ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ዓይኒ-ምድሪ እንታይ ትፈልጡ?

ንብዙሓት ሰባት ፍሉያት ሓሳባት ዝመጽኣሎም ኣቦይ ቦታ ክዀኑ ከለዉ ይመስለኩም?

ኣብ ዓይኒ-ምድሪ (ሽቓቕ) እንተ ኢልኩም ኣይተጋገኹምን።

ሰባት ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ዘሕልፍወን ናይ ብሕትውና ህሞታት፡ ኣዝዩ መሰረታዊ መስርሕ ኣካላትና፡ ወትሩ ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ ታሪኽ ናይዚ መሰረታዊ መስርሕ ኣካላትና እንፍጽመሉ ቦታ ግን ሓሲብኩም ትፈልጡዶ?

ታሪኽ ኣመጻጽኣ ዓይኒ-ምድሪ ካብቲ ንሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ከባቢ 3100 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዓይኒ-ምድሪ ምስራሕ ከም ደረጃ ሃብቲ ይርአ ነይሩ።

ሃብታማት ኣብ እምኒ ኖራ ተቐሚጦም የካይዱ፤ እቲ ድኻ ድማ ነዃል ኣብ ዘለዎ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ዓይኒ-ምድሪ ይጥቀም።

ደረጃ ሃብቲ ብዘየገድስ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ዓይኒ-ምድሪ፡ ቀልቀል መአከቢ ብሑጻ ዝተመልአ ጕድጓድ ነበረ።

ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ መበል 26 ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ሞሄንጆ-ዳሮ ፓኪስታን እዩ ተጀሚሩ።

ዝያዳ ዘበናዊ ኰይኑ ዝተረኣየ ድማ ኣብ ከባቢ 2000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ ነይሩ።

ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነበሩ ሚኖኣውያን መድፍኢ ማይ ዘለዎ ዓይኒ-ምድሪ ይጥቀሙ ነይሮም።

ኣብ ከባቢ 800 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ድማ ሮማውያን ኣብ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ጡጥ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ገይሮም።

ኣብዘን ህዝባውያን ዓይኒ-ምድሪ ብርክት ዝበሉ ደቂ ተባዕትዮ ደገ ክወጽኡ ምርኣይ ልሙድ እዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ሮማውያን ናይ መሐበሲ ወረቐት (ሶፍት) ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ በትሪ ዝተጠቕለለ ስፖንጅ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

ኣብ እዋን ማእከላይ ዘመን፡ ሰባት ጓሓፍ ንምውጋድ ወሓዝቲ ሩባታት ይጥቀሙ ነበሩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ደሓር ጓሓፍ ንምእላይ ክብሉ ንምዅዓት ከይግደዱ ብዝብል እዩ።

ኣብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ኣብ ሃምፕሻየር ኣብ ህንጻ (ፖርትቸስተር) ዝነብሩ መነኮሳት፡ ናብ ባሕሪ ዝወርድ መትረብ ብእምኒ ሃኒጾም። ማዕበል እቲ ባሕሪ ነቲ ጓሓፍ ካብቲ መሬቶም ኣርሒቑ ይወስዶ ነይሩ።

ካብ ዕንጸይትን እምንን እውን ዓይኒ-ምድሪታት ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ሩባታት ይህነጹ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዝነበረ ፍልልይ ኣዝዩ ገፊሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ህንጻ (castle) ክነብር ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ዓይኒ-ምድሪ ክውንን እውን ተኽእሎ ነይርዎ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክፍሊ ባኞ (መሕጸብ ሰብነት) እንብሎ ሰረት ዘንበረ እዩ።

ብድሕሪ'ዚ ዋላ'ኳ ቴክኖሎጂ እንተ ማዕበለ፡ ሽዑ'ውን እንተዀነ እቲ ተራ ህዝቢ ኣብ መንበሪኡ ዓይኒ-ምድሪ ክህልዎ ገና ኣይተለምደን ነይሩ።

ኣብ 1596 ሰር ጆን ሃሪንግተን መድፍኢ ማይ ዘለዎ ዓይኒ-ምድሪ ብምምዕባል ዋንነት ምህዞ ረኺቡ።

እዚ ዓይነት ዓይኒ-ምድሪ ግን ክሳብ ኣዝዩ ድሒሩ ተፈታዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣብ መወዳእታ 1800ታት፡ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ከባቢታት ብሪጣንያ ዝነበሩ ብዙሓት ኣባይቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ደገ ዓይኒ-ምድሪ ዝተሃነጸሎም ነይሮም።

ደረጃ መነባብሮ ብዘየገድስ ናይ ውሽጢ ገዛ ሽቓቕ ልሙድ ክኸውን ዝኸኣለ ግን መበል 20 ክፍለ ዘመን ምስ ኣተወ'ዩ።

ኣብ ገጠራት ከባቢ ግን ሰራሕተኛታት ጽገና ስለ ዘይነበሩ፡ ነበርቲ ኣብ ደገ ኣብ ዝህነጽ ንእሽቶ ዓይኒ-ምድሪ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። እቲ ተጠቃሚ ድማ ደገ ወጺኡ ምስ ወድአ፡ ሓመድ የፍስሰሉ።

እዚ ዓይነት ዓይኒ-ምድሪ ሕጽረት ማይ ዘጋጥሞም ምእመናን ጽሩይን ጥዑይን ገዛውቲ ንኽህልዎም ብዝተወፈየ ቀሺ ሄንሪ ሞውል ኣብ 1860 ዝተማህዘ እዩ።

ጽሬት ሰባት ንምርግጋጽ ብዙሕ ግዜ ዝወሰደ'ኳ እንተዀነ፡ ዓይኒ-ምድሪን ጽሩይ ማይን ከም ድሌትካ ዘይርከበሉ ክፋላት ዓለም ግን ክሳብ ሎሚ ኣሎ።

ዓለማዊ መዓልቲ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 19 ሕዳር ይካየድ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም 2.5 ቢልዮን ሰባት ገና ግቡእ ጽሬት ከም ዘይረኽቡ ይጠቅስ። ብሰንኪ እዚ ክመሓላለፉ ካብ ዝኽእሉ ሕማማት ድማ ነጻ ከም ዘይኰኑ ይኣምን።

ኣብ 2019 ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ልዑል ብኽነት መጠን ማይ ዓለምና ከድሕን ዝኽእል ኣዝዩ ልሙጽ (መንደልሕጾ) ባዞ ዓይኒ-ምድሪ ከም ዝመሃዙ ምፍላጦም ይዝከር።

እዚ ድማ ነቲ ባዞ ዓይኒ-ምድሪ ምስተጠቐምና ንኽዕዎ ማይ ብ90 ሚእታዊት ክንክይ ዘኽእል ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ባዞ ዓይኒ-ምድሪ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ባክተርያታት ንምጥፋእን ጨና ከይፍጠር ንምግባርን እውን ዝሕግዝ'ዩ።

ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ክነልዕል እንከለና፡ ጃፓን ኣብ ቴክኖሎጂ ዓይኒ-ምድሪ ወሳኒ ኣበርክቶ ዘለዋ ሃገር ምዃና ይጥቀስ።

ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ብቝሩብ ሳንቲም ውዑይ መቐመጢ፡ ጥዑም ጨናታትን መቈጻጸርን ኣብ ዘለዎ ዓይኒ-ምድሪ ተፈጥሮኣዊ ግዴታኦም ክፍጽሙ ይኽእሉ።

ብተወሳኺ፡ መጠን ማይ ከመዓራርዩን ሙዚቃ ከይተረፈ ክሰምዑን ይኽእሉ።

እቲ ሙዚቃ፡ ግዴታኦም ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን፡ ከምልጥ ንዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ድምጺ ንምውሓጥ ዝሕግዝ እዩ።