፍረ ከም ዝሃበ ዘርኢ እዩ። ካብቶም መጽናዕቲ ዘካየደሎም ሰባት፡ እቶም መሰረት ዘይብሉ ልዕሊ ዓቐን ርእሰ-ምትእምማን ከም ዝህልዎም ዝተገብሩ ሰባት፡ ኣብቲ ዝተዳለወ ፈተና ዘለዓለ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ሽዋርድማን፡ ኣብ ውድድራት ክትዕ ዘካየዶ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ተዓዚቡ። ኣብዚ እቶም ተሳተፍቲ ዝካትዑሉ ዝዀነ ኣርእስቲ ይወሃቦም።

15 ደቓይቕ ቅድሚ ሞጕቶም ከኣ ንምድላው ዕድል ተዋሂብዎም። ኣብ እዋን ክትዕን ድሕሪኡን፣ ነቲ ዝሓዝዎ ኣርእስቲ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ጌሮም ከምዘቕርብዎ ወይ ክዛረቡሉ ክኢሎም ከኣ ይፍረዱ።

ሽዋርድማን፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣቐዲሙ ቅድሚ’ቲ ክትዕ ብዛዕባ’ቲ ዘልዓልዎ ጉዳይ ዝነበሮም ውልቃዊ መረዳእታ ይመዝን። መርገጺኦም ቅድሚ ምግላጾም፡ ኣርእስቲ ተዋሂብዎም ምድላው መጐተ ምስ ጀመሩ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ’ቲ ክትዕ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣርእስታት ዘለዎም ውልቃዊ እምነት እቶም ተሳተፍቲ መዚንዎ።

እቲ ውጽኢት፡ 'ርእሰ-ምትላል፡ ወይ ንርእስኻ ምጥባር ንኻልኦት ንኸተእምን ይሕግዝ እዩ' ዝብል ሓሳብ ብምስምማዕ፣ ሰባት ኣየናይ ወገን ናይቲ ክትዕ ክካትዑ ከም ዘድልዮም ምስ ተነግሮም፡ ውልቃዊ ርእይቶኦም ብዓቢኡ ከም ዝቕየር ኣብ ውጽኢቱ ረኺቡ።

“ውልቃዊ እምነቶም ምስቲ ንኻልኦት ናይ ምእማን ሸቶታቶም ንምስምማዕ ናብቲ ቅድሚኡ፡ 15 ደቓይቕ ጥራይ ቀዲሙ ዝተዋህቦም ሸነኽ ተሰጋጊሩ፡” ይብል ሽዋርድማን።

እዞም ተሳተፍቲ’ቲ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ክትዕ፡ ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ገንዘብ ክልግሱ’ውን ዕድል ተዋሂብዎም።

ካብቲ ብዙሕ ዝርዝራት ናይተን ትካላት ከኣ ነተን ምስ መርገጺ ስነ-መጐቶም ዝሰማምዓ ትካላት ክመርጹ ተራእዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ድሮ ኣብ ውሽጦም ዝኣመንዎ ነገራት የረጋግጽ።

መብዛሕትኦም ርእይቶታትናን ኣረኣይታታትናን ብኸምዚ መገዲ ተቐሪጾም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ፖለቲካ፡ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጐስጓስ ክገብር ዝተሓተተ ሓደ ጎስጓሲ/ፖለቲከኛ፡ ነቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ዝኣመነሉ ወይ ክብሎ ዝደለየ ሓደ መገዲ እታ ዝብላ ጥራይ ሓቂ ምዃና ከእምን ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ግን ሓቅታት ብጥንቃቐን ውድዕነትን ስለ ዝገምገመ ዘይኮነስ፡ [ልክዕ ከምቶም ኣርእስቲን መስመር ምጕትን ተዋሂብዎም ዝካትዑ ተመሃሮ፣ ንእለት ነቲ ዝብልዎ ንቕድም ንነብሶም ኣሚኖም ንኻልኦት ከእምኑ ዝጽዕሩ] ብኸምኡ ከቕርብ ወይ ክማጐት ተነጊርዎ ስለዝመጽእ ጥራይ እዩ።

ሽዋርድማን፡ እዚ መስርሕ’ዚ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ፖለቲካዊ ምትፍናን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ዝብል ገምጋም የቐምጥ።

ሃልወሳ ብልጸት

በዚ ዅሉ መገድታት ሓንጐልና ሓቂ ዘይኮነ ነገራት ክንኣምን ከሀውትተና ይኽእል እዩ።

ርእሰ-ምትላል፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕምታት ዘለና ርእይቶ ክንነፍሕ ይገብረና፤ ስለዚ ካብ ኵሎም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ከም ዝበላሕና ንኣምን።

ተግባራትና ኣብ ካልኦት ሰባት ዝፈጥሮ ሳዕቤን ዕሽሽ ንብሎ ማለት እዩ፣ ስለዚ ብሓፈሻ ብስነምግባራዊ መገዲ ግብሪታትና ብቕኑዕ መገዲ ንፍጽም ኣለና ኢልና ንኣምን ማለት እዩ።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓቅነት እምነትና ንነብስና ብምትላል፡ ኣብ ርእይቶታትና ዝዓበየ እምነት ነርኢ - እዚ ድማ ብግዲኡ ንኻልኦት ንኽንምስጥ ክሕግዘና ይኽእል።

ኣብ ኣእምሮ ገለ መደናገርቲ ተራ ሰባት፡ ፖለቲከኛታት ወይ ስነጥበበኛታት ወይ ካልኦት እንታይ ከም ዘሎ ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይከኣልን እዩ፣ ግን ከኣ ምግማቱ ቀሊል እዩ።

እዞም ከምዚኦም ሰባት ብውሕዱ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ዓቕምን ዝደልይዎ ንምርካብ ኣለና ዝብልዎ ዝኣምንዎ መሰልን ዝንቡዕ መረዳእታ ከም ዘለዎም፤ እቲ ዝገብርዎ ክህልዎ ዝኽእል ስነ-ምግባራዊ ጽልዋ ዕሽሽ ዝብልዎ ምዃኖምን ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ሽዋርድማን ገለ መደናገርቲ ንምእማኑ ኣብ ዘጸግም ዝርዝር ሓሶት ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፡ ይብል። ገሊኦም ሓሶቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ እንከሎ ጻድቓት ዘምስሎም ቍጥዐ እዮም ዘርእዩ።

“ምናልባት እዚ፡ ማዕረ ክንደይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሶት ከም ዝዕደጉን ዝተዋሕጡን ምዃኖም ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ይብል።

ማሕበራዊ ደረጃኻ ክብ ናይ ምባል ድሌት፡ ሰባት ንርእሰ-ምትላል ዘለዎም ዝንባለ ክውስኽ ይኽእል።

ንኣብነት ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ስግኣት ክስምዖም ከሎ፡ ብዛዕባ ዓቕሚ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣረኣእያን ናይ ምንፋሕ ተኽእሎኦምን ክዓቢ ይርአ።

እቲ ስግኣት እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ብዛዕባ ነብስና ንገዛእ ርእስና እንነግሮ ሓሶት ዝዓቢ ምዃኑ መጽናዕቲ ሽዋርድማን የመልክት።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ርእሰ-ምትላልና ንጹህ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ካብቲ ምኽኑይ ንላዕሊ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ቅሩብ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ንኽስምዓና ይሕግዝ እዩ።

ግን ህይወት ክቕይሩ ዝኽእሉ ውሳነታት ኣብ እንወስደሉ እዋን፡ ነዞም ዝንባለታት’ዚኦም ምፍላጥ ዋጋ ኣለዎ።

ንኣብነት ኣብ ዘለኻዮ ስራሕ ብሕጊ ዘሕትተካ ዘይሕጋዊ ነገር ምስራሕ፣ ካብ ጽቡቕ ስራሕካ ስቕ ኢልካ ሞያ ብምቕያር ዓወት ናይ ምርካብ ዘሎ ተኽእሎታት ንነብስኻ ክትቅሽሽ ኣይትደልን ኢኻ።

ካብ ርእሰ-ምትላል ንምግልጋልን ንዅሉ ዓይነት ህኑጽ ስምዒታት ንምብንጫር፡ ነቲ ዝሰራሕካዮ መደምደምታ ነገራት “ኣንጻሩ ኣብ ግምት ምእታው” እዩ።

ልክዕ ነብስኻ ከም እትምርምር ዘለኻ ሓሲብካ፡ እምነታትካ ምፍታሽ የድሊ።

እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ኵነታት ብዝያዳ ብትንተና ብርትዒ ክንሓስብን ክንርዳእን ዝመርሓና ቀሊል ኣገባብ ምዃኑ ብዙሓት መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም እዮም።

እዚ ‘ስርዓታዊ ምኽንያት’፡ ንሰባት “ብርትዓዊ ኣገባብ ሕሰቡ” ኢልካ ጥራይ ካብ ምንጋር ዝያዳ ኣድማዒ ምዃኑ ይረጋገጽ።

እዚ ዝከኣል ግን ብርግጽ፡ ‘ብዛዕባ ርእሰ-ምትላል’ ኣብ ነብስኻ ዘማዕበልካዮ ጉድለታት ክትቅበል ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ነቲ ጸገም ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ምናልባት እዚ ምኽሪ’ዚ ንዓይ ኣየድልየንን’ዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን፤ “ርእሰ-ምትላል ንኻልኦት ጥራይ እዩ ዘሳቕዮም፡” ኢልካ፡ ንስኻ ግን ምስ ነብስኻ ፍጹም ቅኑዕ ምዃንካ ክትኣምን ትኽእል ኢኻ።

እዚ ግን ንባዕሉ፡ እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሃልወሳኻን ርእሰ-ጥበራን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።