መሳዅቲ ብምጽራይ ዝጀመረ ተራ ስራሕ ቦታታት ገበን ዘጽሪ ዋኒን ሚልዮናት እንክቕየር

መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ደም፡ ሞትን ጎነጽን ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ኣለዎ

እዚ ስራሕ ነቶም ደም ርእዮም ስግድግድ ዝብሎም ዝኸውን ኣይኰነን። ወዲ 49 ዓመት ቤን ጊሊስ ንዝሓለፈ 25 ዓመት ገበናት ኣብ ዝተፈጸሞ ቦታታት፡ ከይዱ ንነብሲ ወከፍ በቲ ገበን ዝስዓበ ርስሓት፡ ጥፍጣፍ እንከይተረፈ የጽሪ።

ቤን ናብዚ ስራሕ ቅድሚ ምእታው ኣብ ምዕራብ ዌልስ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ መሳዅቲ ብምጽራይ'ዩ ናብራኡ ዝመርሕ ነይሩ።

እቲ ንዕለታዊ ናብራኡ ኢሉ ዝጀመሮ ስራሕ ናብ ሓደ ሚልዮነር ክገብር ዝኽእል ስራሕ ክዓቢ ይኽእል እዩ ኢሉ ከኣ ብፍጹም ሓሲብዎ ኣይፈልጥን፤ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርታ።

ሓደ እዋን ግን ብቀልቀል ዝተዓብሰ ዓይኒ ምድርን፡ ብሓደጋ ዝተፈናጀረ ሬሳታት'ውን ክሓጽብ ከምዝኽእል ሓሳብ ብልጭ በሎ። ነቲ ስርሑ ዋጋ ኣውጺኡ ከኣ ዝርዝር ኣቐመጠ።

ቤን "ብቀልቀል ቀምበይበይ ዝበለ ዓይኒ ምድሪ፣ ብርስሓት ስግድግድ ዘብል ክሽነ ብትዃንን ቍንጭን መርኣዩ ዘይብሉ መደቀሲ፡ ብምጽራይ ጀሚረ፡" ይብል

ናብታ እዛ ሓሳብ ዝመጽኣትሉን ዝጀመረላን መዓልቲ ምልስ ክንብል።

ቤን ኣብ ካረዲጋን መስኮት እናኣጽረየ፡ ሓንቲ ዓሚሉ ንዝሓለፈ 10 ዓመታትት ሰብ ዘይነበሮ ጥራዩ ዝነበረ ገዛ ከጽሪ ዝኽእል እንተዀይኑ ተወኪሳቶ።

በታ ዝነበረቶ ጨርቂ ኣፍንጫኡ ሸፊኑ ከኣ ነቲ ዶራን ገዛ ኣጽርይዎ፤ እዚኣ ከኣ ከፋቲት በሪ ናይቲ ዝስዕብ ዛንታኡ ኰነት።

ቤን ነታ ገዛ ንኸጽርያ 2000 ፓውንድ'ዩ ሓቲቱ። እታ ዓሚል በቲ ዋጋ ስለዝተሰማመዐት ከኣ ተሓጋጋዛይ ጸዊዑ ነቲ ገዛ ኣጽረይዎ።

"ምስ ካልኣየይ ኴንና፡ ከምዚ ኣጽሪና ክንድዚ ክንክፈል እንተኽኢልና ድኣ፡ ነቲ ካብዚ ዝኸፍእ ከኣ ዝለዓለ ገንዘብ እናኣኽፈልና ዘይነጽሪ፣ በቓ ዝኾነ ነገር ከጽሪ ይኽእል'የ ኢለ፡" ይብል።

ቤን፡ እታ ብድሕሪኡ ዝረኸባ ስራሕ፡ ኣብ ገዛኡ ሞይቱ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝመሽመሸ ሬሳ ምልዓል'ዩ ነይሩ።

እቲ ሬሳ መሽምሹ ነቲ ምንጻፍን ነቲ ብጣውላ ዝተሰርሐ ምድሪ ቤትን ኣጠስጢስዎ ነይሩ።

"ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትናዮ ኣብቲ ሬሳ ክዝንብዩ ዝጸንሑ ሰማያዊ ዝሕበሮም ሃማማ ነቲ ገዛ ምልእ ኢሎሞ ጸኒሖም፤ ነቲ ሸሞንተ ሰሙን ዝገበረ ሬሳ ከኣ ከነልዕሎ ጀሚርና።"

"እዚ ናይ መጀመርታ ኰይኑ፡ ዝዀነ ኣፍልጦ ኣይነበረናን፣ ነቲ ጨና ንምክልኻል ኣብ ውሽጢ ገይርናዮ ዝነበርና ማስክ ቅራፍ ኣራንሺ ገይርና ክንከላኸሎ ፈቲንና።"

ቤን ንስርሑ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብተመኵሮን ትምህርትን እና'ኣማዕበለ፡ ኣብ 2000 ንሓደገኛ ከሚካላዊ ጕሓፋት ከይተረፈ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝግለጽ ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎ።

ካብ ምጽራይ መሳዅቲ ዝጀመረ ስራሕ፡ ናብ ዓይኒ ምድሪ፡ ናብ ዝመሽመሹ ሬሳታታት፡ ክሳብ ምውጋድ 20 ቶን ዝምዘን ዝሞተ ዓሳ ነባሪ በጺሑ።

ቤን፡ ነዚ ክሰርሕ እንከሎ እቲ ጨና ክሳብ ክንደይ ምጻሩ ከቢድ'ዩ ዝብል ሕቶ ክልዓል ንቡር'ዩ።

ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ጨና ሬሳ ኣብቲ እቲ መዋቲ ዝነበሮ ስብሒ ከምዝመርኮስ ይሕብር።

ሓደ ብዙሕ ስብሒ ዘለዎን ካልእ ሰብሒ ዘይብሉን ሬሳኦም ንተመሳሳሊ መዓልታት ከይተላዓለ እንተጸኒሑ፡ እቲ ብዙሕ ስብሒ ዘለዎ ዝያዳ ናይ ምጭናው ተኽእሎ ከምዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።

"ሓንቲ 30 ኪሎ እትምዘን ሰበይቲ ሞይታ ሬሳኣ መሽምሹ እንተጸኒሕካ እቲ ጨና ክትጾሮ ትኽእል ኢኻ፤ ብተመሳሳሊ ንተመሳሳሊ መዓልታት ልዕሊ 120 ኪሎ ዝምዘን ዝነበረ ዝመሽመሸ ሬሳ ግን ገና ናብቲ ማዕጾ ክትቀርብ እንከለኻ ሃንገፍ ክብለካን እቲ ጨና ነነዊሕ ክጸንሕን ዘየቕርብ ክኸውንን ይኽእል'ዩ" ይብል ቤን።

ቤን ስድራኡ ሓረስቶት ስለዝነበሩ ምስ ከብትን ዒባን'ዩ ዓብዩ።ከብቶም ክወልዳ እንከለዋ'ውን ንኣቦኡ ይሕግዞ፤ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከለዉ ዝሞቱ ምራኹት ኣብ ምውጻእ'ውን ብኣካል ይተሓጋገዝ ነይሩ'ዩ።

እዚ ዝዀነ ነገር ንኸይፍንፍን ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

ወዲ 16 ዓመት ምስ በጽሐ'ዩ ትምህርቲ ኣቋሪጹ፤ ኣብ ከምዚ እዋን'ዩ መስኮት ምጽራይ ዝተተሓሓዞ።

እቲ ብወዝቢ ዝጀመሮ ስራሕ ከኣ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ዝሰርሕ ዝነበረ ሕጂ ግን ኣብ ሰሙን ካብ 50 ክሳብ 100 ጠለባት ስራሕ ኣለዎ።

ፖሊስ ከይተረፉ ገበን ኣብ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ንኸጽርን ንቅምሶ ዝኸውን ነገራት ክእክበሎምን ክጠልብዎ ጀሚሮም።

ቤን ኣብ ስርሑ ዝተፈላለየ መጸራረዪ'ዩ ዝጥቀም፤ ቀንዲ ግን ፈሳስን ደረቕን መጽረይን ውዑይ ማይን ይጥቐም።

ንሱ፡ በቲ ብዝህቦ ኣገልግሎት ዳርጋ ኣብ ዌልስ ፍሉጥ'ዩ፤ ካብ ውልቀ ሰባት ክሳብ ትካላት መንግስቲ እዮም ዝጠልብዎ።

ቤን ክሳብ ሕጂ 3500 ሰባት ኣሰልጢኑ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩሎም ኣሎ።

እንተዀነ እቲ ስራሕ ኵሉ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ከምዘይኰነ ኣይሓብአን።

ገለ ገለ ኣብ ስራሕ ዘጓንፍዎ ነገራት ፈጺሞም ካብ ኣእምሮኡ ከምዘይሕከኹ'ውን ይሕብር።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብሻፍሻፎ ከትኪቱ ኣብ ገዛ ዓጽይዋ ተሰዊሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ከኣ ጐረባብቲ ረኺቦማ ናብ ሆስፒታል እናተወሰደት እንከላ ሞይታ።

"ኣነ ኣብ ህይወተይ ከምኡ ዓይነት ገበን ኣጓኒፍኒ ኣይፈልጥን'ዩ፤ ምስ ክልተ ክኢላታት ናብቲ ገዛ ከነጽሪ ምስ ከድና እቲ ገዛ ፈቐድኡ'ዩ ብደም ተጸያይቑ ጸኒሑና። እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ብዓልቲ ቤቱ ክሳብ ክንድዚ ክጭንክን እንታይ ከምዝደረኾ ክርድኣኒ ኣይክእልን'ዩ፡" ብምባል ይዝክር።

ካልእ ብገዛእ ከልቡ ዝተበልዐ ቈልዓ ንምልዓል ኣብ ዝኸደሉ ዝርኣዮ ነገር'ውን እቲ ካልእ ካብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ነገር ምዃኑ ይሕብር።

ነቲ ኣብ ስራሕ ዘጓንፎ ከበድቲ ትርኢታት ንምርሳዕ ከኣ ናብ ገማግም ባሕሪ ከይዱ ይዘናጋዕ፤ ጎልፍ ይጻወት ከምኡ ከኣ ምስተን ዘለዋኦ ፍሉያት ዓሌታት ስታላ ግዜኡ የሕልፍ።

ቤን ነቲ ዘጓንፎ ጸቕጥታት ኣብ ምፍኳስ ብዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ዓቢ ግደ ከምዘለዎም ይሕብር።

ቤን ኣብ ታሪኽ ህይወቱን መዓልታዊ ተጓንፎታቱን እተዘንቱ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ኣሎ።

"ኵሎም እቶም ስምዒታተይ ክገልጾም ፈቲነ ኣለኹ፤ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ስምዒታት ይፍውሰለይ'ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ግን ግድን ክብሎን ከውጽኦን ኣለኒ፡" ኢሉ።

"ኣብ ኣእምሮይ ዘቐመጥክዎ ኣርእስታት ነይሩ'ዩ፣ ብዛዕባኡ ከኣ ክጽዕፍ ፈቲነ፡ እናነባዕኩ'የ ዝጽሕፎ ነይረ።"

"ኣብ ዝስራሕ ዘጋጥመካ ጭንቀት ናብ ገዛ ሒዝካዮ ክትመጽእ ንቡር'ዩ፣ ኣብ ዙርያይ ብኣይ ዝግደሱን ዘፍቅሩንን ስለዝነበሩኒ ግን ክኢለዮን ተሓጊዘን'የ፡" ይብል ቤን።