ስነ-ልቦና፡ ከመይ ኢልና ምስ ጣዕሳና ተሳኒና ንነብር?

መብዛሕትኡ ሰብ ዝኾነ ዓይነት ናይ ጣዕሳ ስምዒት ክስምዖ ኣይደልን፤ ግን ድማ ንርእስና ንክነዕቢ ዝጠቕም ስምዒት እዩ።

እዚ ዝስዕብ ዛንታ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ናይ ፍቕሪ ፊልም እትሰምዑዎ ዘለኹም ክመስለኹም ይኽእል።

ብ1981 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሓደ ብሩስ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ብሰሜን ፈረንሳ ናብ ቤልጅም ብባቡር ይጉዓዝ ነበረ።

ሳንድራ ዝተባህለት ኣዝያ ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኣ ኣብ ጎኑ ከፍ ኢላ ነይራ።

ኣብቲ ንሳ እትወርደሉ ቦታ ምስ በጽሑ -ኣብ ቤልጅም ዝርከብ መደብር ባቡር- ተሰዓዒሞም፤ ብሩስ እኳ ብሱሩ’ውን ካብታ ባቡር ምስኣ ክወርድን ህይወት ናበይ ከም እትመርሖ ክርእን እዩ ሓሲቡ ነይሩ።

ኣብ ክንድኡ ቅልጥፍ ኡሉ ሽሙን ኣድራሻ ናይ ወለዱ ገዛን ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ሂቡዋ።

እቲ መዓጹ ምስ ተዓጽወ ብሩስ ተጣዒሱ። ‘ኣቱም ሰብ፡ እንታይ ኮይነ’የ እባ ምስኣ ዘይኸድኩ?’ ኢሉ ብጓሂ ጣዕ ክብል ደልዩ።

ናብ ኣመሪካ ምስ ተመለሰ ሓደ መዓልቲ ካብ ሳንድራ ደብዳበ ይበጽሖ።

እቲ ደብዳበ፡ “ዕብዳን ክመስል ይኽእል’ዩ ግን ብዛዕባኻ ክሓስብ እንከለኹ ክምስምስ እየ ዝብል” ይብል።

ካልእ ማልእ የብሉን። እቲ ዝገርም፡ ሳንድራ ኣብቲ ደብዳበ ናይ ባዕላ ኣድራሻ ኣየስፈረትን።

ሕጂ ክልቲኦም ካብ ዝራኸቡ ዓሰርታት ዓመታት ሓሊፎም’ውን፡ ብሩስ ኣብታ ዕለት ተኸቲለያ እንተዝኸይድስ እንታይ ምተፈጥረ ነይሩ? ብምባል ብሓሳብ ላዕልን ታሕትን ክብል እዩ ሓሊፉዎ።

ኣብ ዳህሳስ ጣዕሳ ዓለም [World Regret Survey] ዝተኣከቡ 16 ሽሕ ታሪኻት ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ጸሓፊ ዳኒኤል ፒንክ ሓደ እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ፒንክ ኣርባዕተ ዓይነታት ጣዕሳ ከም ዘለውን ሓደ ነቲ ሓደ ክመራርሑ ከም ዝኽእሉን ክፈልጥ ክኢሉ።

እዚ መጽናዕቲ ድማ ‘The Power of Regret’ ዝብል መጽሓፍ ክጽሕፍ ዘኽኣሎ ኮይኑ፡ ጣዕሳ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ወሳኒ ተራ ክንግንዘብ፣ ምሕዝነት ካብ ምጉስጓስ ክሳብ ጉድኣቱ ዘመዛዘነ ሓላፍነት ዝስምዖም ውሳነታት ክንርዳእ ይሕግዘና።

ብተወሳኺ ኣየናይ ዓይነት ጣዕሳ ውሽጥና ይበልዖ ዝብል ብምርዳእ ኩላትና ምስ እንሰርሖም ጌጋታት ወይ ሕርቃን ከመይ ሰላም ፈጢርና ክንነብር ንኽእል ዝብል መገዲ የርእየና።

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ጣዕሳ ኣገዳሲ ዘይኮነ ስምዒት ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ።

ኣብዚ፡ ናይ ኤዲዝ ፒፋ ፍሉጥ ዝኾነ ደርፊ ወይ ካልኦት ካብ ኢምይሎ ሃሪስ ክሳብ ሮቢ ዊልያም ዘለው ስነ ጥበባውያን ብዛዕባ ካብ “ጣዕሳ” ወጻእ ናይ ምንባር ፍልስፍና ተፈላሲፎም’ዮም።

ክኢላታት ስነ ልቦና ግን ጣዕሳ ጠቓሚ ስምዒት ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

“ኣብ ህይወትካ ጣዕሳ ምጥፋእ ኣዝዩ ሕማቕ . . . ሕማቕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ጣዕሳ ሓደ ካብቶም ናይ ምውሳን ዓቕምታትኻ እተዕብየሉ መምሃሪ ኣገባብ’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ኵንስ ቤልፋስት ኤዳን ፌኒ።

ጣዕሳ፡ ተጻረርቲ ሓቅታት ምሕሳብ ዘድልዮ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስምዒት’ዩ ዝብል ፕሮፌሰር ኤዳን፡ ቅድም ኢሎም ንዝተፈጥሩ ነገራት ምስቲ ክኸውን እትደልዮ ነገር ንምውድዳርን ንምምራጽን ናይ ምውሳን ወይ ምሕሳብ ዓቕሚ ዝሓትት ምዃኑ የረድእ።

ካብዚ ብዝብገስ ንኣሽቱ ቖልዑት ጣዕሳ ኣይስመዖምን፤ እቲ ስምዒት ድማ ቖልዓ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮኑ ክመጽእ ይጅምር።

ጣዕሳ ህድኣት ንክተማዕብል’ውን ከም ዝሕግዝ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ንኣብነት ብዝኾነ ነገር ሃጺጹ ብምውሳን ቅድም ኢሉ ዝተጣዕሰ ሰብ ኣብ ካልእ እዋን ተመሳሳሊ ነገር ምስ ዝገጥሞ ኣብ ክንዲ ነታ ሽዓ ዝረኽባ ዕግበት ህድእ ብምባሉ ብዛዕባ ዝረኽቦ እዩ ዝሓስብ።

ዝዘንግዐ ዕግበት ድማ ዓርስኻ ንምቁጽጻርን ኢሉ ድማ ዕውት ህይወት ንክህልወካን ይሕግዝ።

ንኣብነት፡ ንፈተና ክተጽንዕ ኢልካ ኮምፒዩተር ጌም ክጸንሓልካ ብምግባር ምናልባት ንዩኒቨርሲቲ ዘእትወካ ጽቡቕ ነጥቢ ክትረክብ፤ ኣብ መጻኢ ድማ ዝሓሸ እቶት እትረኽበሉ ሞያ ንክትውንን ይሕግዘካ እዩ።

ሞንጎ ሞንጎ ኾይንና ሓደ ውሳነ እንተወሲንና እሞ ድሕሪኡ ጣዕሳ እንተተሰሚዑና ድማ፡ ንሓዋሩ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ኣኪብና፣ ሓሲብና ኣስተንቲንና ክንውስን ሙህሮ ይኾነና።

ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ስምዒታትና ብእወንታ ንክንቀርጾም ከም ዝሕግዙ ዝገልጽ ፒንክ’ውን “ጣዕሳ፡ ከምቲ ሓደ ነገር ክምህረና ዝፍትን መምህር ክንርእዮ ኣለና” ይብል።

ኣርባዕተ መቐረታት ጣዕሳ

ጣዕሳ፡ ብዙሓት ሰባት ብተደጋጋሚ ዘጋጥሞም ነገር እዩ።

ፒንክ፡ ኣብ ሞንጎ ተመሃሮ ቐዳማይ ዲግርን ዝተመርዓው መጻምድን ብምዝርራብ ብ1984 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይጠቅስ።

ኣብዚ፡ ድሕሪ ፍቕሪ ብኻልኣይ ደረጃ ብብዝሒ ዝዘራረብሉ ጣዕሳ ምዃኑ ይሕብር።

ፒንክ’ውን ሰባት ክንደይ ግዜ ይጠዓሱ ክብል ብመሰረት ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ 20 ሚኢታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት “ወትሩ” ኢሎም።

ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ጣዕሳ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ከም ዝምደቡ የረድእ።

  • ናይ መሰረት ጣዕሳ [Foundation regrets]፡ ኣብ ክሊ ተሓተትቲ ወይ ሓላፍነት ዘይወስዱ ሰባት ምዃንና ትኹረት ዝገብር ኮይኑ እዚ ድማ ናይ ምርግጋእ ድልየትና ከሕድገና ወይ ክክሕደና ዝኽእል እዩ።
  • ልዕሊ ዓቐን ጥንቁቕ ካብ ምዃንካ ዝመጽእ ናይ ድፍረት ጣዕሳ’ውን ኣሎ [Boldness regrets]። እዚ ከምቲ ካብ ፈረንሳ ናብ ቤልጅም ዝጉዓዝ ዝነበረ ብሩስ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ህይወትና ክልውጡ ዝኽእሉ ዕድላት የጋጥሙና እዮም።
  • ሞራላዊ ጣዕሳ [Moral regrets] ድማ ብናይ ባዕልና ስሕተት ዝጎዳእናዮም ካልኦት ሰባት ማእኸል ዝገበረ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምድኻ ወይ በዓል ሓዳርኻ ምስ ካልእ ምኻድ ዝተለምደ ኣብነት ሞራላዊ ጣዕሳ እዩ።
  • ናይ ርክባት ጣዕሳ [Connection regrets] ምስ ኣባላት ስድራኻ፣ መሓዙትኻን መሳርሕትኻን ካብ ዝተበትኸ ወይ ዘይሰመረ ርክብ ዝምንጪ ይኸውን።

“እዞም ኣርባዕተ ክፍሊታት ጣዕሳ ብተደጋጋሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝንጸባረቑ’ዮም” ክብል ፒንክ የረድእ።

ጣዕሳ ከመይ ተወግዶ?

ብዝገርም ኩነታት እቲ ናይ ራብዓይ ክፍሊ ጣዕሳ ብብዝሒ ዝረኣይን ዘጋጥምን እዩ።

እቲ ሙሁር ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ኣብ ሞንጎና ክፍተት ይፍጠር ምህላው እንተስተብሂልና ቐልጢፍና ክንወሃሃድ ኣለና።

“ንዝኾነ ሰብ ክረኽበ’ዶ ዋላስ ይትረፈኒ ዝብል ስምዒት እንተሃልዩካ፡ ካብቲ መልሲ ዘለዎ ሕቶ ጀምር። ንዓይ እዚ ዓብዪ ተሞክሮ ኮይኑኒ’ዩ” ይብል።

ብኻልእ ወገን፡ ሓፋር ወይ ደንጋጺ ካብ ምዃንካ ብዝብገስ ኣብ ህይወትካ ተመሊሱ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ናይ ስራሕ ዕድል ወይ ፍቕራዊ ዝምድና ከምልጠካ ይኽእል።

በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ሕርቃን ወይ ሰኸፈት ክንሃድሞ ንፍትን ንኸውን፤ እንተኾነ ‘እንተዝገብሮ ነይረኸ?’ ዝብል ስምዒት ፈጺሙ ኣይገደፍናን። ንዝንተኣለም ለጊቡ ክተርፍ ይኽእል።

ስለዚ፡ ዝኾነ ነገር ምስ ሓለፈ ከጋጥመና ዝኽእል ጣዕሳ ንምውጋድ፡ ኣቐዲምና ቅድሚ ውሳነ ምውሳንና “ኣይተሳኽዐን” ዝብል ስትራቴጂ ንጠቐም ይብል ፒንክ።

እዚ ማለት፡ ብዛዕባ እቲ ክትገብሮ ዝሓሰብኻ ነገር ኮነ ኢልካ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ምግማት እዩ።

ካብዚ ብዝብገስ ድሕሪኡ ዝኾነ ስጉምቲ ወሲድኻ እንተዘይሰሚሩልካ፡ ንእምነታትኻን ጥዕናኻን ብዝሕሉ መገዲ እቶም ቕድም ክብል ዝተገልጹ [ናይ መሰረትን ሞራልን ጣዕሳ] ክተወግድ ከም ዝክኣል የረድእ።

ዘለና ጣዕሳኸ ከመይ ኢልና ንጻወሮ?

መጀመርታ፡ እቲ ነገር ክዕጾ ኣለዎ።

ውሽጥና ብኣዝዮም ዘቐንዝው ስምዒታት እንተመሊኡ ክምርዙና ወይ ከጨንቑና ይኽእሉ’ዮም።

ግን ጉሕጉሕ ኣቢልና እንተኣውጺእናዮምን ንሰብ እንተኣካፊልናዮምን ግን መፍትሒ መገዲ ክንረኽበሎም ንኽእል ኢና።

ጣዕሳታትኻ ንሰብ ክተካፍል ድልየት እንተዘይሃልዩካ ድማ ንበይንኻ ኣብ ወረቐት ጽሓፎም።

ስምዒታትኻ ብጽሑፍ ምቕማጥ ሃናጺ ብዝኾነ መገዲ ስምዒታትኻ ክትኣልዮም ከም ዝሕግዝ መጽናዕታት ይሕብሩ።

ኻልኣይ፡ ኣብ ክንዲ ንባዕልኻ መርዛም ነቐፌታ እናቕረብኻ ምጭናቕ ንነብስኻ ለጋስ ምዃን ወይ ምልምማድ።

ዝኾነ ጌጋ ስለ ዝፈጸምካ ወይ ስለ ዘይተዓወትኻ “ኣነ’ኮ ከንቱ’የ” ዝብሉ ዓርሰ ነቐፌታታት ብምግባር ንነብስኻ ክተሳቕያ ግቡእ ኣይኮነን።

ኣብ ክንድኡ እቶም ግጉይ ውሳነ ክትገብር ዝደፋፍኡኻ ምኽንያታት ህድእ ኢልካ ብምሕሳብ ክትኣልዮም ምፍታንን ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ዝሓልፉ ብዙሓት ምህላዎም ክትፈልጥን ይግባእ።

“ሓሓሊፉ እቲ ዘጋጥመና ነገር ንበይንና ዝኾነ፤ ዝተፈለየ’ዩ ዝመስለና። ከምኡ ዝበለ ጣዕሳ ዝስምዖ ሰብ’ውን ኣነ ጥራይ’የ ክንብል ንኽእል። እንተኾነ ዋላ ሓደ ፍሉይ ሰብ የለን” ይብል ፒንክ።

ብሩድ ድማ፡ ምስቲ ናይ ህይወቱ ዝዓበየ ጣዕሳ ሰላም ፈጢሩ ክነብር ይፍትን ኣሎ።

ሳንድራን ንሱን ድሃይ ካብ ዝጠፋፍኡ ንድሓር ልዕሊ 40 ዓመታት እኳ እንተኾነ ሓደ መዓልቲ ክራኸቡ ተስፋ ይገብር ኣሎ።

እቲ ዝሓለፈ ክልውጦ ኣይኽእልን፤ ግን እታ ዝጠዓሰላ ተቐቢሉ ንዝኸሰሮም ግዜያት ክክሕሶም ይኽእል እዩ።