እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምጥራዝ ስደተኛታት ብሪጣንያ-ሩዋንዳ፡ ሓደ ሰብ መዓስ’ዩ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ዝበሃል?
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ካብ ቤት ፍርዲ ክሳብ ባይቶ ንኣዋርሕ ከካትዕ ዝጸንሐ ውጥን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ባይቶ እታ ሃገር ከም ዝተቐበሎ ይፍለጥ።
እዚ፡ እቲ ገለ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስዳድ ዝብል ውጥን ሕጊ ኰይኑ ንኽጸድቕ መገዲ ዝጸርግ’ዩ።
ሱናክ፡ ኣብቲ እዋን “እንተዀይኑ፡ ወይ ግን... ዝበሃል ነገር የለን፤ እዞም በረራታት ግድን ናብ ሩዋንዳ ከቕንዑ’ዮም” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
መንግስቲ፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ዝተበጽሐ ውጥን ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ናብታ ሃገር ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው “ዘይሕጋዊ ስደተኛታት” ንምግታእ እዩ ይብል።
ንግዳያት ስቅያትን ጭውያን ስደተኛታት ዝጣበቝ ማሕበራት ከምኡ’ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቝባ ናብ ሩዋንዳ ዝልእኽ ኣካታዒ እማመ ምጽዳቑ ከም ዘሻቐሎም ይገልጹ።
ንምዃኑ፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ዝሰደሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ? እዚ ብመንጽር ኣህጉራዊ ስምምዓት ስደተኛታት ብኸመይ ይርአ?
መትረብ እንግሊዝ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ኣዝዮም ዝተጨናነቝ መስመራት ጽዕነት ሓደ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 29 ሽሕን 437 ዜጋታት ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብንኣሽቱ ጀላቡ ኣቢሎም በዚ መትረብ ናብ እንግሊዝ ሰጊሮም።
መብዛሕትኦም ክኣ፡ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ክረኽቡ ተስፋ ዝገብሩ ዝነበሩ’ዮም።
መንግስቲ፡ ‘እተን ጀላቡ ደው ክብላ ኣለወን’ ዝብል ጸቕጢ ምስ ኣብዝሐ ግን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሪሺ ሱናክ እቶም ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ደው ምባል ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቀዳምነት ዝህቦም ተልእኾታት መንግስቱ ከም ዝዀነ ወግዓዊ ገይሩ።
እዚ፡ ገለ ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ምጥራዝ ዝሓውስ ኰይኑ፡ ካብዚ ሕቶ ዕቕባ ዝሰለጦም፡ ዕቑባ ተዋሂቡዎም ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሑ ክፍቀደሎም’ዩ።
እቶም ዘይቐንዖም ሓተትቲ ድማ፡ ኣብ ካልእ “ሳልሰይቲ ውሕስቲ ሃገር” ዕቑባ ክሓቱ ኣማራጺ ክወሃቦም’ዩ።
ኣብ ሩዋንዳ ዕቝባ ዘይሓትት ክኣ፡ ናብ ብሪጣንያ ክምለስ ከመልክት ይኽእል።
‘ውጥን ሩዋንዳ’ እንታይ’ዩ?
ኣብ ሚያዝያ 2022፡ ብሪጣንያን ሩዋንዳን፡ ኣብ ብሪጣንያ ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት ናብ ሩዋንዳ ንምጥራዝ ‘ስደትን ቍጠባዊ ምትሕብባርን’ ወይ ‘ውጥን ሩዋንዳ’ ዝተባህለ ስምምዕ ፈሪመን።
እዚ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ፍቓድ ብሪጣንያ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣተው እንተዀይኖም፡ ኣስታት 6400 ኪሎ ሜትር ኣርሒቑ ክሰዶም’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ሓደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ምስ ተሰደደ፡ ሕቶኡ ብመሰረት ሕጊ ሩዋንዳ ዝርአ ይኸውን።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ግን፡ ብ15 ሕዳር 2023፡ ሓተትቲ ዕቝባ ምጥራዝ ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰላት ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ መሰላትን ዝጥሕስ ብምዃኑ ውጥን ሩዋንዳ ዘይሕጋዊ’ዩ ክብል ነጺጉዎ ነይሩ።
ብተወሳኺ እታ ሃገር ውሕስቲ ኣይኰነትን ኢሉ።
ነዚ ስዒቡ፡ መንግስቲ ነዚ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእሎ ‘ሕጊ ዘይሕጋዊ ስደት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ምምሕያሻት ዕቝባ ብምትእትታው፡ ዝዀነ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ኣብኡ ክጸንሕ ከም ዘይክእል ደንጊጉ።
በዚ መሰረት፡ ክእሰሩ ወይ’ውን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ እንተዘይኰይኑ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ውሕስቲ ሃገር ክኸዱ ከም ዝግበር ገሊጹ።
መንቀሊ እዚ ውጥን እንታይ’ዩ?
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ዝጥቀመሉ እማመ ሩዋንዳ፡ መጀመርታ ኣብ ሚያዚያ 2022 ብቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ቦሪስ ጆንሰን’ዩ ተኣዊጁ።
እዚ፡ ኣዝዩ ኣካታዒ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ምድንጓይ ገጢሙዎ።
ኣብ ሕዳር እቲ ዝሓለፈ ዓመት ክኣ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዕቝባ ውሕስቲ ኣይኰነትን ብምባል ነዚ እማመ ነጺጉዎ።
እዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱናክ ኣብ ታሕሳስ 2023 ነቲ “ድሕነት ሩዋንዳ” ዝበሎ ውጥን ከተኣታቱ ደሪኹዎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘልዓሎም ሕቶታት መሰረት ብምግባር፡ ሱናክ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ናብ ካልእ ሃገር ንከይስደዱ ንምክልኻል ምስ ሩዋንዳ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ።
ኣብ መወዳእታ 2023፡ ብሪጣንያ ንሩዋንዳ 304 ሚልዮን ዶላር ኣካል ናይቲ ሓሙሽተ ዓመት ስምምዕ ከፊላታ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዚ ዓመት ድማ፡ ውጥን ምጥራዝ ሓተትቲ ዕቝባ መንግስቲ ብባይቶ ጸዲቑ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝዀነ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣቱ ሓታቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክስደድ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ፈላማይ በረራ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ናይ መጀመርታ ብሰነ 2022 ዝተበገሰ በረራ፡ ዳያኑ ኣውሮጳ ዘይሕጋውን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን’ዩ ደው ከም ዘበሉዎ ይዝከር።
ተሓለቕቲ መሰላት፡ እዚ ውጥን ኢ-ሰብኣውን ዘይሕጋውን’ዩ ብምባል ይነቕፉዎ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ወይ ሓደገኛ ጕዕዞ ንኣሽቱ ጀላቡ ደው ከም ዘብሎ መረጋገጺ የለን ይብሉ።
ሩዋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝያ ዝተረጋገአት ሃገር’ኳ እንተተባህለት፡ ብዙሓት ግን ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ብፍርሕን ጭቈናን’ዩ ዝገዝኣ ዘሎ ዝብል ነቐፌታ የልዕሉ።
ስደት ኣብታ ሃገር ስለ ምንታይ ኣካታዒ ዛዕባ ኰይኑ?
ዶባት ብሪጣንያ ምቍጽጻርን ናብታ ሃገር ዝግበር ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ደው ምባልን ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ 2016 ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንኽትወጽእ ዝተኻየደ ምርጫ (ብሬክዚት) ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ዝተኻየዱ ድምጺታት፡ እዚ ጉዳይ ንመረጽቲ ኣዝዮም ኣገደስቲ ካብ ዝብሃሉ ዛዕባታት ሓደ ምዃኑ የርእዩ።
ብሪጣንያ፡ ኣብ ዓመት ሕቶታት ዕቝባ ንምስላጥ ሰለስተ ቢልዮን ፓውንድ ከም እተውጽእ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ኣብ ሆቴላት ኰይኖም ውሳነ ናይ ዝጽበዩን ወጻኢታቶምን ዘጠቓልል ኰይኑ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ ትገብር።
ኣሃዛት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 80 ሽሕ ሕቶታት ዕቝባ ብሪጣንያ ውሳነ ይጽበዩ ኣለው።
ኣብ 2022 ዝወጽኡ ጸብጻባት ስደት ብሪጣንያ፡ ዝተጻረየ ኣብ ዓመት 745 ሽሕ ከም ዝዀነ የመልክቱ። ሱናክ ድማ ሕጋዊ ስደት ናብ 300 ሽሕ ከጉድሎ ሓያሎ ስጕምቲታት ከም ዘነጸረ ይገልጽ።
ካብኣቶም እቲ ሓደ፡ ነቶም ኣስታት 32 ኪሎ ሜትሮ ብንኣሽቱ ጀላቡ ሓደገኛ ጕዕዞ ዝገብሩ ዘለው ሰባት ደው ከብሎም’የ ዝብል መብጽዓ ኣትዩ ይርከብ።
በዚ መገዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 29 ሽሕ ሰባት ናብታ ሃገር ኣትዮም፤ እዚ ኣብ 2022 45 ሽሕን 775 እዩ ነይሩ።
‘ዘይሕጋዊ’ ስደተኛ ዝበሃል መን’ዩ?
ዘይሕጋዊ ስደተኛ ወይ ዘይሕጋዊ ስደት ማለት፡ ናብ ሓንቲ ሃገር ሕጋዊ ብዘይኰነ ኣገባብ ወይ መንገዲ ዝኣተወ፣ ንሕጋጋት ስደት እታ ሃገር ብምጥሓስ ዝኣተወ ወይ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ሕጋዊ መሰል ዘይብሉ ዝብል ይውክል።
ሓደ ሰብ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ብፍቓድ ይዅን ብኣስገዳድ፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ ምኽንያት ወይ ዝጸንሓሉ ግዜ ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ካብ መበቈል ሃገሩ ወጻኢ ኣብ ዓለምለኻዊ ዶባት ዝንቀሳቐስ ሰብ ስደተኛ ከም ዝበሃል ድማ ዓለምለኸ ትካል ስደት ሕቡራት ሃገራት (ኣይኦኤም) ከም ዝብሎ፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ትካል ኦብዘርቫተሪ ማይግሬሽን፡ ኣብ ሕጊ ብሪጣንያ፡ ን“ዘይሕጋዊ ስደተኛ” ዝተቐመጠ ትርጕም እኳ እንተዘይሃለወ፡ ብልሙድ ኣርባዕተ መሰረታዊ ኣገባባት ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ሰብ ‘ዘይስሩዕ’ ወይ ‘ዘይሕጋዊ’ ስደተኛ ከም ዝበሃል የቐምጥ።
እቶም ዘይሕጋዊ ስደተኛ ከብሉኻ ዝኽእሉ ድማ፡
- ብስሩዕ ናብ ብሪጣንያ ኣቲኻ (ንኣብነት ብቪዛ) ካብቲ ዝተፈቕደልካ ግዜ ንላዕሊ ብምጽናሕ፣ ዘይተፈቕደልካ ስራሕ ብምስራሕ ወይ ብገበን ምኽሳስ
- ብዘይስሩዕ ወይ ኣታሊልካ ናብ ብሪጣንያ ብምእታው፤ እዚ ስኑዓት ሰነዳት ብምሓዝ ወይ ብዛዕባ ዝኣተኻሉ ዕላማ ብምሕሳው
- ሕቶ ዕቝባ ምስ ተነጸግካን ካልኦት ኣብኡ ንምጽናሕ ዘኽእሉ መሰላት ንምርካብ ዝሕግዙ ኣገባባት ጸንቂቕኻ ድሕሪ ምጥቃምካን ካብታ ሃገር ብዘይምውጻእ
- ካብ ዘይስሩዓት ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ምውላድ -- ብሪጣንያ ናይ ምውላድ ዜግነት ስለ ዘይብላ (ገለ ቈልዑ ግን ብቐጥታ ዜግነት ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም) ከም ዝዀኑ ይጠቅስ።
ዓለምለኻዊ ስምምዓት እንታይ ይብሉ?
እንተዀነ፡ እቲ ብርክት ዝበሉ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ዝወጽአ ውጥን ብሪጣንያ፡ ዓለምለኻዊ ሕግን ሰብኣዊ ክብርን ዝጥሕስ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ’ዩ።
ኣሃዛት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ መብዛሕትኦም ብመትረብ እንግሊዝ ዝኣትው ዘለው ሰባት ስደተኛታት ከም ዝበሃሉ የመልክት።
‘ኮንቬንሽን ስደተኛ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ 1951፡ ዕቝባ ምሕታት መሰል ከም ዝዀነ ይጠቅስ።
ብመሰረት ዓንቀጽ 33 እቲ ስምምዕ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ድማ፡ ህይወቶም ወይ ናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ናብ ዘእቱ ግዝኣታት ክምለሱ ከም ዘይብሎም ይድንግግ።
እቲ ሰነድ፡ ስደተኛታት ርእሶም ክኢሎም ህይወቶም ንኽመርሑ ዘኽእሎም ከም ገዛ፣ ስራሕን ትምህርትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ኣለዎም ይብል።
ከምኡ’ውን እዞም ስደተኛታት፡ ብዘይስሩዕ መገዲ ብምእታዎም ክቕጽዑ ከም ዘይብሎምን ይጠቅስ።
ስደተኛታት ድማ፡ ንሕጋጋትን ኣገባባትን እታ ዕቝባ ዝሃበቶም ሃገር ክግዝኡን ስርዓት ከኽብሩን ከም ዝግደዱ የቐምጥ።
ስለዚ፡ ፈራሚት እዚ ኮንቬንሽን ዝዀነት ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ብዘይስሩዕ መገዲ ብምእታዎም ክትቀጽዖም የብላን ዝብል ምጕትት ይቐርበላ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ ብሪጣንያን ሩዋንዳን፡ ድሕነት ስደተኛታት ዘጠናኽር ካልእ ስምምዕ ገይረን፤ ነዚ ድማ ስደተኛታት ክምጉቱዎ ከጸግሞም ከም ዝኽእል ይግመት።