ህንዲ፡ 'ናይ ምርሳዕ መሰል' ንክረክብ ዝቃለስ ዘሎ ስነ ጥበባዊ

ብሓንቲ ጌጋ ንኽንደይ እዋን ክትቕጻዕ ትኽእል?

ህንዳዊ ተዋሳእን ፍሉጥ ኣቕራቢ ሪያሊቲ ሾውን ኣሹቶሽ ኩሺክ'ውን ነዚ ኣመልኪቱ ዘተኣኻኸቦ ፊርማ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዴልሂ ከቕርቦ'ዩ።

ንሱ፡ እቲ ብጌጋ "ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝፈጸሞ ስሕተት" ህይወቱ ቖሪኑዎ ሒዙዎ ብምህላው እቲ ቤት ፍርዲ "ናይ ምርሳዕ መሰል" ክህቦ ይጠልብ።

እቲ "ናይ ምርሳዕ መሰል" ወይ "ናይ ምጥፋእ መሰል" ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ህዝቢ ዝፈልጦም ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝጠፍእሉ መሰል ምርካብ እዩ ክብሉ ሰብ ሞያ የረድኡ።

እዚ ዋላ'ውን ሕብረት ኤውሮጳ ኣፍልጦ ዝሃቦ መሰል እንተኾነ፡ ኣብ ህንዲ ግን ሓድሽ ሓሳብን ብሕጊ ዘይተነደፈን እዩ።

ኩሺክ ኣብ 2007 ሓምሻይ ዙርያ ሽልማት ሪያሊቲ ሾው ኤምቲቪ፣ ኣብ 2008 ድማ 'ቢግ ቦስ' ዝተባህለ ፍሉጥ ሽልማት ህንዲ ምስ ተዓወተ'ዩ ኣብ ህንዲ ኣዝዩ ህቡብ ኮይኑ።

እዞም ሽልማታት "ካብ መላእ ህዝቢ ህንዲ ምስጋና፣ ፍቕርን ናእዳን" ከም ዘውሓዝሉ ይዛረብ።

እዚ ህቡብነት ግን ነዚ ተዋሳኢ ጽቡቕ ፋል ኣየምጽኣሉን።

ድሕሪ ሓደ ዓመት (2009) መስተ ሰትዩ መኪና እናዘወረ ተታሒዙ።

ቤት ፍርዲ 2,500 ሩፒ (33 ዶላር) ክኸፍልን ናይ መኪና መምርሒ ፍቓዱ ንሓደ ዓመት ክእገድን ክውስን እንከሎ፡ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክጸንሕ ተኣዚዙ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር ፍሉጥ ስለ ዝነበረ እዚ ክስተት ርእሰ ዜና ማዕኸናት ዜና ኮይኑ።

ብዛዕባ እዚ ዝምልከቱ ዝኾነ ሰብ ጉግል ገይሩ ክረኽቦም ዝኽእል ብዙሓት ዜናታት፣ ስእሊታትን ቪድዮታትን ተዘርጊሖም።

እዚ ኹሉ ብውልቁን ብሞይኡን ዓብዪ ዋጋ ከም ዘኽፈሎ ይዛረብ።

"ሽዑ ወዲ 27 ዓመት'የ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ብኣጋ'የ ኩሉ ክረክብ ደልየ። ኣቦይ ስለ ዝሞተ ዝኾነ ዝገንሓኒ ሰብ ኣይነበረን። ልምዲ ስለ ዘይነበረኒ ኣጥፊአ፤ ንዕኡ ኽኣ ተቐጺዐ'የ። ሕጂ ግን ወዲ 42 ዓመት'የ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ዋጋ ዝኸፍል ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ክስተት፡ ሰባት ከጓንዩዎ ከም ዝጀመሩ ዝገልጽ ኩሺክ፡ ሕጂ ሰባት ብዛዕብኡ ዘለዎም ኣጠማምታ ሕማቕ ምዃኑን ካብ ስርሑ ከም ዘብኾሮን የረድእ።

"ብተደጋጋሚ ንሓዳር ዝሓተትኹወን ነጺገናኒ'የን። ገዛ ብዝቐየርኩ ቑጽሪ ድማ ጎረባብተይ ብጎቦ ዓይኒ ይርእዩኒ" ይብል።

ኣብ 2020 ግን፡ ኣሪፕታ ዝተባህለት ሰራሕተኛ ባንኪ ተመርዒያቶ።

ወለዳ ግን ብሰንኪ እቶም ኣብ ኢንተርነት ዝርኣዩዎም ቪድዮታት ኩሺክ ከይትምርዓዎ ኣእሚኖምዋ ነይሮም።

"ኣዝማደይ ሕሉፍ ህይወቱ የተሓሳስቦም ነይሩ። ሓወይ እዚ ሓዳር ስለ ዘይተቐበሎ ክሳብ ሕጂ ኣየዛርበንን። ግን ክኣ ኩሉ ሰብ ይጋገ'ዩ፤ ንምንታይ ድኣ በዓል ቤተይ ህይወቱ ሙሉእ ይቕጻዕ?" ትብል።

ኩሺክ ብወገኑ "ቤት ፍርዲ ክቐጽዕ እንከሎ 'ግዜ ገደብ' ኣለዎ። እቲ ዲጂታላዊ መቕጻዕቲ'ውን ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ ኣለዎ" ኢሉ።

ንዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ድረ ገጻት ዜናን ቻነላትን ዝሰቐሉዎም ጽሑፋት፣ ስእልን ቪድዮታትን ከውርዱዎም ወይ ክኣልዩዎም እኳ እንተሓተተ መብዛሕትኦም ሕጂ'ውን ኣይጠፍኡን ዘለው።

ናብ ሚኒስትሪ ሓበሬታን ብሮድካስትን ህንድን ጉግልን'ውን ጽሒፉ፤ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ኩሺክ፡ ኣብ ፊልምታት ቦሊውድ ብምውሳእ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ሕጂ ኣተኣኻኺቡዎ ዘሎ ፌርማ ድማ እቶም ብዛዕብኡ ዝተጽሓፉ ጽሑፋት "ዓሚቕ ቓንዛን ስነ ልቦናዊ ቓንዛን" ከም ዘስዓብሉ ብምጥቃስ ቤት ፍርዲ: መንግስቲ ህንዲ: ጉግልን ቤት ምኽሪ ፕሬስ ህንድን "እቶም ትሕዝቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦልናይን ገጻት ክኣልዩዎም" ትእዛዝ ክህብ ይጠልብ።

ኣብታ ሃገር ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ምርሳዕ መሰል ክረኽቡ ዝሓትት ዘሎ።

ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት'ውን - መብዛሕትኦም ናይ መቕጻዕቲ ግዝኦም ዝወድኡ - ተመሳሳሊ ጠለብ የቕርቡ'ዮም።

ክኢላ ቴክኖሎጂ ፕራሳንቶ ኬ ሮይ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ህንዳውያን ናይ ምርሳዕ መሰል ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ የለን እዩ ዝብል።

"ንጉግል ሓዊስካ ኢንተርነት ዓብዪ ምህዳር'ዩ። ዊኪፒዲያ፣ ሚዲየም ዝብሃሉ ምስ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣሽሓት ብሎጋትን ኣለው" ይብል።

ቅድሚ ገለ ዓመታት "ብዛዕባ ሓንቲ ብተደጋጋሚ ሽማ 'ናታ ምስ ዘይኮነ ሰብኣይ' ዝለዓል ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ንጉግል ኣዘራሪበዮ ነይረ። ግን ሓገዝቲ ኣይነበሩን፤ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ'ውን ሓደ ናይ ጸጥታ ኣካል ሽሙ ክለግስ ደልዩ ወግዓዊ ብዘይኮነ መገዲ ሓቲቱ ኣይሰርሐን፤ ብወግዓዊ መገዲ ግን ተዓዊቱ" ክብል ይገልጽ።

ጉግል፡ ብቐሊሉ ንገለ ሓበሬታታት ክዓጽዎም ዝኽእል እኳ እንተኾነ ምስቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ተኣፋፊ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኩነታት ሰባት ሃጽ ኢሎም ተቓውሞ ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ዓብዪ ስግኣት ከም ዘሎ እቲ በዓል ሞያ ኣረዲኡ።