ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ ኣብ 2023 ኣበይ ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, ISLAMIC STATE PROPAGANDA
ኣብ ሓደ እዋን ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ወይ ከኣ ዳዕሽ፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ መላእ ምዕራብን ሰሜናዊን ዒራቕ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ መሬት ይቈጻጸር ነይሩ። እዚ ጅሃዳዊ ጕጅለ ኣብ 2023 ርኡይ ምንቍልቋል ከምዘርኣየ ብቢቢሲ ሞኒተርን ዝተኣከበ መረዳእታ ይሕብር።
ዳዕሽ፡ ቅድሚ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ብድምር 838 መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 1,811 መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ገሊጹ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣሃዝ ኣብዚ ዓመት ብ53 ሚእታዊት ምንቍልቋል ኣርእዩ ኣሎ።
እቲ ትንታነን ርኽበታትን ኣሃዛት መጥቃዕቲ፡ ቢቢሲ ሞኒተሪን ካብ ወግዓዊ መግለጺታት፡ ወግዓዊ መልእኽትን ፕሮፖጋንዳን እቲ ጕጅለን ደገፍቱን ዝተረኸቡ መረድኢታት መሰረት ዝገበረ እዩ።
ስለዝዀነ፡ እቶም ኣሃዛት ክጋነኑ ወይ ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ክንክዩ ተገይሮም ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።
ኵሎም ኣብ 2023 ዝተጠቕሱ ኣሃዛት ኣብ መንጐ 1 ጥሪን 30 ሕዳርን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ዝውክሉ እዮም።
ብዛዕባ መጥቃዕቲ ዳዕሽ እንታይ ንፈልጥ?
ዳዕሽ ኣብ ሶርያ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዝነበረት ባጎዝ ኣብ 2019 ካብ ዝስእን ንደሓር፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ኣፍሪቃ ጨናፍር ኣብ ምህናጽ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ።
እቲ ጕጅለ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ስርሒታት ዕጡቓት የካይድ ኣሎ፤ ኣብ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ መርበባት’ውን ይቈጻጸር እዩ። ኣብ ንጥፈታቱ ግን ርኡይ ምንቍልቋል ከምዝተራእየ ምዕዛብ ተኻኢሉ ኣሎ።
ጨንፈር ሲናይ ዳዕሽ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝፈጸሞ ዝገለጾ 102 መጥቃዕቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዕጡቓት ሓይልታት ግብጺ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተፈጸመ ዝዀነ መጥቃዕቲ ከምዘየለ ይገልጽ።
እዚ ድማ እቲ ጕጅለ ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ጥቓ ካናል ስወዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጨንፈር ኣውራጃ ኮራሳን (ISKP) ዝበሃል ዳዕሽ ዝፍጸም መጥቃዕቲ’ውን ነክዩ’ዩ፤ እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 145 መጥቃዕቲ፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመልሰሉ ዓመተ 2021 ድማ 293 መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ይገልጽ።
ኣብ 2023 ዝፈጸሞም መጥቃዕቲታት ግን 20 እዮም።
ኣብ ዒራቕ፡ ዳዕሽ ኣብ 2023 ብድምር 141 መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 401 መጥቃዕቲ ፈጺሙ ነይሩ። እዚ ድማ ብ65 ሚእታዊት ከምዝነከየ የመልክት።
ዳዕሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሶርያ 292 መጥቃዕቲታት ከምዘካየደ ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ጕጅለ፡ እዚ ኣሃዝ ኣብዚ ዓመት ናብ 112 ወሪዱ ኣሎ።
ዳዕሽ ኣብ ኣፍሪቃ ህላወኡ ይውስኽ ኣሎ ድዩ?
እስላማዊ መንግስቲ፡ ፕሮፖጋንዳኡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ናብ ዝረኽቦም "ምስፍሕፋሕን" ከምኡ’ውን "ዓወታትን" ከምዘተኮረ ይገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ጨናፍር ኣለዎ - ኣብ ናይጀርያ ዘተኮረ ኣውራጃ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ISWAP)፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘተኮረ ኣውራጃ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጨንፈር ሳሕል፡ ጨንፈር ሞዛምቢክን ጨንፈር ሶማልያን።
እቲ ዝያዳ ንጡፍ ዝነበረ ጨንፈር ኣውራጃ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያን ከባቢ ቀላይ ጫድን ይነጥፍ ነይሩ።
ኣብ 2023 ግን እቶም ንጥፈታት ነክዮም ኣለዉ። ኣብ 2022 ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት 470 ክዀኑ እንከለዉ ኣብ 2023 ግን 266 ጥራይ ከምዝፈጸመ ይገልጽ።
ኣብ ጨናፍር ኣውራጃ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን እውን ዋላ'ኳ ቁልፊ ስግኣት ኰይኑ እንተቐጸለ፡ ውሑድ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሙ እቲ ጕጅለ ይሕብር።
ክልቲኦም ጨናፍር ኣብ ልዕሊ ከባቢያውን ዞባውን ሓይልታት ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ደቂ ዓዲ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ ምግላጽ እናቐጸሉ ይርከቡ።
ኣይኤስ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዩጋንዳ ኣርባዕተ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ብሰፊሑ ዝውቀሰሉ ኣብ ምዕራብ ዩጋንዳ ኣብ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሰነ ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ግን ኣይጠቐሰን።
ብሓፈሻ፡ ኣይኤስ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብድምር ኣብ 2023 ዝፈጸሞ ብዝሒ መጥቃዕቲ ናብ 508 ወሪዱ ኣሎ፤ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ብድምር 847 መጥቃዕቲ ፈጺሙ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ሕጂ'ውን ዳዕሽ ብዓለም ደረጃ ካብ ዝፍጽሞም ኵሎም መጥቃዕትታት 60 ሚእታዊት ዝሓዘ ኰይኑ ክሳዕ ሕጂ እቲ ዝዓበየ መጠን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝፍጸም እዩ።
ኣብ ሳሕልን ፊሊፒንስን እንታይ ይፍጸም ኣሎ?
ብመሰረት ቢቢሲ ሞኒተርን ዝኣከቦ መረዳእታ፡ ኣብ ዞባ ሳሕልን ኣብ ፊሊፒንስን ዝርከባ ጨናፍር ዳዕሽ ኣብዚ ዓመት ዝያዳ ንጡፋት ምንባረን የመልክት።
እዚ ጕጅለ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ምብራቓዊ ማሊ ኣብ ጥቓ ዶብ ኒጀር ህላወኡ እናሰፍሐ ከምዝጸንሐን፡ እዚ ድማ ንዞባ ሳሕል ዝጸሉ ቀጻሊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ናዕቢታት ንምምዝማዝ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ጃምላዊ ጉድኣት ከምዘካየደ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ሓደ መጥቃዕቲ ኣስታት 60 ወተሃደራት ከምዝቐተለን መንግስቲ ኒጀር ንሰለስተ መዓልታት ሓዘን ክእውጅ ምኽንያት ከምዝዀነን ይግለጽ።
ካብ 2014 ጀሚሩ ኣይኤስ ካብ ዕጡቓት ጕጅለታት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ናይ ተኣማንነት ቃል ኪዳን ክረክብ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ምትእስሳር ናይቲ ጕጅለ መብዛሕትኦም ኣብ ደቡባዊ ፊሊፒንስ ዝንቀሳቐሱ ኰይኖም፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት 2023 መጥቃዕቲታት ከምዝወሰኹ ይሕብር።
ብቝጽሪ ግን ልዑል ኣይኰነን፤ ኣብ 2022 ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት 7 እዮም፡ ኣብዚ ዓመት ድማ 20 መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝገልጽ።
ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ብተወሳኺ ኣብ ደቡባዊ ፊሊፒንስ ብ3 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ካቶሊካዊ ቅዳሴ ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ኣብቲ ዞባ ናይ ምልመላ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, ISLAMIC STATE PROPAGANDA
ብዛዕባ መራሕቲ ዳዕሽ እንታይ ንፈልጥ?
እቲ ጕጅለ ኣብ መሳርዕ መሪሕነቱ ከቢድ ክሳራ ኣጋጢምዎ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ዓመት ሰለስተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዝለወጠ ክኸውን እንከሎ፡ ኵሎም ካብ ለካቲት 2022ን ሚያዝያ 2023ን ኣብ ሶርያ እዮም ተቐቲሎም።
ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ብ27 ጥቅምቲ 2019 ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወፍሪ ምስ ተቐተለ፡ እቲ ጕጅለ ብቕደም ተኸተል ብኣቡ ኢብራሂም ኣልሓሽሚ ኣልቝረሺ፡ ኣቡ ኣልሓሰን ኣልቁራሺን ኣቡ ኣልሑሴን ኣልቝረሺን ይምራሕ ነይሩ።
እዞም መራሕቲ እዚኦም ዝተዛመዱ ኣይኰኑን። "ኣልቝረሺ" ዝብል መጸውዒ ምስቲ ኣብ መካ ዝነበረ ቀቢላ ነቢ መሓመድ ቝረሽ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ነሓሰ 2023 እቲ ጕጅለ ኣቡሓፍስ ኣልሓሺሚ ኣልቝረሺ ዝተበሃለ ሓድሽ መራሒ ኣቕሪቡ ነይሩ፤ ብዛዕባኡ ግን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን፤ ገና ናይ መሪሕነት መልእኽቲ እውን ኣየመሓላለፈን።
እስላማዊ መንግስቲ ገለ ካብቶም ኣዘዝቱ’ውን ብፍላይ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ስኢኑ’ዩ፤ ካብዚኦም መብዛሕትኦም ብኣመሪካ ብዝምራሕ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ እዮም።
ኲናት ቓዛ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ካብ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ዝመጽእ ውድድርን፡ ንጥፈታት እቲ ጕጅለ ንኽንኪ ካብቶም ኣበርክቶ ዝገበሩ ረቛሒታት ምዃኖም ይእመን።
ክሳራ ኣመራርሓ ከምኡ እውን መሪሕነት ዕላዊ ዘይምግባር እውን ከም ሓደ ዓቢይ ረቛሒ ይቝጸር።
ኣሃዛት መጥቃዕቲ ዳዕሽ ግን ክሳዕ ሕጂ ብኣማኢት ዝቝጸር ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ኣሎ፤ እቲ ጕጅለ ድማ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበረሰባዊ ተቓላዕነት ንምምዝማዝ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምንቅስቓሱ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እዚ ጕጅለ ይዅን ካልኦት ኣኽረርቲ ጕጅለታትን ከም ሓደ ካብዚ "ዕድላት" ክርእይዎ ይኽእሉ'ዮም፤ ነቲ ግጭት ተጠቒሞም ቍጥዐ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ንምልዕዓል ዝሕግዝ መንገዲ ይደልዩ’ዮም።
ኣልቓዒዳ፡ ኣስላም ኣብ ጐድኒ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኰይኖም ኣብቲ ውግእ ክሳተፉ ክጽውዕ እንከሎ፡ ዳዕሽ ግን ንጕጅለታት ፍልስጤም ዝሃቦ ዝዀነ ናእዳ የለን፤ ኣስላም ንሓማስ ክድግፉ እውን ኣይጸውዐን።
እቲ ጕጅለ ቅድሚ ሕጂ ንሓማስ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰዓብቱ ይዓብጦም ኣሎ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ዳዕሽ ኣብ ልዕሊ እቶም ንእስራኤል ከም "ዝከላኸሉ" ዝኸሰሶም መንግስታት ዓረብን ኣብ መላእ ዓለምን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ምልዕዓል ኣተኲሩ ይንቀሳቐስ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







