እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ንጐበጣ ሩስያ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ባይደን ተዛሪቡ
ኣሜሪካ፡ ሩስያ ግዝኣት ዩክረይን ንምጉባጥ እትገብሮ ንዘላ ፈተነ “ፍጹም፡ ፍጹም፡ ፍጹም” ኣፍልጦ ኣይትህብን ክብል ባይደን ተዛሪቡ።
ሎሚ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እተን ናብ ሩስያ ዝጽንበራ ዘለዋ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን መግለጺ ክህብ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ሩስያ፡ እተን ግዝኣታት ዩክረይን ዝዀና ሉሃንስክ፡ ዶነትሰክ፡ ዛፖሪዝዚያን ሄርሶንን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ናብ ሩስያ ክሕወሳ ከም ዝመረጻ ትገልጽ።
ዩክረይን ኰነ ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ መረጻ ኣይቅበላኦን።
ብምኽንያት እዚ ጐበጣ ድማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ እገዳታት ክትገብር እያ።
“ኣብዚ ግልጺ ክኸውን እደሊ’የ፤ ኣሜሪካ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ዩክረይን እተቕርቦ ዘላ ጠለብ ፈጺማ፡ ፈጺማ፡ ፈጺማ ኣፍልጦ ኣይትህቦን” ክብል ባይደን ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ፑቲን ብሓሙስ፡ ዛፖሪዚዝያን ሄርሶንን ርእሰን ዝኽኣላ ግዝኣታት ምዃነን ዝገልጹ ክልተ ኣዋጃት ፈሪሙ። እዚ ድማ ሩስያ ነተን ዞባታት ንክትጐብጠን መገዲ ዝኸፍት’ዩ ይበሃል።
እቶም ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተፈነው ሰነዳት፡ ናጽነት እተን ክልተ ዞባታት ንዓለምለኻዊ ሕግን “ድንጋገ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን” መሰረት ገይሩ ኣፍልጦ ዝረኸበ’ዩ ይብሉ።
ይዅን’ምበር፡ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ እቲ ጐበጣ ቻርተር እቲ ውድብን ዓለምለኻዊ ሕግን ብምድፋእ ብሓይሊ ዝተፈጸመ’ዩ ኢሉ።
እዚ ድማ፡ “ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ቦታ ዘይብሉ፡ ሓደገኛ ምዕራግ” እቲ ኵነታት ምዃኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ምስ ፑቲን ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ውን ብዛዕባ እቲ መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።
ፑቲን፡ ወጥሪ ክቕንስን ምስ ዩክረይን ንዝግበር ዝርርብ ሰላም ካልኣይ ዕድል ንኽህብ ከም ዝሓበሮ ወሃቢ ቃል አቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።
ቱርኪ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዝነበረ ዝርርባት ክተማእክል ጸኒሓ እያ። በዚ ድማ፡ ቅድም ኢሉ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ሰደድ ስርናይ ክግበር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ይዝከር።
ሩስያ፡ ብ2014’ውን ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይፍለጥ። መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኣፍልጦ ኣይሃቦን።
እንተዀነ፡ ሃገራት ምዕራብ ዝበላ እንተበላ፡ ክልተኡ ባይቶ ሩስያ፡ እታ ሃገር ነቲ ሕጂ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከጽድቘ’ዩ።
ፑቲን፡ እተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዘለዋ ዞባታት ዩክረይን ብምጉባጥ፡ ግዝኣት ሩስያ ብሰንኪ ኣጽዋር ምዕራብ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ እዩ ብምባል፡ ኣመሓደርቲ እተን ዞባታት ካብ ኪቭ ዝመጽእ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከብልዎ ትጽቢት ይገብር።
ኪቭ ግን፡ እዚ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ኵነታት ኣይቕይሮን ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብተን ሕጂ ኣብ ኢድ ሩስያ ዝርከባ ኣርባዕተ ዞባታት ኣዝዩ ኣካታዒ ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ።
ሩስያ፡ እቲ መረጻ ፍትሓዊ ከም ዝነበረን ናብ ሩስያ ንምጽንባር ከም ዝመረጻን ትገልጽ። ይዅን’ምበር፡ ነዚ ዝዕዘብ ዘይሻራዊ ኣካል ኣይነበረን።