ዓይነ ስዉራን ንኸንብቡ ዘኽእሎም ዘሎ ቀዳሚ ርኽበት

ገለ ዓይነ ስዉራን፡ ኣብ ድሕሪ ኣዒንቶም ዝተተኽለ መሳርሒ ተጠቒሞም ከንብቡ ብምኽኣሎም ህይወቶም ተቐይሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይኒ ሙርፊልድስ ኣብ ሓሙሽተ ሕሙማት ነቲ ማይክሮቺፕ ዝተኸለ ሓኪም፡ ውጽኢት ናይቲ ፈተነ "ዘደንቕ" ከምዝዀነ ገሊጹ።

ዓይነ ስውር፡ ጓል 70 ዓመት ሺላ ኢርቫይን፡ በዚ ሜላ ኣቢላ፡ ቃላት ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣላ "ተኣምር" ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ምስ ዕድመ ብዝተኣሳሰር ዓይነ ስውርነት ንዝገጠሞም ሰባት ተስፋ ዝህብ ኰይኑ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ዓይነ-ስውራን ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዊሱ፡ ብፍላይ ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ፡ ዓይነ-ብርሃኖም ዝሰኣኑ ብዙሓት እዮም።

እዚ ዓይነት ዕውርነት ዘለዎም ሰባት፡ በብቕሩብ ነቲ ኣብ ድሕሪት ኣዒንቶም ዝርከብ ንእሽቶ ክፋል ረቲና ስለ ዝስእኑ፡ ድብዝዝ ወይ ምዝባዕ ምርኣይ የስዕበሎም።

መብዛሕትኡ ግዜ ሕብርታት ወይ ረቂቕ ዝርዝራት ክፈልዩ ኣይክእሉን እዮም።

እዚ ሓድሽ ኣገባብ እዚ፡ 2 ሚሊሜተር ዝስፍሓታ ንእሽቶ ማይክሮቺፕ፡ ኣስታት ርጕድ ዝበለ ጸጕሪ ሰብ፡ ኣብ ድሕሪት ዓይኒ ኣብ ዝርከብ ረቲና ይትከል።

ነዚ ንምግባር ድማ፡ እቶም ፀገም ምርኣይ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ውሽጡ ቪድዮ ካሜራ ዝተቐብሮ መነጽር ይገብሩ።

እታ ካሜራ፡ ኢንፍራ-ረድ [ጨረር ብርሃን] ተጠቒማ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ዘሎ ቺፕን ኣብ ጁባ ናብ እትቕመጥ፡ ንእሽቶ ፕሮሰሰር፡ ምስሊ ብምልኣኽ ነቲ ምስሊ ንጹርን ልክዕን ይገብሮ።

ድሕሪኡ እቶም ምስልታት በታ ንእሽቶ ቺፕን ብናይ ምርኣይ ነርቭን ኣቢሎም ናብ ሓንጎል ናይቲ ሰብ ተመሊሶም ይለኣኹ፣ እዚ ድማ ርእየት ይፈጥር።

ነዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ናይ ምጥቃም ዕድል ዝተውሃቦም ቀዳሞት ዓይነ ስዉራን ሰባት፡ ነቲ ብመሳርሒታት ዝቐርበሎም ምስልታት ብኸመይ ከም ዝርድእዎ ንምምሃር ኣዋርሕ ኣሕሊፎም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ፈተነ ዝመርሐ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይኒ ሙርፊልድስ ሓኪም መጥባሕቲ ዓይኒ ማሂ ሙኪ፡ እቲ ርኽበት "ህይወት ዝቕይር ቴክኖሎጂ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እዚ ንዓይነ ስዉራን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ትርጕም ዘለዎ ነገራት ብምንባብን ምጽሓፍን ንኽሰርሑ ዘድልዮም ዕድል ኣብ ምፍጣር፡ ናይ መጀመርታ ዕዉት ስርሒት'ዩ።"

ሺላ በትሪ ትጥቀም ነይራ፡ ምኽንያቱ ድብዝዝ ስለዝብላን ዳርጋ ክትሪኦ ስለ ዘይትኽእልን እዩ።

ኣብ ደገ ክትዘውር ከላ ንጹር ምልክታት ጽርግያ'ውን ከተንብብ ኣይትኽእልን ነይራ።

ብሰንኩ፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኣ፡ ምርኣይ ብምስኣና ከምዝመለሰቶ ትዛረብ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ርእየታ ዝመለሰ ቴክኖሎጂ ካብ እትረክብ ኣትሒዛ፡ በቲ ለውጢ ሕጕስቲ'ያ።

"ሕጂ ደብዳበታትን መጻሕፍትን ከንብብን፡ ኣብ ሰደቓ ዝርዝር ቃላት ክሰርሕን እኽእል እየ" ትብል።

ሺላ ቅድሚ 30 ዓመት ኣቢላ እያ ብርሃን-ዓይና ክትስእን ጀሚራ ነይራ።

ዳግማይ ከንብብ እየ ኢልኪ ዶ ሓሲብኪ ትፈልጢ ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ "ፍጹም!" ኢላ።

"ዘገርም'ዩ። ሕጂ ሕጕስቲ ሰበይቲ እየ።ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ ናህሪ ንቕድሚት ይስጕም ኣሎ፣ ኣካል ናይዚ ምዃነይ ድማ ተሓጒሰ" ክትብል ብዛዕባ እቲ ሕክምና ኣረዲኣ።

እዚ ሕጂ ዕዉት ዝዀነ ፈተነ ናይቲ መሳርሒ ገና ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ስለዘይተፈቕደ፡ ኣብ ብርኪ ፈተነታት እዩ ዝርከብ።

ክንደይ ከም ዝኽፈሎ እውን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።

ይዅን እምበር፡ ነቲ ፈተነ ዝመርሐ ሓኪም መብጣሕቲ ዓይኒ ማሂ ሙኪ፡ "ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት" ብመንገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ንተጠቀምቲ ክቐርብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።