እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንምንታይ'ዮም ባዕዳውያን ፍጡራት ዘለዉ፡ ንምንታይከ ዘይርኣዩና?
ሓደ ሓደ ግዜ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ መጋህለል ዝዀነ ሰማይን ኮዋኽብትን እናኣማዕደና፡ ብሓቂ ንሕና ጥራይ ዲና ኣብዚ ኣድማስ ዘለና ኢልና ንነብስና ንሓትት ኢና።
ምናልናት ንሕና ጥራይ ዘይክንከውን ንኽእል ኢና።
እዛ ንነብረላ ምድሪ ምስቲ ኵሉ ኣድማስ ክትነጻጸር እንከላ ኣብ ማእከል ቢልዮናት እትርከብ ሓንቲ ንጣብ'ያ፣ እዚ እንተዀይኑ ደኣ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵሉ ክፋላት ንሕና ጥራይ ህይወታውያን ንኸውን?
ስለዚ፡ ብዛዕባ ካብዚ ምድሪ ወጻኢ ክህልዉ ዝኽእሉ ፍጡራት እንታይ ኢና ንፈልጥ?
ክኢላታት'ውን ዋላ ደኣ መርትዖ ኣየቕርቡ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ዝመጽኡ ባዕዳውያን ፍጡራን ከም ዘለዉ ግን ደምዲሞም'ዮም።
ኣስታት 200 ቢልዮን ጋላክሲ ዝሓቘፎ ብኣጸዋውዓ ተመራመርቲ ሚልኪወይጋላክሲ'ዩ ዝበሃል።
ሓደ ጋላክሲ ከኣ 300 ቢልዮን ዝኸውን ኮዋኽብቲ ዝሓቍፍ'ዩ።
ጸሓይ ከኣ እታ ቀንዲ ምንጪ ናይዛ ዓለምና'ያ።
ተመራመርቲ፡ ብቐጻሊ ኣብ ዙርያ እዘን ኮዋኽብቲ ዝዞራ ፕላኔታት ይረክቡ ኣለዉ።
ተመራማሪት ማጊ ኣንድሪን ፖኮክ፡ "ሕጂ ስቕ ኢልና ከም ተኽእሎታት ንገልጾ ኣለና፣ እንተዀነ፡ ኣዚና ርግጸኛታት ኢና ካልኦት ህይወታውያን ኣለዉ፡" ትብል።
እዚ ሕጂ ዘለና ቴክኖሎጂ ነዘን በብግዜኡ ዝርከባ ዘለዋ ፕላኔታት ንኽንርእየን ዘኽእል'ዩ።
ተመራመርቲ ብሓገዝ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ኣብ ዙርያ እዘን ሓደስቲ ፕላኔታት ዘሎ ከሚካላዊ ውህደት ክርድእዎ ይኽእሉ ኣለዉ።
ኣብ ዙርያ ናይ ገለ ሓደስቲ ፕላኔታት ዘሎ ከሚካላዊ ውህደት ከኣ ምስዛ ንነብራ ዘለና ዓለም ኣዝዩ ዝመሳሰል'ዩ።
ስለዚ፡ ኣብቲ ቦታ ልክዕ ከማና ባዕዳውያን ፍጡራን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ናብ ጥቓ ርግጸኛታ ምዃን ዝቐረበ ግምት'ዩ ዘሎ።
ካብዚ ንነብረሉ ኣሽሓት 'ላይት ይር' (ንምርድኡ ክቐለልና ሓደ ላይት ይር - 9461000000000 ኪሎሜተር'ዩ።)
እቲ ዝርአ ዘሎ ምልክታት ከኣ ተስፋ ዝህብ'ዩ።
ፕሮፌሰር ኣስትሮፍዚክስ ቲም ኦ-ብርያን ካብ ዩኒቨርስቲ ማንቸስተር፡ "ክሳዕ ሕጂ ኣማኢት ህይወታውያን ክህልውወን ዝኽእሉ ፕላኔታት ኣለሊና ኣለና፣ ዳርጋ ርግጸኛታት ኢና። ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመት ህይወት ከም ዘለዋ መርትዖ ክንረኽበላ እንኽእል ፕላኔት ክንረክብ ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ካልእ ነዞም ተመራመርቲ ንምርምሮም ኣዕሚቘም ክቕጽልዎ ተተባብዖም ዘላ እዛ ዓለምና'ያ።
ኣብዛ ዓለም፡ ጸሓይ ብርሃን ፈጺሙ ኣይኣትዎን'ዩ፣ ከምኡ'ውን ህይወታውያን ፈጺሞም ክነብርሉ ኣይክእሉን'ዮም ኣብ ዝተባህለ ገለ ዓሞቝቲ ክፋላት ውቅያኖስ ህይወታውያን ክረኽቡ ስለ ዝኸኣሉ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዓለም ካብ ጸሓይ ኣብ ዝመችአ ራሕቒ ስለ ትርከብ ተመጣጣኒ ብርሃንን ምቘትን'ያ ትረክብ፣ ስለዚ፡ ኣብዛ ዓለም ጥራይ'ዮም ህይወታውያን ዘለዉ ዝብል እምነት'ዩ ነይሩ።
ደቂ-ሰብ ድሒሮም ከም ወርሒ ዝኣመሰላ ህይወታውያን ክነብሩለን ተኽእሎ ከም ዘሎ ከለልዩ ክኢሎም።
ተመራመርቲ ክሳዕ ሕጂ ብዘካየድዎ ዘለዎ ምርምራት፡ ኣብ ካልእ ፕላኔታት ህይወታውያን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ኳ ናብ ሓቂ ዝቐረበ እምነት እንተ'ለዎም፡ በዚ ዛጊት ዘሎ ቴክኖሎጂ ግን ነቲ እንታይ ዓይነት ህይወታውያን ዝብል ሕቶ ክምልሱ ከም ዘይክእሉ'ዮም ዝገልጹ።
ቲም ኦ-ብርያን፡ "ብርግጽ ዓለም ንህይወታውያን እታ ዝመቸአት'ያ፣ ካብ ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ኣትሒዞም ባክተርያ ይነብሩላ ከም ዝነበሩ'ውን ጭብጢ ኣሎ፡" ኢሉ።
ብዝተፈላየ ኣጋጣሚታት ከኣ ካብ ሓደ ዋህዮ ንላዕሊ ዘለዎም ህይወታውያን ክፍጠሩ ክኢሎም።
ዓለምና ኣብዚ እዋን ምስ ባዕዳውያን ፍጡራት (Aliens) ክትራኸብ እንተዀይና ብቴክኖሎጂ ኣዝያ ክትምዕብል ከም ዘለዋ እዞም ክኢላታት ይገልጹ።
ናብ ዓለም ዝበጽሑ ፍጡራን ክንጽበ ንኽእል ዲና?
ኣብዚ ኣድማስ ባይንና እንተ ዘይኴንና ደኣ፡ ካብ ካልእ ፕላኔታት ናብዛ ዓለም ዝመጽኡ ባዕዳውያን ፍጡራን ክንጽበ ንኽእል ዲና? እቲ መልሲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ።
ዝዀነ ዓይነት ህይወታዊ ክሳብ ብዓይንና እንርእየን ከዋኽብቲ ንዘሎ ርሕቀት በጺሑ ከም ዘይፈልጥ ንምእማን ኣጸጋሚ እዩ። ስለ ዘይረኣና ግን ደሓን ኣይተፈጸመን'ሞ ንበል፡ ስለምንታይከ እዚ ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈጸመ?
ዶክተር ማጊ ኣድሪን፡ "እቲ ጸገም ብዛዕባ ህይወታውያን ኣብነት ክትኰነና እትኽእል ሓንቲ ፕላኔት'ያ ዘላ- እዛ ንነብረላ ዘለና ፕላኔት፡" ትብል።
ካበዚ ተበጊስና ባዕዳውያን ህይወታውያን ኣብ ከምዛ ዓለምና ኵነታት ኣየር ዘለዋ ጥራይ'ዮም ዝነብሩ ክንብል የብልናን ትብል - እዛ ክኢላ።
"ኣዝዩ ናህሪ ዘለዎ ዑደት ኣብ ዘለዋ ኮኾብ ትነብር እንተሃሊኻ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ክትነብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ግን ኣብታ ኮኾብ ህይወት የሎን ማለት ኣይኰነን፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ትነብር ስለ ዘለኻ ግን ነቲ ካልእ ዓለም ምልክት ህይወት ዘይክትህብ ትኽእል ኢኻ፡" ትብል ዶክተር ማጊ ኣድሪን።
ተመራመርቲ፡ ኣብዛ ዓለም ህይወታውያን ከም ዘለዋ ዝሕብር መልእኽቲ ምስ እንሰድድ፡ ኣሽሓት ወይ ሚልዮናት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
እቲ ካልእ ግምት ሓደ ዓይነት ስነፍልጠታዊ ቋንቋ ስለ ዘየማዕበልና'ውን ንሓድሕድና ንሳደዶ ዘለና መልእኽቲ ዘይክሰማማዕ ከም ዝኽእል ገለ ተመራመርቲ ግምቶም የቐምጡ።
ፕሮፌሰር ኦ-ብርያን ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ "ካብ 1960 ኣትሒዝና ካብ ካልእ ርሑቕ ቦታ ዝፍኖ ድምጺ ወይ ምልእኽቲ እንተሃለወ ራድዮ ተለስኮፕ ኢና ንጥቐም፣ እንተዀነ ኣብ ካልእ ቦታ ህይወታውያን እንተ'ልዮም ምልክታት ክትሰምዓሉ እትኽእል ካልእ ኣገባባት'ውን ኣሎ፡" ይብል።
እቲ ክኢላ ቀጺሉ፡ "ዋላ ምስቶም ኣብ ካልእ ዓለማት ኣለዉ እንብሎ ህይወታውያን ተመሳሳሊ ኣገባብን ተመሳሳሊ ዌቭሌንግዝን ንጠቐም፡ ንሕና ዝሰደድናዮ ናብኦም ክበጽሕ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ራሕቒ ኣሽሓት ዓመታት ክወስደሉ ይኽእል'ዩ። ካብዚ መልሲ ክሳዕ ዝበጽሖም ከኣ ተመሳሳሊ።"
ከምዚ ኣብዚ ምዕቡል ናይ ኢንተርነት እዋን ካብን ናብን ጫፍ ዓለም ደብዳበ ብሰብ ምልእኣኽ ዘይከኣል'ዩ ዝመስል። እዚ'ውን ከምኡ'ዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዝተደኰነ 'ብሬክስሩ ሊስን' ኣብ ዝተሰመየ ማእከል፡ ሓያለ ተመራመርቲ ኣብ ጥቓና ኣብ ዝርከባ ኮዋኽብቲ ህይወታውያን እንተ'ልዮም ኣብ ምጽንጻን ተጸሚዶም ኣለዉ።
በዚ ሕጂ ዘሎ ቴክኖሎጂ ካብ 25,000 ላይት ይር ካብ ዘላ ፕላኔት ዝተለኣኸ መልእኽቲ ናባና ክበጽሕ 25፣000 ዓመታት'ዩ ክወስደሉ። ስለዚ፡ ኣብኡ ኣልያን (ባዕዳውያን ፍጡራን) እንተ'ልዮም ናብዚ ክበጽሕ ኣሽሓት ዓመታት'ዩ ክወስደሉ።
ነዊሕ መንገዲ. . .
ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ ኴንና ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ህይወት ኣሎ ድዩ ኢልና ክንፈልጠሉ እንኽእለሉ ባይታን ቴክኖሎጅን የብልናን።
ማዕረ ፍጥነት ናይ ብርሃን ዝውንጨፍ ማዕበል ናይ ድግምጋም ክንሰድድ ንኽእል ኢና፣ እዚ ማዕበል ናይ ራድዮ ኣብ ዝዀነ ጋዝ ዘይብሉ (ቫክዮም ስፔስ) እዩ ክጓዓዝ ዝኽእል።
ናብቲ ህይወት ክህልዎ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ዝግመት'ውን ካብ ዓለም መንኮርኮራት ንምስዳድ ኣዝዩ በዳሂ'ዩ።
ንሕና ነዚ ክንገብሮ እንተ ዘይክኢልናን እቶም ኣብ ካልእ ፕላኔታት ኣለዉ እንብሎም ህይታውያን ነዚ ክገብርዎ እንተ ዘይክኢሎምን ከኣ ክንራኸብ ዘሎ ተኽእሎ የጽብቦ፣ ወይ ንሶም ናብዛ ዓለምና ክበጽሕሉ ዝኽእሉ ቴክኖሎጂ ሃልይዎም ግን ናባና ናይ ምምጻእ ድሌት እንተ ዘይሃልዩዎም'ውን ብተመሳሳሊ ዘይክንራኸብ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብዛ ዓለም ህይወታወያን ክነብሩ ካብ ዝጅመሩ 3.5 ቢልዮን ዓመት ከም ዝገበሩ'ዩ ዝግመት፡ ሰብ ግን ኣብዛ ዓለም ካብ ቅድሚ 300,000 ዓመታት ኣትሒዙ'ዩ ክነብር ጀሚሩ።
ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሰብ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዘኻዕበቶ ምዕባለ ድሩት'ዩ።
ባዕዳውያን ፍጡራን ቅድሚ ሕጂ ናብዛ ዓለምና በጺሖም ዝፈልጡ እንተዀይኖም ብርግጽ ኣይንፈልጥን ኢና።
ቍሩብ ርግጸኛታት እንዀነሉ፡ ደቂብት ነዛ ዓለም ምሉእ ንምሉእ ክቈጻጸርዎ ካብ ዝጅምሩ ግን ኣይመጽኡን ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም።
ስለዚ፡ ምናልባት ዳይኖሰር ኣብ ዘመነ ጁራሲክ ባዕዳውያን ፍጡራት ኣአንጊዶም ነይሮም ይዀኑ፣ ወይ'ውን ፈጺምና ኣይክንፈልጥን ንኸውን።