ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከብ ክጨውዩ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሖም

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብረት ዝሓዙ ሰባት ካብ ሄሊኮፕተር ወሪዶም ንሓንቲ ጽዕነት እተመላልስ ዓባይ መርከብ ክቈጻጸሩ እንከለው ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሖም።

እቲ ቪድዮ፡ እታ መርከብ ምጭዋያ ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ብመደበር ቴለቪዥን እቲ ጉጅለ፡ ኣል ማሲራሕ ተዘርጊሑ። እታ መርከብ 'ጋላክሲ ሊደር' ከምእትበሃልን ምስ እስራኤል ርክብ ከምዘለዋን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ሰብ መዚ እስራኤል ግና እታ መርከብ ናይ እስራኤል ከምዘይኮነት ክገልጹ እንከለው፡ ኣፈኛ መንግስቲ ጃፓን፡ ብ’ኒፖን ዩሰን’ ከምእትካየድ ሓቢሩ።

መንግስቲ ጃፓን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብጃፓናዊ ኩባንያ እትካየድን ብብሪጣንያ እትውነንን ናይ ጽዕነት መርከብ ዝተፈጸመ ቅርሰና ኮኒኑ።

ኣፈኛ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ግና እታ መርከብ ናይ እስራኤል ምዃናን፡ እዚ ጅማሮ ኣብ ባሕሪ ናይ ዝግበር ቃልሲ ምዃኑን ተዛሪቡ።

ኣባል ካቢነ ጃፓን ንምፍታሕ እታ መርከብ ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ኢራን ተሓታቲት እቲ ቅርሰና ምዃና እዩ ተዛሪቡ።

እታ መርከብ ኮነት ሰራሕተኛታታ እስራኤላውያን ከምዘይኮኑ ዝገለጸ ናታንያሁ “ኢራን ኣብ ኣህጉራዊት መርከብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ።

ኢራን ግና ዝኾነ ተሳትፎ ከምዘይብላ ሓቢራ'ላ።

ብኤን-ዋይ-ኬ ላይን ዝፍለጥ ጃፓናዊ ኩባንያ ጉዕዞ መራኽብ ኒፖን ዩሰን፡ እታ ጋላክሲ ሊደር ዝተባሃለት ናብ ህንዲ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ጥቓ ሑደይዳ ክትተሓዝ ከላ፡ 25 ኣባላት ከምዝነበርዋ ገሊጹ።

ብኩባንያ ጋላክሲ ማሪታይም እትውነን ጋላክሲ ሊደር ኣብ 'ኣይል ኦፍ ማን' ዝተመዝገበት መርከብ እያ። እዚ ብረይ ከርየርስ ዝውነን ኮይኑ፡ እስራኤላዊ ብዓል ዋኒን ኣብራሃም ኡንጋር ሓባራዊ ወናኒ ምዃኑ ካብ ኣይል ኦፍ ማን ዝተረኽበ ሰነዳት የርኢ።

ጋላክሲ ማሪታይም ሊሚትድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ መርከብ ብሰንበት “ብዘይሕጋዊ መገዲ ብሄሊኮፕተር ዝመጹ ወተሃደራት ከምዝወረርዋን፡” ሕጂ ኣብ ወደብ ሑደይዳ የመን ተታሒዛ ምህላዋን ሓቢሩ።

ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማቲው ሚለር ብወገኑ፡ ጉጅለ ሑቲ ነታ መርከብ ምሓዞም፡ “ቅሉዕ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ” ክብሎ እንከሎ፡ እታ “መርከብ ኮነት ኣባላታ ብህጹጽ ክፍትሑ” ጠሊቡ።

ኣፈኛ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ መሓመድ ኣብዱሰላም ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጉጅለ ነታ መርከብ ምሓዙ፡ ናይቲ ኣባላቱ ኣብ ባሕሪ ዝውልዕዎ ዘለው ኲናት ጅማሮ ምዃኑ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ኣፈኛ ሑቲ፡ ያሕያ ኣል-ሳሬያ፡ እታ መርከብ ናይ እስራኤል ምዃናን ናብ ወደብ የመን ከምዝተወሰደትን ተዛሪቡ።

እቲ ጉጅለ ኣቐዲሙ፡ እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተካይዶ ንዘላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ክበጽሕዋ ዝኽእሉ ናይ እስራኤል መርከብ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።