እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣድማስ ንምንታይ ተፈጥረ? ተመራመርቲ ምስጢሩ ንምእላሽ ይቀዳደሙ
ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ሳውዝ ዳኮታ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብዕምብረ ዝተዋሕጠ ዱር ዝተደኰነ ሕቡእ ቤተ-ፈተነ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምላሽ ሓደ ዓብይ ሕቶ ይእልሹ ኣለዉ። ኣድማስ (ዩኒቨርስ) ንምንታይ ሃልዩ ወይ ድማ ተፈጢሩ?
ነዚ መልሲ ንምርካብን ቀዳሞት ንምዃንን ድማ፡ ምስቶም ብዙሓት ዓመታት ኣቐዲሞም ኣብ ኣለሻ መልሲ ዝጸንሑ ጃፓናውያን ንምቕዳም ይነሓንሑ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ዘለዉ ክልሰሓሳባት ስነከዋኽብቲ፡ ፕላነታት (ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝዘሩ ሰማያውያን ኣካላት)፣ ከዋኽብቲን ጋላክሲታትን ንምንታይ ከም ዝሃለዉ ወይ ከም ዝተፈጠሩ ከብርሁ ኣይክእሉን።
ክልቲኦም ጕጅለታት (ተመራመርቲ ሳውዝ ዳኮታን ጃፓናውያንን)፡ ነዚ ገዚፍ ሕቶ ንምምላስ ብምትስፋው፡ ኒውትሪኖ (ትሕቲ ኣቶማዊ ግዛዕ) ዘጽንዑ ሃወስቲ ይሃንጹ ኣለዉ።
ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እቲ ምላሽ ኣብ ትሕቲ መሬት እቲ ኒውትሪኖታት ንምጽናዕ ዓሊሙ ዝተነደፈ ዓብይ ዓለምለኻዊ ቤተ ፈተነ - ዱን (ብኣመሪካውያን ዝምራሕ ተመራመርቲ 30 ሃገራት ዝሳተፍሉ ፕሮጀክት) ከም ዝርከብ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።
እቶም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ 1500 ሜትሮ ርሕቐት ናብ ዝርከቡ ሰለስተ ገዘፍቲ በዓትታት ትሕተ መሬት ኣትዮም። ሰራሕተኛታት ህንጻን ቡልዶዘራቶምን ናብቶም ገዘፍቲ በዓትታት መሬት ኣብ ዝኣተውሉ፡ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሑ ንኣሽቱ ኣሻንጉሊት እዮም ዝመስሉ፣ ኣዝዮም ንኣሽቱ ግዛዓት።
ዳይረክተር ሳይንስ ፕሮጀክት ዱን ዶክተር ጃሬት ሂየስ፡ ነቶም ገዘፍቲ በዓትታት "ካቴድራላት ሳይንስ" ብምባል እዩ ዝገልጾም።
ዶክተር ሂየስ፡ ኣብ ህንጸት እዞም በዓትታት ንኣስታት 10 ዓመታት ተሳቲፉ እዩ። ንዱን ካብቲ ላዕለዋይ ዓለም ዋዕዋዕታን ጨረራትን ከም ዘይኣትዎ ገይሮም ረጊጦምዎ ኣለዉ። ሕጂ ምዳ ዱን ንዝቕጽል መድረኽ ድሉው ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ዳይሬክተር፡ "ንምንታይ ሃሊና ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ሃንቀውታ ምስ ዘለዎም 1500 ተመራመርቲ ብምትሕብባር፡ ንናይ ኣድማስ ርድኢትና ዝቕይር ሃዋሲ ንምህናጽ ድሉዋት ኢና" ይብል።
ኣድማስ ክፍጠር እንከሎ ክልተ ነገራት'ውን ተፈጢሮም፣ ግዛዕ (ከም ፕሮቶን ወይ ኤሌክትሮን ዝኣመሰሉ ግዛዕ)_ ካብ ከዋኽብቲ፡ ፕላነታትን ኵሎም ኣብ ጥቓና ዝርከቡን ተፈጢሮም - ብማዕረ ብዝሒ፡ ጸረ-ግዛዕን (ኣብ ዩኒቨርስ ብብዝሒ ዘይንርእዮም) ተጻረርትን።
ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ ክልቲኦም (ግዛዕን ጸረ-ግዛዕን) ክደማሰሱ (ክተኣላለዩ) ነይርዎም፤ ካብ ዓብይ ምፍንጃር ወጻኢ፡ ዝገድፍዎ ነገር ኣይህሉን። እሞ፡ ንሕና'ውን ከም ንጥረ ነገር ኣለና።
ተመራመርቲ ግዛዕ (matter) ንምንታይ ስዒሩ (ንምንታይ ግዛዕ ካብ ጸረ-ግዛዕ ብዝሒ ሃልዩ? ንምንታይ ከ ተፈጢርና (ሃሊና)? ዝብል ንምርዳእ፡ ኒውትሪኖ ዝበሃል ባእታ ከጽንዑ ግድን ኰይኑ።
እዚ ዘይሚዛናውነት ዝወለዶ (ግዛዕ ካብ ጸረ-ግዛዕ ምዕባዩ)፡ ከዋኽብቲ፡ ፕላነታትን ህይወትን ንኽፍጠር ደሪኹ።
ካብቲ ኣብ ትሕተ መሬት ኢሊኖይ ድማ፡ ናብቶም ኣብ ሳውዝ ዳኮታ 800 ማይልስ ርሕቐት ዝርከቡ ሃወስቲ፡ ካብ ትሕተ ኣቶማዊ ዝተሰርሑ ነገራት (ኒውትሮናትን ጸረ-ኒውትሮናትን) ከወንጭፉ እዮም።
ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኒውትሪኖታትን ጸረ-ኒውትሪኖታትን፡ ካብ ኢሊኖይ ናብ ሳውዝ ዳኮታ እናተጓዓዙ እንከለዉ ቅሩብ ስለ ዝቕየሩ እዩ።
እዞም ተመራመቲ ስነ ፍልጠት ድማ፡ እቶም ለውጥታት፡ ነቶም ኒውትሪኖታትን ጸረ-ኒውትሪኖታትን ዝተፈላለዩ እንተዀይኖም ከጽንዑ ይደልዩ። ዝተፈላለዩ እንተድኣ ዀይኖም፡ግዛዕን ጸረ-ግዛዕን ኣብ ሓደ ኣብ ዝራኸብሉ እዋን፡ ንምንታይ ነንባዕሎም ዘይተጠፋፍኡ ወይ ዘይተኣለለዩ ንዝብል ሕቶ ናብ ምምላስ ክመርሖም እዩ።
ፕሮጀክት ዱን ካብ 30 ሃገራት ዝመጹ 1400 ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝሳተፍሉ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር እዩ። ዶክተር ኬት ሻው ካብ ዩኒቨርሲቲ ሱሴክስ ካብቶም ተመራመርቲ ክትከውን እንከላ፡ ካብቲ ኣብ መሰርሕ ዘሎ ፈተነ ዝርከቡ ርኽበታት፡ ብጠቕላላ ብዛዕባ ኣድማስ ኮነ ወድሰብ ንዘሎ ግንዛበ "ከም ዝልውጦ" ተብርህ።
ዶክተር ሻው፡ "ነዞም ገዘፍቲ ሕቶታት ንምምላስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስና፡ ክእለታት ሶፍትዌር ኮምፒዩተርን ተዓጢቕና ኣብዚ ምህላውና ብጣዕሚ ዘሕጉስ እዩ" ትብል።
ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ካብ ማእከል ምርምር ዱን ርሒቘም ዝርከቡ ጃፓናውያን ድማ፡ ነዞም ገዘፍቲ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ወርቃዊ ቅርጺ ዓለማት (ግሎባት) ይጥቀሙ ኣለዉ። እዚ ቤተ ፈተነ፡ ቤተመቕደስ ሳይንስ እዩ ዝመስል። እዞም ኣብዚ ደምበ ዝዓረዱ ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ካብቲ ሕጂ ዘሎ 'ሱፐር ኬ' ዝበሃል ሃዋሲ፡ ዝያዳ ዝተመሓየሸን ዝዓበየን 'ሃይፐር ኬ' ዝበሃል ሓድሽ ሃዋሲ ኒውትሪኖ ይሰርሑ ኣለዉ።
እዚ ብጃፓናውያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝምራሕ ጕጅለ፡ ካብቲ ናይ ኣመሪካውያን ፕሮጀክት ብብዙሕ ዓመታት ቀዲሞም፡ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ንፈተነታት ኒውትሪኖ ዘፍርን ዝመርሕን ስርዓት ንምንቅስቃስ ድሉዋት ክዀኑ እዮም። ከም ዱን፡ ሃይፐር ኬ'ውን፡ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እዩ።
ዶክተር ማርክ ስኮት ካብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን፡ ጕጅለኡ፡ ኣፈጣጥራ ኣድማስ ዝምልስ ሓድሽ ርኽበት ኣብ ጫፍ ንምብጻሕ፡ ነቲ ሳይንሳዊ ዓለማዊ ጻዕሪ ይመርሕ ከም ዘሎ ይኣምን።
እቲ ተመራማሪ፡ " ኣቐዲምና ክነንቀሳቕሶ ኢና (ንዋሕዚ ኒውትሪኖታት)፣ ዓብይ ሃዋሲ ድማ ኣለና። ስለዚ ካብ ዱን ኣቐዲምና ነቲ ወሳኒ ዝዀነ ኣብ ኒውትሪኖታት ዝፍጠር ለውጢ ክንከሽፎ ንኽእል ኢና" ይብል።
ዶክተር ማርክ ስኮት፡ ጃፓናዊ ሃይፐር ኬን ኣመሪካዊ ዱንን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምንቅስቃሶም፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝረኽብዎም ውጽኢታት ንምንጽጻር፣ ርኽበታት ንምርግጋጽን ሓበሬታታት ትኽክል ምዃኑ ንምርግጋጽን ከም ዘኽእል እኳ እንተኣመነ፡ ጕጅለኡ ኣቐዲሙ ነቲ ገዚፍ ርኽበት ክበጽሖ ይደሊ።
ንኣመሪካ ፕሮጀክት ዱን ትሰርሕ ተመራማሪት ዶክተር ሊንዳ ክሬሞነሲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኲን ሜሪ ግና፡ ኣብቲ ርኽበት መን ቀዲሙ መለሰ ዝብል ነቲ ብጃፓን ዝምራሕ ጕጅለ፡ ብዙሕ ከምዘየገድሶ ትገልጽ።
ዶክተር ሊንዳ፡ " ምንሕናሕ ኣሎ፣ ግን ሃይፐር ኬ ኒውትሪኖታትን ጸረ ኒውትሪኖታትን ኣብቲ ዝድለ ርኽበት ንምብጻሕ ወሰንቲ ዝዀኑ ክፍለ ኣካላት ይጐድሎም እዩ" ትብል።
እዚ ኣብ መንጎ ብጃፓን ኣመሪካን ዝምርሑ ዓበይቲ ጕጅለታት ምርምር፡ ብዛዕባ መበቆል ኣድማስ ንምፍላጥ ዝካየድ ንሕንሕ ክቕጽል ይኽእል እዩ። እቶም ቀዳሞት ውጽኢታት ግና፡ ኣብ ሒደት ዓመታት ክቃልሑ ትጽቢት ይግበር። ቅድሚ ምፍጣርና እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰ ምስጢር ኰይኑ ክጸንሕ እዩ።