ኣብ ገማግም ግሪኽ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ስደተኛታት

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሌስቦስ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሕዱ 16 ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት 15 ሰባት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ።

እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ 40 ሰባት ሒዛ ኣብ ውሸዕጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ደሴት ኪቲራ ሓንቲ ጃልባ ምስ ኣኻውሕ ድሕሪ ምግጫዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ።

ናይ ሓለዋ ባሕሪ ቪድዮ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገደል ኣትዮም ዝነበሩ ጉጅለ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክስሕብዎም የርኢ።

ክልቲአን ጀላቡ ረቡዕ ምሸትን ሓሙስ ንግሆን ኣማኢት ኪሎሜተራት ተፈላልየን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ጥሒለን።

ወለንተኛታት፡ ምስ ሰበስልጣን ምድሓን ህይወት ኣብቲ ኣብ ኪቲራ ዝተገበረ ጻዕሪ ተጸንቢሮም እዮም።

እታ ስደተኛታት ዝጻዓነት ጃልባ፡ ኣብ ሰዓት ክሳብ 70 ኪ.ሜ ብዝነጉድ ንፋስ ከምዝተበታተነትን፡ ብመሰረት ጸብጻባት ግሪኽ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት መጠንቀቕታ ከምዝሃበን ተገሊጹ።

ነባሪት እቲ ከባቢ ዝኾነት ማርታ ስታታኪ ንማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እታ ጃልባ ኣብቲ ኣኻውሕ ክትጋጨን ሰባት ናብቶም ኣኻውሕ ደይቦም ንነብሶም ከድሕኑን ክፍትኑን ርኢና" ኢላ።

ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 95 ሰባት እቶም 80 ከምዝደሓኑን ካብ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝመጹ ምዃኖምን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብታ ኣብ ሌስቦስ ኣብ ጥቓ ተርሚ ዝጠሓለት ጀልባ ሬሳ 16 ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተረኸበ ሰብመዚ ገሊጾም።

ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ድሒነን ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ሚቲሊኒ ተወሲደን ኣለዋ።

"ሎሚ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ፡ ሰባት ብሰንኪ ዘይረብሓ ጀላቡ ይጥሕሉ ኣለዉ። ሕብረት ኣውሮጳ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።"

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ እታ ጃልባ ካብ ወደብ ኣይቫሊ ቱርኪ ከምዝተበገሰት ይገልጹ።

ሚኒስተር ስደት ግሪኽ ኖቲስ ሚታራቺ፡ ቱርኪ ኣብዚ እዋን ጽንኩር ኩነታት ኣየር፡ ዘይስሩዕ ምስጋር ስደተኛታት ደው ንክብል "ቅልጡፍ ስጉምቲ" ክትወስድ ጸዊዑ።

ሌስቦስ ካብ ገማግም ባሕሪ ምዕራብ ቱርኪ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ክትረክብ እንከላ፡ ኪቲራ ግን ኣስታት 400 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቐንዱ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ዳርጋ 100 ሰባት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ስደተኛታት ኣብ ኪቲራ ዓሪፈን ነይረን።

ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ቱርኪ ብግሪኽ ኣቢሎም ናብ ገማግም ባሕሪ ጣልያን ከምዝሰግሩ ይዝረብ።