እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጳጳስ ፍራንሲስ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ንምፍላም ናብ ርእሰከተማ ኪንሻሳ ኣትዮም
መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳስ ፍራንሲስ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ብደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊሞም።
ኣብ ርእሰከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብባህላዊ ምርኢት ዝተሰነየ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዓረቢያ ኮፍ ኢሎም ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎ ካብቲ ቦታ ዝወጹ ስእልታት የርእዩ።
ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ሮማዊ እምነት ካቶሊክ ዘለዋ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ነቲ ጽባሕ ረቡዕ ኣብታ ከተማ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዓቢ ሃይማኖታዊ ስነስርዓት ቅዳሰ ክመርሕዎ ትጽቢት ይግበረሎም።
ድሕሪ ዳርጋ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን'ዩ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
ፖለቲካውያን መራሕቲ ናይተን ምርግጋእ ዝተሓረመን ክልተ ሃገራት፡ ግጭት ደው ኣቢሎም ሰላም ንከስፍኑ ክምሕጸኑዎም ትጽቢት ይግበረሎም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ መራሒ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ካንተርበሪን ጃስቲን ዌልቢ፡ ከምኡ'ውን መራሒ ቤተክርስትያን ስኮትላንድ ረቨረንድ ኢያን ግሪንፊልድስን ክጽንበርዎም እዮም።
ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ዝካየድ ስነስርዓት ብሓባር ንሳልምን ምርግጋእን እታ ሃገር ክጽልዩ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ብኣጋጣሚ ምብጻሕ ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዓርቢ ሃገራዊ መዓልቲ ክኸውን ኣዊጁ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ጸጥታ ጳጳስ ፍራንሲስ ንምውሓስ፡ ዓርቢ ኩሉ ካልእ በረራታት ደው ክብል ሰብመዚ ኣዚዞም ኣለዉ። መንገዲ ኣየራት ዝመደብዎ በረራታት ክስርዙ ወይ ከናውሑ ተሓቢሮም ኣለዉ።
ወዲ 86 ዓመት ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ 2013 መራሒ ናይታ ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዃኖም ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዶም እንተነበሩ፡ ንፈለዋ እዋን'ዮም ናብ ክልእቲአን ሃገራት ዝበጽሑ ዘለዉ።