እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሕምልቲ ጥራሕ ምምጋብ ኣብ ግዜ ቍልዕነት ኣንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
'ቨጀተርያን' ምስ 'ቪጋን' ዝዋቕዖም ገለ ሰባት ኣለዉ፣ እንተዀነ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቀንዲ ፍልልይ ኣሎ።
ቬጀተርያን ዝዀኑ ሰባት ካብ ስጋ ተቘጢቦም ከም ጸባን እንቋቝሖን ዝኣመሰሉ ዝምገቡ እዮም። እቶም ቪጋን ዝዀኑ ግን ኵሉ ፍርያት እንስሳታት፡ እንተላይ ስጋ፡ ጸባ፡ እንቋቝሖን መዓርን ምምጋብ የወግዱ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቍጽሪ ቪጋን ኣመጋግባ ዝኽተሉ ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመጋግባ ረብሓታት ከም ዘለዎ ዘመልክቱ መርትዖታት ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ቪጋን ኣመጋግባ ኣብ ዝኽተሉ ዕሸላት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዘጋጥመሉ ተርእዮታት ተስተውዒሎም እዮም።
እዚ ድማ ገለ ክኢላታት ቪጋን ኣመጋግባ ንህጻናትን ቈልዑን ውሑስ ኣይኰነን ክብሉ ገይርዎም ኣሎ።
ህጻናትን ቈልዑን ጥዑያት ኰይኖም ንኽዓብዩ ቪጋን ኣመጋግባ ክኽተሉ ይኽእሉ ድዮም ኣብ ዝብል ግን ክኢላታት ዝተፈላለየ ርእይቶ ይህቡ።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ኣትክልቲ ዝተመርኰሰ ኣመጋግባ ኣብ ህጻናትን ቈልዑን ዝህልዎ ጽልዋ ጥዕና ኣመልኪቱ ዝተገብረ መጽናዕቲ ውሑድ እዩ።
እዚ ግን ኣብ መወዳእታ ክቕየር ጀሚሩ ኣሎ፣ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ መጽናዕትታት ድማ ሓዱሽ ርድኢት የቕርቡ ኣለዉ።
ስለዚ፡ ስነፍልጠት ኣመጋግባ ቪጋን ኣብ ህጻናትን ቈልዑን ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤናት እንታይ ይብል?
1. ኣብ ኣትክልቲ ዝተመርኰሰ ኣመጋግባ ብዙሕ ረብሓታት ጥዕና ኣለዎ
"እቶም ቀንዲ ረብሓታት ምስ ጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ዝተኣሳሰሩ እዮም፡" ትብል ስነፍልጠተኛን ክኢላን ኣመጋግባን ፈደሪካ ኣማቲ ካብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን።
"ኣብ ቪጋን ኣመጋግባ ዝኽተሉ ሰባት፡ 'ኤልዲኤል ኮሌስትሮል'፡ ኣብ ሻምብቆታት ዝፍጠር ምዕጋት ደም፡ ከምኡ'ውን ሓደጋ ወቕዒ ልብን ወቕዒን ከም ዝነከየ ይፍለጥ። ብተወሳኺ'ውን ጮማ-ኣልቦ እዮም፡ ስብሒ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ትሑትን'ዩ፡" ትብል።
እዚ ኣመጋግባ'ዚ ሓደጋ ከም ዓይነት 2 ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ይንኪ፣ ከምኡ'ውን ምስ ምንካይ ሓደጋ መንሽሮታት መዓንጣን መሃንቱስን'ውን ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣትክልቲ ንጥዕና ጽቡቕ ዝዀንሉ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ ካብዚኦም ብጽሕጊ ወይ 'ፋይበር' ዝሃብተሙ ምዃኖም እዩ። ጽሕጊ ወይ 'ፋይበር' 90 ሚእታዊት ሰባት ብዘድሊ መጠን ዘይንረኽቦ መኣዛ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ እንስሳታት ዝተሰርሑ መግብታት ልዑል ዝዘቕበበ ስብሒ ስለ ዝህልዎም እዩ።
ልዑል ዝዘቕበበ ስብሒ ካብ መጠን ንላዕሊ እንተ ተበሊዑ፡ ኣብ ደምና መጠን 'ሕማቕ' ኤልዲኤል ኮለስትሮል ክብርኽ ክገብርን ሓደጋ ሕማም ልቢ ክውስኽን ተኽእሎ ኣሎ።
ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ ቪጋን ኣመጋግባ እወታዊ ጐድኒ ኣልዒልና።
እዚ ድማ ሚዛናዊ ኣመጋግባ እንተ ተኸቲልና እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣመጋግባና ኣዝዩ ኣብ ኣትክልቲ ዝተደረኸ እንተዀይኑ ግን ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ።
ካብ ስጋ፡ ዓሳ፡ ጸባን እንቋቝሖን ጥራይ ወይ ብብዝሒ ዝርከቡ ቪታሚናትን ማዕድናትን እውን ንጥዕና ኣገደስቲ እዮም።
2. ቪጋን ኣመጋግባ ንሕጽረት B12 ከቃልዕ ይኽእል
ኣሕምሊ ጥራሕ ምምጋብ (ቪጋን) ካብ ዘስዕቦም ብድሆታት ሓደ እኹል ቫይታሚን ቢ12 ዘይምርካብ እዩ።
ቫይታሚን ቢ12፡ ኣብ ኣካላት እንስሳታት ብባክተርያ ዝስራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ከም ዓሳ፡ ስጋ፡ ደርሆ፡ ጸባን እንቋቍሖን ዝኣመሰሉ ፍርያት እንስሳታት ዝርከብ ኣገዳሲ መኣዛ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ቫይታሚናትን ማዕድናትን ዝበልጸገ ጸባ፡ መዓዛዊ መባዅዕቲ ዘለዎምን ኣብ መባዅዕቲ ዝምርኰሱን መግብታት ቪጋን እውን ቫታሚን ቢ12 ኣለዎም። ስለዚ፡ ቪጋን ኣመጋግባ ዝኽተሉ ሰባት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ መግብታት ወይ ድማ ብመመላእታ ኣቢሉ ካብ ዝውሰዱ ምንጭታት፡ ቫይታሚን ቢ12 ይረኽቡ ከም ዘለዎ ከረጋግጹ ኣገዳሲ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ብዙሓት ነዚ ኣመጋግባ ዝኽተሉ ሰባት ጕድለት ቫይታሚን ቢ12 ኣለዎም።
ቫይታሚን ቢ12 ኣብ ሓንጎል ንዝፍጠር ምትሕልላፍ መትኒ ኣገዳሲ እዩ። ጥዑያት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ንምፍራይ እውን የድልየና። ኣካላትና ነዚ ቫይታሚን ዓቂብዎ ክጸንሕ ስለ ዝኽእል ግን ኣብ ዓበይቲ ሰባት ሕጽረት ከጋጥም እንከሎ ንምፍላጥ ቍሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል።
ኣብ ንኣሽቱ ቈልዑ ግን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ቀልጢፉ ክምዕብል ተኽእሎ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ብቪጋን ኣዴታት ጥራይ ዝጠብዉ ዕሸላት ብሰንኪ ሕጽረት ቫይታሚን ቢ12፡ ጸገማት ስነኣእምሮ ዘማዕበልሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
"ህጻናትን ቈልዑን ዝለዓለ ጠለብ መኣዛ ኣለዎም፣ ቃል ብቓሉ ሓድሽ ኣካላት የዕብዩን ይሃንጹን ስለ ዘለዉ ጥራይ፡" ትብል ኣማቲ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ቫይታሚን ቢ12 ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መኣዛታት እንተ ዘይረኺቦም፡ ኣብ ንጥፈት መትኒታትን ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደምን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል።
እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ህጻናትን ቈልዑን፡ ሓንጎሎም ብግቡእ ማዕቢሉ ስለ ዘይውድእ ትምህርቲ ዝቕበልሉ ዓቕሚ ድሩት ክኸውን ከም ዝኽእል እታ ክኢላ ትገልጽ።
3. ሕጽረት ኦሜጋ-3
ቪጋን ኣመጋግባ ዝኽተሉ ህጻናትን ቈልዑን ከጋጥሞም ዝኽእል ካልእ ሕጽረት መኣዛታት ድማ ኦሜጋ-3 ዝተባህለ ስብሒታት ኣሲድ እዩ።
እዞም መኣዛታት፡ ንንጥፈት ሓንጎል ኣዝዮም ኣገዳስቲ'ኳ እንተዀኑ፡ ካብ ዓሳን ኣልጌን ጥራይ እዮም ዝርከቡ።
ከም ዘርእታት ቺያን እንጣጢዕ ከምኡ'ውን ኣቍጽልቲ ዘለዎም ቀጠልያ ኣሕምልቲ እውን ኦሜጋ-3 ኣልፋ-ሊኖለኒክ ኣሲድ ዝህቡ ኣማራጺታት እዮም።
ይዅን'ምበር ከምቲ ካብ ዓሳን ኣልጌን ጥራይ ዝርከብ ዓይነት ኦሜጋ-3፡ ተመሳሳሊ ጥዕናዊ ረብሓ ኣይህቡን።
ከም ካልሲየም፡ ቫይታሚን ዲን ኣዮዲንን ዝኣመሰሉ ካልኦት መኣዛታት፡ ብውሑድ መጠን'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኣትክልቲታት ይርከቡ እዮም።
4. ጕድለታት ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ክኸብድ ይኽእል'ዩ
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ገለ ጕድለታት ከበድቲ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ብኸቢድ ሕጽረት ኣመጋግባ ከም ዝሳቐዩ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ።
እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ቪጋናውያን ብዙሓት ካብዞም መኣዛታት ብመመላእታታት ወይ ብዝተመጣጠነ ናይ ቍርሲ እኽልን ዝተመጣጠነ ጸባ ተኽልን ክረኽብዎም ይኽእሉ እዮም።
ከም ሓጺንን ዚንክን ዝኣመሰሉ ካልኦት መኣዛታት እኹል ከም ዝረኽቡ ንምርግጋጽ ግን ዝያዳ ጥንቁቕ ትልሚ ኣመጋግባ ኣገዳሲ እዩ። እዞም መኣዛታት ኣብ ቀጠልያ ኣሕምልቲ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ከምቲ ኣብ ስጋ ወይ ጸባ ዝርከብ መኣዛታት ግን ብቕልጡፍ ዝወሃሃዱ ኣይኰኑን።
እንተዀነ፡ ንቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ኵሉ መኣዛታቶም ካብ መመላእታታትን ብጥንቃቐ ዝተወጠነ ኣመጋግባን ክረኽቡ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ሓደ መጽናዕቲ ግን እዚ ኵሉ ግዜ ኣብ ክውንነት ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ይሕብር።
5. ጥንቁቕ ትልሚ ኣመጋግባ ኣገዳሲ'ዩ
ኣብ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ጥዕና ቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ካብቶም ኵሉ ስጋን ጸባን ዝበልዑ ብብዙሕ መንገዲ ይፍለ።
እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ዝቐጠኑን ትሑት መጠን ኮሌስትሮል ከም ዝነበሮምንን የመልክት።
እዚ ድማ ኣብ ድሒሩ ዝመጽእ ዕድሚኦም ትሑት ሓደጋ ሕማም ልቢ ክህልዎም ከም ዝኽእል እዩ ዘርኢ።
ኣብ ኣካላቶም ናይ ነድሪ ምልክታት ከም ዝንኪ እውን ኣርእዩ እዩ።
6. ቪጋን፡ ንህጻናትን ቈልዑን ቍመቶም ቍሩብ ከንኪ ይኽእል
ቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ብማእከላይ ገምጋም ካብቶም ኵሉ ዝበልዑ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 3-4 ሴንቲሜተር ይሓጽሩ - ብመሰረት እቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ህጻናትን ቈልዑን፡ ዋላ እኳ ገና ምስ ዕድሚኦም ንቡር ቍመት እንተ ነበሩ፡ ቍሩብ ዝሓጸሩን ክብደቶም ዝነኣሰን ናይ ምዃን ዝንባለ ኣርእዮም እዮም።
እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ርኽበት ግን፡ ቪጋን ህጻናትን ቈልዑ ካብቶም ኵሉ ዝበልዑ፡ ብ6 ሚእታዊት% ዝተሓተ ጽቕጥቕጥ ማዕድናት ዓጽሚ ዘለዎም ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቶም ንሕማም ምጕዳል ኦስቲዮፐሮሲስን ስብራት ዓጽምን ከቃልዖም ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ዓበይቲ ቪጋናትን ቨጀተርያናትን ዝተገብረ መጽናዕቲ እውን፡ ካብቶም ኵሉ ዝበልዑ ሰባት ዝወሓደ ጽቕጥቕጥ ማዕድናት ዓጽሚ ከም ዘለዎምን እዚ ድማ ንዝለዓለ ሓደጋ ስብራት ዓጽሚ ከም ዘቃልዖምን ይሕብር።
ይዅን'ምበር፡ ምኽንያት ሕጽረት ማዕድናት ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን። ክልቲኦም ቫይታሚን ዲን ካልሲየምን ንህንጸትን ምዕቃብን ጥዑያት ኣዕጽምቲ ኣገደስቲ እዮም። እቲ ኣብ 2021 ዝተግበረ መጽናዕቲ፡ ቪጋን ህጻናትን ቈልዑን ካብቶም ቨጀተርያንን ኵሉ ዝበልዑን ህጻናትን ቈልዑን ዝወሓደ ካልሲየም'ኳ እንተ ሃለዎም፡ መጠኑ ግን ቍሩብ ጥራይ ከም ዝነከየ'ዩ ዝሕብር።
7. ብዝተኻእለ መጠን ኣዝዩ ዝተመስረሐ ናይ ቪጋን መግቢ ምውጋድ ዝበለጸ'ዩ
ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዓሸጉን ኣዝዮም ዝተመስርሑን መግብታት ዘይኰነስ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኰሱ ሰፊሕ መግብታት ምምራጽ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ከም ዝዀነ ክኢላታት ይገልጹ።
ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መኣዛታት ክትሓስቡ ዘይትግደድሉ ኣመጋግባ ቪጋን እንተሃሊኹም፡ ከምኡ'ውን መመላእታታት ጥራይ ትወስዱ እንተዄንኩም፡ ጽቡቕ ውጽኢት ጥዕና ክትረኽቡ ከም ዘይትኽእሉ እውን ይሕብሩ።
8. መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ'ዩ
ኣብ መወዳእታ ኵሎም ክኢላታት ከም ዘስምርሉ፡ ወለዲ ብዛዕባ ኣመጋግባ ደቆም ብጥንቃቐ ክውጥኑ ኣለዎም።
ብዛዕባ ከም ቢ12፡ ቪታሚን ዲ፡ ካልሲየምን ሓጺንን ዝኣመሰሉ መኣዛታት ንገዛእ ርእሶም ከስተምህሩ እውን ይግባእ።
ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ወይ ድማ ንሓኪም ኣመጋግባ ህጻናትን ቈልዑን ምውካስ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።
እንተዀነ፡ ዕብየት ህጻናትን ቈልዑን ብቐጻሊ ከም እትከታተሉ ምርግጋጽ'ውን ኣገዳሲ'ዩ።
ዕብየት ወይ ምድንጓይ ምዕባለ እንተሃልዩ ብቕልጡፍ ምእንቲ ክፈልጡ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ርድኢት ክብ ከብሉ ከም ዘለዎም ክኢላታት ይምዕዱ።