እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግሪኽ፡ 'ጠንቂ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት' ንግብጻውያን ጥራይ ዝተዋደደ ክሲ እንታይ እዩ?
ኣብ ግሪኽ፡ ብምኽንያት ሓደገኛ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ትሸዓተ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም።
እቶም ተኸሰስቲ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምጥሓል ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባን እንተ ተኸሲሶም ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ይጽበዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ኣስታት 600 ሰባት ሒዛ ከምዝነበረት ዝንገረላ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ግሪኽ ከም ዝጥሓለት ይዝከር።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ ክሲ፡ እቶም ተኸሰስቲ ብመርትዖ ይኽሰሱ ከም ዘለዉ ዘርኢ ኰይኑ፡ እንተዀነ ምስቲ ብውሑዱ ሽዱሽተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ንቢቢሲ ዝሃብዎ ቃል ዝጋጮ እዩ።
ንሳቶም፡ እቶም ሓለዋ ባሕሪ ነታ ጃልባ ክትግልበጥ ከም ዝገበሩን ድሕሪኡ ነቶም ሕጂ ዝኽሰሱ ዘለው ግብጻውያን በቲ ክሲ ክጻወዱ ጸቕጢ ከም ዝገበሩሎምን ይሕብሩ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዙርያ ቅንዕና ናይቲ ግሪኽ እተካይዶ ዘላ መርመራን መርትዖን ጽኑዕ ዕቃበ ከም ዘለዎምን ተኸሰስቲ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረኽቡ ድዮም ዝብል ሕቶ ከም ዘለዎምን ገሊጾም።
ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ዝስዓበ’ዩ ዝብል ክሲ ብቐጻሊ ክነጽጉዎ እንከለው፡ ሰበስልጣን ድማ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ነጺጐምዎ ኣለዉ።
እቶም ትሽዓተ ተኸሰስቲ ግብጻውያን ኰይኖም ካብ 20 ክሳብ 41 ዓመት ዝዕድመኦም መናእሰይ’ዮም።
ሎሚ ሰሉስ ድማ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ከተማ ቃላማታ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኵሎም ኣብታ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ዝጠሓለት “ኣድሪያና” እትበሃል ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ሓደ ካብቲ ዝዓሞቐ ክፋላት ማእከላይ ባሕሪ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ክበጽሕሉ ተባሂሉ ምልክት ዝተገብረሉ ከባቢ ግሪኽ ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 82 ኣስክሬናት ክርከብ እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን ተወሳኺ 100 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም 500 ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይኣምን።
እታ ጃልባ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ሰሙን ካብ ወደብ ቶብሩክ ሊብያ ክትብገስ እንከላ ኣስታት 750 ስደተኛታት ጽዒና ከም ዝነበረት ይግመት።
ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ነታ ጃልባ ቅድሚ ምጥሓላ ብውሑድ ንሸውዓተ ሰዓታት ክከታተሉዋ ከም ዝጸንሑ፡ ድሒሩ ግን እታ መርከብ ብሰላም ናብ ኢጣልያን ትጉዓዝ ከም ዝነበረትን ተሳፈርቲ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘይነበሩን ነታ ጃልባ ንምድሓን ከም ዘይፈተኑ እዩ ዝግለጽ።
ቅድሚ ሕጂ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣብ ዙርያ እቶም ዝቐርቡ ዘለው ርእይቶታት ከቢድ ጥርጣረታት ክለዓል ደሪኹ’ዩ።
ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ነዞም ሕቶታት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ ኪርያኮስ ሚትሶታኪስ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ መንግስቲ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ብምግላጽ እቲ ገበን ግን ናይቶም ኣስገርቲ ከም ዝዀነ’ዩ ተዛሪቡ።
“ሓለዋ ገማግም ባሕርና ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣድሒኑ'ዩ፤ ብዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ከነመስግኖም ይግባእ” ኢሉ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ ክሲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግሪኽ ነቶም ትሽዓተ ግብጻውያን ኣብ ልዕሊ ህይወት ርኡይ ሓደጋ ዘስዕብ ልዕሊ ዓቕማ ዝጸዓነት ጀልባ ብምዝዋር ነቲ ሓደጋ ምኽንያት ከምዝዀኑ ይኸሱ።
እቲ ክሲ፡ “እታ መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣረጊትን ሕማቕ ጽገና ዝተገብረላን ብምንባራ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንምስግጋር እትበቅዕ ኣይነበረትን፤ ብፍላይ ድማ ጃኬት መድሕን ህይወት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ገዚፍ ርሕቀት ጕዕዞ ባሕሪ እትበቅዕ ኣይነበረትን” ይብል።
ነፍሲ ወከፍ ተኸሰስቲ በብተራ ነታ መርከብ ከም ዝመርሑን፡ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ከቢድ ጽቕጥቕጥ ንሚዛን እታ መርከብ ብሕማቕ ይጸልዎ ከም ዝነበረ ይፈልጡ እዮም ይብል።
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ነታ መርከብ ንምሕጋዝ እኹል ስራሕ ብዘይምስርሖም ከቢድ ነቐፌታ ቐሪቡሎም’ዩ።
ንሳቶም ግን፡ እታ ጃልባ ስደተኛታት ውሕስቲ ኰይና ናብ ጣልያን ገጻ ትጓዓዝ ስለ ዝነበረት ምድሓን ከም ዘየድልያ እዮም ዝምጕቱ።
ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ግን፡ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ግሪኽ ምስቲ ወግዓዊ ጸብጻብ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ብቐጥታ ዝጋጮ ስነ-መጐት ዝተሞርኰሰ ኰይኑ ኣሎ።
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ብ15 ሰነ 2023፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ግሪኽ፡ ጃልባ ድሕሪ ምግልባጣ ብውሕዱ 79 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 100 ድማ ከም ዝደሓኑን ተገሊጹ ነይሩ።
ሰብ መዚ ግሪኽን ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰትን (ኣይ.ኦ.ኤም) ግን ኣብታ ጃልባ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ተሰቒሎም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።
ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእየ ሓደጋታት እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።
እታ ዝግባእ ሓገዝ ዘይረኸበት ጃልባ ካብ ፐይሎስ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ከም ዝጠሓለት ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ ሓቢሩ።
እቶም ኣባላት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ፡ እታ ጀልባ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ምንባራ፡ ነፋሪት ትካል ዶብ ኣውሮጳ ፍሮንቴክስ ከምዝረኣየታን፡ ኣብታ መርከብ ዋላ ሓደ ሰብ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ተኸዲኑ ከም ዘይነበረን ገሊጾም።
እታ ጃልባ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ ትኸይድ ከም ዝነበረትን መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ከኣ ኣብ 20ታት ዕድመኦም ዝነበሩ ምዃኖም ይእመን።
እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ካብ 500 ክሳዕ 700 ዝዀኑ ሰባት ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ግሪኽ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰጋገሩላ ቀንዲ መስመር እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቶም ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓይሊ ከም ዝሰጐጎም ዝገልጽ ቪድዮ ምስ ተዘርገሐ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከቢድ ነቐፌታ ወሪድዎ እዩ ።
ግዳይ ክሲ ምጥሓል እታ ጃልባ ኰይኖም ዝብሃሉ ግብጻውያን
እቲ ክሲ፡ እቶም ትሽዓተ ግብጻውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣካል ናይቲ ኣብታ ጃልባ ንዝነበሩ ነፍሲ ወከፍ ተሳፈርቲ ካብ 4000 ክሳብ 8000 ዶላር ዝሓተተ ጕጅለ ኣሰጋገርቲ’ዮም ይብል።
እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብ ዝነበራ መዓልቲታት እቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ምስቶም ትሽዓተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ዝተመርኰሰ’ዩ።
ካብቶም ካልኦት 95 ብህይወት ዝድሓኑ ስደተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጭብጢ የለን።
ይዅን’ምበር፡ ገለ ካብቶም 104 ዝደሓኑ ሰባት ነቶም ትሽዓተ ግብጻውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣሰጋገርቲ እዮም ንኽብሉ ጸቕጢ ከም ዝተገብረሎም ዝገልጽ ክሲ ናብ ቢቢሲ ቀሪቡ ነይሩ።
ድሕነቶም ንምሕላው ኣሕመድን ሙሳብን ኢልና እንጽውዖም ክልተ ሶርያውያን፡ ብዛዕባ ካልእ ምኽንያታት እቲ ሓደጋ ንኸይዛረቡን ኣብ ክንድኡ ነዞም ትሽዓተ ሰባት ተሓተትቲ ክገብሩን በቲ ሓለዋ ባሕሪ መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ገሊጾም።
“ገበኖም ንምሽፋን ብሰበስልጣን ግሪኽ ተኣሲሮምን ብጌጋ ተኸሲሶምን” ይብል ሙሳብ።
ቢቢሲ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዘካየዶ ካልእ ቃለ መጠይቕ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ እቶም ግብጻውያን ንከማኦም ዝበሉ ተጓዓዝቲ ይኸፍሉ እንተነበሩ'ኳ፡ ኰነ ተባሂሉ በዚ ንክኽሰሱ ከም ዝተገብሩን ገሊጾም።
ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ግን ብሓቂ ብገለ ካብቶም ተኸሰስቲ በደል ይበጽሖም ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።
ኣብ ክሲ ዘይሰፈረ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ዝቐረበ ክሲ
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ብዙሓት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ሓንቲ ናይ ግሪኽ ፓትሮል መርከብ ነታ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ክትስሕባ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ጐዳጉዲ ክትግልበጥ ከም ዝገበረታ ይገልጹ።
እዚ ክሲ እዚ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ክሲ ቤት ፍርዲ ኣይተጠቕሰን፤ ሕቡራት ሃገራት’ውን እዚ ብዘይሻራዊ መርመራ ክጻረ ኣለዎ ይብል።
ኣብ ግሪኽ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሓይሊ ባሕሪ፡ ብወገን ሓለዋ ባሕሪ ክፍጸም ዝኽእል ጌጋ ይምርምር ኣሎ፤ እንተዀነ ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ክሲታት ብቐጻሊ ይነጽጐም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቢቢሲ ዘዘራቦም ኣሕማድን ሙሳብን፡ እታ ናይ ፓትሮል መርከብ ጠንቂ ናይቲ ምጥሓል ከም ዝዀነት ድሕሪ ምዝራቦም ብሰበስልጣን ግሪኽ ኣፎም ክሕዙ ከም ዝተገብሩን ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖም ሓቢሮም።
“ብጸጋም ብገመድ ኣሲሮምዋ፤ ሚዛን እታ ጃልባ ንምሕላው ክኣ ኵሉ ሰብ ናብ የማን ገጹ ከይዱ። እታ መርከብ ግሪኽ ቀልጢፋ ብምንቅስቓሳ ግን እታ ጃልባ ክትግልበጥ ምኽንያት ኰይኑ። ስቕ ኢሎም ክኣ ንነዊሕ ርሕቐት ክጐቱዋ ቀጺሎም” ኢሉ።
ብድምር ሽዱሽተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ከመይ ገይሮም ጃልባኦም ከም እትግልበጥ ከም ዝገበሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መጠይቕ ገሊጾም።
መርመራ ዘይተገብረሉ መርትዖ ተሌፎን
ኣይኰነን’ዶ እታ ጃልባ ክትጥሕል እንከላ ዘርኢ ህሞት፡ ኣብታ ‘ኣድሪያና’ ዝተባህለት ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ዘርኢ ቪድዮ የለን።
እቶም ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ልዑል ደረጃታት ዘለወን ካሜራታት ኣብቲ ዕለት ንዝነበረ ኵነታት ከም ዘይቀድሓ ገሊጾም።
ገለ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ሓሓሊፉ ኣብታ ጃልባ እንከለው ክስእሉ ከም ዝጸንሑን፡ ካብቲ ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኖም ግን ነዊሕ እንከይጸንሑ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሞባይሎም ከም ዝመንዝዑዎምን ተዛሪቦም።
ኣብ ቦርሳ ዝተረኽባ ተሌፎናት ግን ዳርጋ ድሕሪ ወርሒ ከም ዝጠፍኣ ይግለጽ።
ጠበቓታት እተን ምስቶም ሰባት ዝተረኽባ ተሌፎናት ከም መርትዖ ንክቐርባ ክምርመራ ከም ዘለወን እዮም ዝምጕቱ።
ቢቢሲ ዝርኣዮ ውሳነ ቤት ፍርዲ ግን፡ እተን ኣብ ኢድ እቶም ሰባት ዝጸንሓ ተሌፎናት ክጽገን ዘይክእል ዕንወት ስለ ዘጋጠመን ከም መርትዖ ዝርኣያሉ ባይታ ከም ዘየሎ ይጠቅስ።
“ነተን ተሌፎናት ጨዋማ ማይ ስለ ዝኣተወን ናብ ክጸገናሉ ዘይክእላ ደረጃ እየን በጺሐን። እቲ ሒዘናኦ ዘለዋ ሰነዳት ንምርካብ ዝግበር ፈተነ’ውን ውጽኢት ኣልቦ’ዩ” ይብል።
ኣብዚ እዋን እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ፍሉይ መርመራ ቤት ፍርዲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ዝጀመሮ ምጽራይ ይቕጽል'ዩ ዘሎ።
ጕጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ግብጻውያን ተኸሰስቲ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ገበናዊ ፍርዲ ምሕላፉ ክምርመር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግሪኽ ክሪስቶስ ዲሞፑሎስ፡ “እቲ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምናልባት ገበን ተኸሰስቲ ኣብ ምግምጋም ምሉእ ሓበሬታ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። እቲ ፍርዲ ኣብ ዘይምሉእን/ወይ ሕቶ ኣብ መርትዖታት ዝተመርኰሰ ክኸውን ዝኽእለሉ ስግኣት ኣሎ” ኢሉ።
ኣሰጋገርቲ ብሕጊ ክሕተቱን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ክዓግትን ዝተመባጽዐ መንግስቲ ግሪኽ፡ ኣብዚ ሓደጋ ፍርዲ ክወሃብ እዩ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓጋዚት ዳይሬክተር ኣውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ጁዲት ሳንደርላንድ፡ “ንሓደ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ዝኸፍአ ሓደጋ መራኽብ ዝምልከት ተኣማንን ትርም ዘለዎን ተሓታትነት፡ ሰበስልጣን ግሪኽ ዘጠቓለለ ዝዀነ ተሓታትነት ክኸውን ኣለዎ” ኢላ።