ኣመሪካ ትመርሖ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምግታእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝመርሖ፡ 'ስርሒት ምውሓስ ብልጽግና' (Operation Prosperity Gaurdian) ተሰዪሙ ዘሎ ወተሃደራዊ ተበግሶ ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ፈጢሮሞ ዘለዉ ስግኣት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ'ዩ።

ሰፊሕ ክፋል የመን ዝቈጻጸሩ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነተን ናብ እስራኤል ዘቕንዓ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ብምግባር፡ መራኽብ ንግዲ ክጨውዩን ሚሳይላት ክትኩስን ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፡ ብዙሓት ትካላት ንግዳዊ መራኽብ ብቐይሕ ባሕሪ ዘካይድኦ ዝነበራ ጉዕዞ ከቋርጻ ተገዲዲን ኣለዋ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ዋጋ ነዳድን ካልኦት ኣቝሑን ብምንሃር ብዓለም ደረጃ ቁጠባዊ ቅልውላው ከይፈጥር ተሰጊኡ'ሎ።

'ስርሒት ምውሓስ ብልጽግና' እንታይን ንመንን ዘጠቓለለ'ዩ?

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዘካየደ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣውስቲን ምስ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ክዘራረብ ቀንዩ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ (ፐንታጎን) ከምዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ተበግሶ ንሓያለ ሃገራት እቲ ዞባን ኣውሮጳን ዘጠቓለለ'ዩ።

እቲ ጸጥታዊ ልፍንቲ፡ ካብ ብሪጣንያ፡ ባሕረይን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ነዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ሰይሸልስን ስፔንን ዘጠቓለለ ከምዝኸውን ፐንታጎን ጠቒሱ'ሎ።

"እቶም ዝዋጽኡ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓይልታት 'ውሁድ ማያዊ ሓይልታት'ን መሪሕነት ሓይሊ ዕማም 153" ከምዝሰርሑ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝምራሕ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ዝቖመ ተበግሶ እዩ።

"ሚሳይላትን ፈኖ ዝኾና ሰብኣልቦ ነፈርቲን ዝውንጭፉ ዘይመንግስታውያን ኣካላት ንዘስዕብዎ ብድሆ ንምግጣም መሰረታዊ መትከል ናጽነት ምንቅስቓስ ባሕሪ ዝድግፋ ሃገራት ክሓብራ" ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

"እዚ ናይ ሓባር ግብረመልሲ ዝጠልብ ዓለምለኻዊ ብድሆ'ዩ" ክብል ኦስቲን ተዛሪቡ።

ኣፈኛ ፐንታጎን፡ ሜጀር ጀነራል ፓት ራይደር ከምዝበሎ፡ ኣውስቲን ምስ ወከልቲ ኣስታት 40 ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብማንዛ ከምዝዘተየን፡ ዛጊት ልዕሊ 20 ሃገራት ናብቲ ተበግሶ ክጽምበራ ወሲነን ኣለዋ።

እቲ ዝቐውም ልፍንታዊ ሓይሊ ንግዳውያን መራኽብ ካብ ወሽመጥ ዓደን ክሳብ መትረብ ሲዊጽ ዘሎ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ካብ መጥቃቲን ሓደጋን ውሑስ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

ዕጡቓት ሑቲ "ክሕይኽዎ ዘይክእሉ ኮሊሶም" ዝበለ እቲ ኣፈኛ ሰራዊት ኣመሪካ፡ "ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ሕጂ ደው ከብልዎ" ኣጠንቂቑ።

"ኣብ ልዕሊ'ተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዝግበር መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝካየድ መጥቃዕቲ እዩ" ኢሉ።

ኣካል ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነት ኤርትራ፡ ውሕስነትን ጸጥታን ናይቲ "ኣራግጽ" ሓይልታት ወጻኢ በዚሕዎ እትብሎ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ንምርግጋጽ፡ ጸጥታዊ ዓቕምታት ሃገራት ናይቲ ዞባ ወሳኒ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።

ኣብ 2011 ዝተወልዐ ቅልውላው የመን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ድሕሪ ምዕራጉ፡ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ተበግሶታት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣኼባታት ከካይድ'ኳ እንተጸንሐ ካብ ቃላትን ሓሳባትን ዝሓለፈ ኣይኮነን።