ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንግዳዊት መርከብ ንዝጨወዩ ዕጡቓት ሒዙ

ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ምስ እስራኤል ርክብ ዘለዋ ንግዳዊት መርከብ ንዝጨወዩ ዕጡቓት ከምዝሓዘቶም ሰበስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ብጃልባ ክሃድሙ'ኳ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ ካብ ቁጽጽር መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ግን ከምልጡ ኣይክኣሉን።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናብታ መርከብ ሚሳይላት ተኲሶም።

እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ዝተቓወመ ጉጅለ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላት ክትኩስን ድሮናት ክሰድድን ምጽንሑ ይፍለጥ።

ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ኣስታት 240 ድሕሪ ምጭዋዩን እስራኤል ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ብምሃብ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ንቓዛ ክትድብድቦ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብቲ ደብዳባት ልዕሊ 14500 ሰባት ከምዝሞቱን፡ 40 ሚእታዊት ካብኦም ቆልዑ ምዃኖምን ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ይገልጹ።

ጉጅለ ሑቲ ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ "ኪዳን-ተቓውሞ" ዕጡቓት ጉጅለታት ምዃኑ ኣዊጁ'ሎ።

እታ ብሰንበት ዝተጠቕዐት መርከብ 'ሰንትራል ፓርክ' ዝተባህለት ምዃና ወናኒኣ ዝኾነ ትካል ጠቒሱ።

እታ መርከብ ብሓደ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ብእስራኤላዊ ስድራቤት ኦፈር ዝውነን ዞድያክ ማሪታይም ሊሚትድ ዝተባህለ ትካል እትመሓደር እያ።

እቶም 22 ኣባላት እታ መርከብ ድማ፡ ሩስያውያን፡ ቬትናማውያን፡ ቡልጋሪያውያን፡ ህንዳውያን ጆርጂያውያን፡ ፊሊፒናውያን፡ ከምኡ'ውን ቱርካዊ ካፕቴን እዮም።

እታ ፎስፎሪክ ኣሲድ ጽዒና ዝነበረት መርከብ ናብ ሓደ ወደብ የመን ኣንፈታ ክትቅይር እንዘይክኢላ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም እቶም ዕጡቓት ኣፈራሪሖማ ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ዩ-ኤስ-ኤስ ማሶን ዝተባህለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ካልኦት መራኽብ መሻርኽቲ ሃገራትን እታ ዝተጨውየት መርከብ ክትልቀቕ ከምዝጠለባ ይጠቅስ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለዉ ግን ሓሙሽተ ካብቶም ዕጡቓት ፈጣን ጃልባ ተጠቒሞም ካብታ መርከብ ክሃድሙ ፈቲኖም። እንተኾነ ግን እታ ኣመሪካዊት መርከብ ኲናት እግሪ-እግሮም ስለዝሰዓበት ኢዶም ክህቡ ተገዲዶም።

ብድሕሪኡ ንዩ-ኤስ-ኤስ ማሶን ዒላማ ዝገበሩ ክልተ ሚሳይላት ተተኲሶም'ኳ እንተነበሩ ርሒቖም ብምውዳቖም ዘውረድዎ ክሳራ ከምዘይነበረ ሰብመዚ ምክልኻል ኣመሪካ ገሊጾም።

“ብ27 ሕዳር ከባቢ ሰዓት 01፡41 ብኣቆጻጽራ ሰንዓ፡ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ካብቲ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ናብ ሓፈሻዊ ኣንፈት ዩ-ኤስ-ኤስ ማሶንን ሰንትራል ፓርክን ተተኲሱ። እቲ ሚሳይላት ኣብ ወሽመጥ ዓደን፡ ካብተን መራኽብ ዓሰርተ ኖውቲካል ማይላት ርሒቑ ወዲቑ” ይብል መግለጺ ማእከላይ እዚ።

እታ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣካል ጭፍራ መጥቃዕቲ መራኽብ ዓርሞሸሽ ተሰካሚት ነፈርቲ ዩ-ኤስ-ኤስ ኣይዘንኣወር ምዃና’ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ዕጡቓት ሑቲ ሓንቲ ናይ እስራኤል'ያ ዝበልዋ ናይ ጽዕነት መርካብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሒዞም ነይሮም። እንተኾነ ግን እስራኤል እታ መርከብ ናታ ከምዘይኮነትን እስራኤላዊ ኣባል ከምዘይነበራን ኣረጋጊጻ ምንባራ ይዝከር።

እቶም ዕጡቓት ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሄሊኮፕተር ወሪዶም ንሓንቲ 'ጋላክሲ ሊደር' ዝተባህለት ጽዕነት እተመላልስ ዓባይ መርከብ ክቈጻጸሩ እንከለው ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሖም።

እቲ ቪድዮ፡ እታ መርከብ ምጭዋያ ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ብመደበር ቴለቪዥን እቲ ጉጅለ፡ ኣል ማሲራሕ ተዘርጊሑ። ሰብ መዚ እስራኤል ግና እታ መርከብ ናይ እስራኤል ከምዘይኮነት ክገልጹ እንከለው፡ ኣፈኛ መንግስቲ ጃፓን፡ ብ’ኒፖን ዩሰን’ ከምእትካየድ ሓቢሩ።

መንግስቲ ጃፓን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብጃፓናዊ ኩባንያ እትካየድን ብብሪጣንያ እትውነንን ናይ ጽዕነት መርከብ ዝተፈጸመ ዝበሎ ጭውያ ኮኒኑ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ገማግም የመን ትንቀሳቕስ ዝነበረት ብኣሜሪካ እትውነን ድሮን ሃሪሞም ከምዘውደቕዋ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ነቲ ብስዑድያ ዝድገፍ ወግዓዊ መንግስቲ የመን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ኣብ የመን ኣብ ኵናት ሕድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ዕጡቓት’ዮም።

ኣመሪካ ንማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝከታተልን ብማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ዝምእከልን ሓይልታት ኣብቲ ዞባ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ሓየለ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቀርኒ ኣፍሪቃን'ውን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለዋ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ምስ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ብዝተሓሓዝ ክልተ ተሰከምቲ ነፈርቲ ዝኾና ዓርሞሾሽ መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ጭፍራታተንን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ሰዲዳ ነይራ'ያ።