ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ገማግም ሶማል ብቀርሰንቲ ዝተጨወዩ ባሕረኛታት ነጻ ኣውጺኡ

ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ብሓመስ ኣብ ገማግም ሶማል ምስ ባሕረኛታታ ብቀርሰንቲ ዝተጨወየት መርከብ ምስ ባሕረኛታታ ነጻ ከምዘውጽእዋ ገሊጾም።

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብምልኦም 21 ኣባላት ናይታ ብቀርሰንቲ ዝተጨወየት መርከብ ነጻ ከምዘውጽእዎም ሓቢሩ።

እቶም ኮማንዶ ኣቐዶምም ናብታ ኤምቪ ሊላ ኖርፎልክ ዝተባሃለት መርከብ ቅድሚ ምድያቦም ካብ ርሑቕ ነቶም ቀርሰንቂ ካብታ መርከብ ዝኾነ ሓደጋ ከየብጽሑ ክወርዱ ተሪር ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ስለዝሰደድሎም ናብታ መርከብ ምስ ደየቡ ዝኾነ ካብቶም ቀርሰንቲ ከምዘይጸንሖም ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ገሊጹ።

ኣብ ገማግም ሶማልን ኣብ ወሽመጥ ባብኤል መንደብን ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት ከራኽብ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት እቲ ሓደ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ህንዳዊ ውቕያኖስ [ገማግም ሶማል] ኣስጋኢ ኮይኑ ዝነበረ ቅርሰና ዳግማይ ከይጅምር ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እታ ኤምቪ ሊላ ኖርፎልክ ዝተብሃልት ባንዴራ ላይበርያ ዘለዋ መርከብ ናብ ባሕረይን እናኸደት እንከላ’ያ ካብ ወደባዊት ከተማ ኢይል ናይ ሶማል ንብራቓዊ ሸነኽ ብቀርሰንቲ ከምዝተጨወየት ተገሊጹ።

ካብቶም ባሕረኛታት እታ መርከብ እቶም 15 ህንዳውያን ኮይኖም፡ ናብታ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ብብዓል መዚ መጓዓዝያ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ እትውነን መርከብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ዝኾኑ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ናብ መርከቦም ደይቦም ከምዘለዉ ብምሕባር ብሓሙሽ ምሸት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብሓይሊ ባሕሪ ህንዲ እትውነን ነፈርቲ እትጽዕ ዓባይ መርከብ ምስኦም ከምእትራኸብ ብምግባር ከኣ ናብታ መርከብ ተመራሒ ሚሳኤል እትጽዕን መርከብ ተሰዲዳቶም’ዮም ካብቶም ቀርሰንቲ ነጻ ከወጽኡ ክኢሎም።

ካብ 2008 ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ እዋን መብዛሕትኦም ቀርሰንቲ ካብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ኢይል እናተበገሱ’ዮም ኣብ ልዕሊ መራኽብ ናይ ጭውያ ሓደጋታት ዘውርዱ ነይሮም።

ካብዚ ብምብጋስ ሓያለ ሃገራት ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ገማግም ባሕሪ ሶማል ዓባይቲ መራኽብ ውግእ ብምውፋር ነቲ ቦታ ክቆጻጸረኦ ይፍትና ነይረን።

ሓደ ክኢላ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እተን ኣብ ገማግም ሶማል ዝነበራ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኽብ ውግእ፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ባብኤል መንደብ ብሑቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ንምዕጋት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ስለዝግዓዛ፡ ነቲ ኣብ ህንዳዊ ውቕያኖስ ዘሎ ልሕሉሕ ሓለዋ ባሕሪ ከም ሃጓፍ ተጠቒሞም ነቲ ቅርሰና ፈጺመሞ ክኾኑ ከምዝኽእል ግምቱ ኣስፊሩ።