ኣብ ከክልተ መዓልቲ፡ ሓደ ተጣባቒ ከባቢ ይቕተል - ጸብጻብ

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልቲ ሓደ ተጣባቒ ከባቢ ከም ዝቕተል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ግሎባል ዊትነስ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ከም ዝገለጾ፡ ልዕሊ 1,700 ሰባት ምስ ዕደና፡ ምውጻእ ነዳዲ፡ ወይ ድማ ውራ መሬት ንምክልኻል ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተቐቲሎም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብራዚልን ኮሎምብያን ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ዘመዝገባ እየን።

ተመራመርቲ ግን፡ እቲ ቝጽሪ፡ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ከባቢ ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ መጥቃዕቲ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን ይብሉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ቅትለት ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ዶም ፊሊፕን ናይቲ ከባቢ ክኢላ ብሩኖ ፐረራን ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ነይሩ።

እቲ ገበን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብራዚል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ከምዘቃልዐ’ዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ጸብጻብ ግሎባል ዊትነስ፡ ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ቅትለት ተጣበቕቲ ከባብን ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ኣላ።

68 ሚእታዊት ካብቲ ቅትለት ኣብታ ኣህጉር ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣብ ብራዚል፡ ኮሎምብያ፡ ሜክሲኮን ሆንዱራስን ከምዝተመዝገበ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እቶም ዝበዝሑ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ዕደና፡ ምውጻእ ነዳዲ ወይ ማያዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ መሬቶም ከይበላሾ ዝቃለሱ ዝነበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምዃኖም ሓቢሮም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ዩክረይን ዝተፈጸመ ኲናት ስዒቡ፡ ዓለምና ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምውጻእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ይኣምኑ።

ኣብ 2021 ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ጥራይ 200 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ግሎባል ዊትነስ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ዝዀነት ሽሩቲ ሱረሽ፡ “ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብዙሕ ስክፍታታት ኣሎ። ነቲ ኣብ ብራዚል ኣማዞን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ድማ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ'ዩ" ኢሉ።

ሽሩቲ ወሲኹ፡ 85 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ብራዚል ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብቲ ዞባ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

“ምኽንያት ናይዚ ጉዳይ ዘይፍትሓዊ ኣከፋፍላ መሬት እዩ። ሰባት መሬቶም ካብ ምምንዛዕ ይከላኸሉ፣ እዚ ድማ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ንምምዝማዝ ዝያዳ መሬት ንምርካብ ይጓየዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ድምጾም ዝተዓፈኑ ሰባት ናይቲ ከባቢ እዮም” ክብል ሽሩቲ ወሲኹ ገሊጹ።

ቀንዲ ርኽበታት 2021

• ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ሰሙን ኣስታት ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ንጥፈታት ከባቢ ብምስታፍ ይቕተሉ።

• ኣብ ብራዚልን ህንድን መጥቃዕትታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ ኮሎምብያን ፊሊፒንስን ድማ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ።

• ኣብ ኣፍሪቃ ዓሰርተ ቅትለት ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ዘጋጠመ እዩ።

• ግሎባል ዊትነስ፡ ኣብ 2021 ጥራይ 12 ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝተመዝገበን፣ ሰለስተ ኣብ ህንዲ፡ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ሜክሲኮ ከም ዝተፈጸመን የመልክት።

• ኣብ ኒካራጓ፡ ጕጅለ ገበነኛታት ኣንጻር ህዝብታት ሚስኪቱን ማያንኛን 15 ተጣበቕቲ ኣከባቢ ቀቲሎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ግሎባል ዊትነስ፡ ዓለማዊ ኵነታት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ኰይኑ ኣሎ።

ብሰንኪ ዝጋደድ ዘሎ ለውጢ ክሊማን ስነ-ምህዳራዊ ቅልውላውን፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓታት፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ቅትለት ብቐጻሊ እናወሰኸ ከምዝመጸ ተሓለቕቲ ይዛረቡ።

ምስ ገበናት ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታት'ውን ንቕትለት ተጣበቕቲ ከባቢ ከም ምኽንያት ተጠቒሶም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሒ መወትቲ እናወሰኸ'ኳ እንተመጸ፡ ደለይቲ ፍትሒ ግን፡ ስጕምቲ ይውሰድ ስለዘሎ፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ተስፋ ኣለዎም።

ብተወሳኺ ኣብ ሰንሰለት ኩባንያታት ሕብረት ኣውሮጳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽሙ ተሓተትቲ ዝገብር ሕጊ ንምሕንጻጽ ዝተወጠነ መደብ ከምዘሎ ኣመልኪታ።

"እዚኦም ኣብ ተጣበቕቲ ከባቢ ሓቀኛን ኣወንታዊን ጽልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ውሳነታት እዮም። ምልክታት ኣሎ፡ ተስፋ ንገብር ኣለና። ይዅን እምበር ኣብ መጻኢ ከቢድን ፈታኒን መንገዲ ይጽበየና ኣሎ" ኢላ ሽሩቲ።