እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመጋግባ ስድራና ንቀጻሊ ህይወት ደቅና ናብ ሓደጋ የእቱ ኣሎ - መጽናዕቲ
ኣብዚ እዋን ኣመና-ዝተመስርሑ መግቢታት ኣብ ኵሉ ክፋል ዓለም ክበሃል ብዝከኣል መጠን ልሙዳት እናዀኑ ይመጹ ኣለዉ።
እዞም መግቢታት ኣብ ጥዕናና ዘሕድርዎ ጽልዋ ግን ኣዝዩ ዘፍርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዕሸል፡ ቈልዓ ወይ ንትምህርቲ ዝበጽሐ ህጻን እንተሃልይኩም፡ ብሰንኪ ሕጽረት ግዜን ድኻምን ንደቅኹም ቅልጡፍን ምቁርን መግቢ ምቕራብ ከም ኣዝዩ ዝቐለለ ኣማራጺ ክትሓስብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ግን ዝቐለለ’ምበር ጥዑይ ኣማራጺ ድዩ?
ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመዝገበ ክኢላ ኣመጋግባ ህጻናት ኣንጋርድ ባነር፡ ዝተመስርሑ መግቢታት እወታዊን ኣሉታውን ጽልዋ ኣለዎም ይብል።
ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ እንታይ’ዩ?
“ብቐሊል ኣዘራርባ፡ ዝተመስርሐ መግቢ፡ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ብገለ መንገዲ ዝተቐየረ ዝዀነ መግቢ እዩ። ‘ተፈጥሮኣዊ’ መግቢ’ ዝበሃሉ ዘይተመስርሑ ኰይኖም ክብልዑ ዝኽእሉ ክፋላት ኣትክልቲን ውጽኢታት እንስሳታትን እዮም። እዚኦም እዮም እቶም ቀንዲ ኣካል ኣመጋግባና ክዀኑ ዝግባኦም” ይብል ክኢላ ኣመጋግባ ህጻናት ኣንጋርድ ባነር።
ኣመና-ዝተመስርሑ ተባሂሎም ዝጥቀሱ መብዛሕትኦም መግቢታት ንመልክዕ፡ መቐረትን ቅርጽን እቶም መግቢ ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ከሚካላት፡ መቐየሪ ሕብሪን መመቐሪን ዝተሓወሶም እዮም።
ዝተመስርሐን ኣዝዩ-ዝተመስርሐን መግቢ እንታይ’ዩ ፍልልዮም?
መብዛሕትኡ መግቢ ብዝተወሰነ ደረጃ ዝተመስርሐ እዩ። ገለ መግቢታት እውን ውሕስነቶም ንምርግጋጽ ብመስርሕ ክሓልፉ ኣለዎም። ንኣብነት ጸባ፡ ካብ ጐዳእቲ ባክተርያ ውሑስ ንክኸውን 'ፓስቸራይዝ' ክግበር ወይ ክመክን ይግባእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ዝተመስርሐን ኣዝዩ-ዝተመስርሐን መግቢ ዘሎ ቀንዲ ፍልልይ እቲ መግቢ ክሳብ ክንደይ ከምዝተቐየረ ዝምልከት’ዩ።
ብመሰረት’ዚ ድማ ሓደ መግቢ ዘይተመስርሐ፡ ዝተመስርሐ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ዝተመስርሐ ተባሂሉ ክግለጽ ይኽእል።
ሓደ መግቢ ክንደይ ዝኣክል ዝተመስርሐ ከምዝዀነ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኣገባብ ‘ኖቫ ስኬል’ ዝበሃል ኰይኑ ኣርባዕተ ጕጅለታት መግቢ ይጥቀም።
ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስርዑ ‘ሕሉፍ-ዝተመስርሑ መግቢታት’ (UPFs) እዮም። እዚኦም ብሓፈሻ ሓያሎ ናይ መስርሕ ኣገባባት ዝሓለፉ መግብታት ኰይኖም ከም ሕብሪ፡ መኣዛ ዘደንፍዑን መመቐሪታትን ዝኣመሰሉ ኣርቲፊሻል ተወሰኽቲ፡ ሽኮር፡ ጨው ወይ ዘይቲ የጠቓልሉ።
ከም ኮላ ዝኣመሰሉ ልስሉስ መስተታት እውን ከም ኣብነት ኣብ ኣዝዮም-ዝተመስርሑ መግቢታት ዝምደብ እዩ።
'ኖቫ ስኬል' ዝጥቀመሎም ኣርባዕተ ጕጅለታት
ጕጅለ 1፡ ዘይተመስርሑ ወይ ተፈጥሮኣዊ መግብታት እዮም። ከም ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ስጋ፡ ዓሳ፡ እኽሊ፡ ጥራምረን እንቋቑሖን ዝኣመሰሉ የጠቓልል።
ውሑድ መስርሕ ዝሓለፉ ከም ምንቃጽ፡ ምዝሓል፡ ምጥጣቕ፡ ምጥባስን ምቕላውን ብዝኣመሰሉ መስርሓት ዝተቕየሩ ተፈጥሮኣዊ መግብታት እውን ኣብዚ ጕጅለ ይምደቡ።
ንኣብነት ፓስታ፡ ኩስ ኩስ፡ ዝደረቑ ፍረታት፡ ዝመኸነ (ፓስቸራይዝድ) ርግኦን ጸባን የጠቓልል።
ጕጅለ 2፡ ንምድላውን ንምቅማምን ዝውዕሉ ሽኮር፡ ጨው፡ ዘይቲ፡ ሓርጭ፡ መዓር ብዝኣመሰሉ ዝተመስርሑ ቀመማት ዝበሰሉ መግቢታት የጠቓልል።
ጕጅለ 3፡ ኣብ ጕጅለ 2 ዝርከቡ ቀመማት ናብ ኣብ ጕጅለ 1 ዝርከቡ ብምውሳኽ ዝዳለዉ ዝተመስርሑ መግብታት እዮም።
ንኣብነት ዝተዓጠነ ስጋን ዓሳን፡ ዕሹግ ዓሳ፡ ባኒ፡ ፎርማጆ፡ ናይ ዕሹግ ፋል ዝኣመሰሉ መግብታት ይጥቀሱ።
ጕጅለ 4፡ እዚ ጕጅለ ኣዝዮም-ዝተመስርሑ መግብታት ዝሓዘ እዩ። እዚ ማለት ሓያሎ መስርሓት ምድላው ዝሓለፉን ተወሰኽቲ ነገራት ዝኣተዎምን መግብታት የጠቓልሉ።
ኮርንፍሌክስ ዝኣመሰሉ ቍርሲታት፡ ክሪስፕስ፡ ቸኮላታ፡ ብሽኮቲ፡ ኬክ፡ ሶሴጅ፡ ኣይስክሪም፡ ኑድልስ፡ ብዘይቲ ዝተጠብሱ ኣካላት ደርሆ፡ መመቐሪ ዝተሓወሶ ርግኦ ዝኣመሰሉ መግብታት ሕሉፍ-ዝተመስርሑ እዮም።
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ስለምንታይ'ዮም ዘዘራርቡ ዘለዉ?
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራረብቲ ኣርእስቲ ይዀኑ ኣለዉ።
ብተወሳኺ ጠንቂ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮን ጭንቀትን ዝርከብዎም ብዙሓት ጸገማት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።
ክኢላታት ስነ-ፍልጠት፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ገና ይምርምሩ ኣለዉ። እንተዀነ ገለ ሓደስቲ ዝተሓተሙ መጽናዕትታት፡ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎም የረጋግጹ።
ሽኮርን ጨውን ዝርከብዎም ተወሰኽቲ ነገራት፡ ንመኣዛታት ምቍርን ጨውን ዝንባለ ከነማዕብል ክገብሩና ይኽእሉ እዮም።
እዚ ንዅሉ ሰብ ዝምልከት ኰይኑ፡ ብፍላይ ግን ነቶም ገና ዝፈትውዎን ዘይፈትውዎን መግቢ ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ ህጻናትን መንእሰያትን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።
ብሰንኪ እዞም ስክፍታታት ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ውዑይ ኣርእስቲ ይኸውን ኣሎ።
ሕጂ ደቅኻ ዝምገብዎ ዘለዉ ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ ኣብ ዝጕብዙሉ እዋን ንጸገማት ልቢ ከቃልዖም ከምዝኽእልን ሓደጋ ወቕዒ ልቢ፡ ወቕዒን ሕማም ሽኮርን ከጋጥሞም ዝያዳ ተኽእሎ ከምዘሎን ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ ካብ ልዕሊ 1400 ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ካብ ዝተኣከበ መረዳእታታት ተንቲኑ።
እቲ ትንተና፡ ካብ ኵሎም ህጻናት ብፍላይ እቶም ዝያዳ ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ ዝተመገቡ፡ ልዑል መጠን ክራሸ፡ ሲስቶሊክ ጸቕጢ ደምን ምትእስሳር ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ክህልዎም ዝያዳ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
“ካብቶም ዘይተመስርሑ ወይ ብውሑድ ዝተመስርሑ መግብታት ዝያዳ ክንምገብ ይግባእ። ዝተመስርሑን ኣዝዮም ዝተመስርሑን መግብታት ድማ ክንንክይ የድሊ። እዚ ግን ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን” ይብል ኣንጋራድ።
ኵሎም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎም ድዩ?
እቲ ዝሓሸ ነገር፡ ብዝተኽኣለ መጠን ውሑድ ዝተመስርሑን ኣዝዮም ዝተመስርሑን መግብታት ክንምገብ ይግባእ።
ኣንጋራድ ከምዝብሎ ግን እዞም መግብታት ንስድራቤታት ረብሓ ክህልዎም ከምዝኽእል ክንርስዕ የብልናን።
“ጥዑይ ኣመጋግባ ብዘይተመስርሐ ወይ ብውሑድ መስርሒ ዘለዎም መግብታት ጥራይ ክቐውም የብሉን። ብዙሓት ናይ ቁርሲ እኽሊታት ኣዝዮም ዝተመስርሑ ኰይኖም ንጥዕናና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ቫይታሚን ዲ፡ ቫይታሚን ቢን ሓጺንን ዝርከብዎም ቫይታሚናትን ማዕድናትን ዝሓዙ እዮም።
“ጻዕዳ ባኒ ካልሲየም ይውስኽ፡ ቡናዊ ባኒ ድማ ፋይበር ናብ ኣመጋግባና ንምውሳኽ ብሉጽ መገዲ እዩ” ይብል።
“ዕሹጋት መግብታት፡ ከም ኣሕምልትን ፋልን፡ ዝተዓሸገ ኮሚደረ ዝኣመሰሉ ቅልጡፍን መኣዛዊን መግቢ ንምስራሕ ይጥቀሙ እዮም” ክብል የረድእ።
ብተወሳኺ ድማ ብርክት ዝበሉ ዝተመስርሑን ኣዝዮም ዝተመስረሑን መግብታት እውን ዋጋኦም ሕሱር ከምዝዀነ ይጠቅስ።
ኣንጋራድ፡ ገለ ስድራቤታት ዝርከብዎ ኵነታት እዞም መግብታት ጠቕሊሎም ንምውጋድ ከጸግም ከምዝኽእል ይግንዘብ።
ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣደ ጡብ ክተጥቡ እንተዘይክኢላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጸባ ፎርሙላ ዝትክእ ኣማራጺ ኣይትረክብን። ጸባ ፎርሙላ ድማ ኣዝዩ ዝተመስርሐ’ዩ።
“ውሑድ ስጋን ዓሳን ክበልዑን ዝያዳ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሰ ኣመጋግባ ክኽተሉን ዝደልዩ ስድራቤታት፡ ናብ ኣማራጺ ምንጪታት ፕሮቲን ክምለሱ ይኽእሉ እዮም፤ ኣማራጺ ምንጪታት ፕሮቲን ድማ ከም ኣመና-ዝተመስርሑ እዮም ዝቑጸሩ” ይብል።
ስለዚ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ዘድልዩሉ እዋን ከምዘሎ የመልክት።
ከም ወለዲ እንታይ ክንገብር ንኽእል?
ኣንጋራድ፡ ስድራቤትና ንዝተመስርሐን ኣዝዩ ዝተመስረሐን መግቢ ክንክይ እንተደሊና ክሕግዙና ዝኽእሉ ገለ ቀለልቲ ስጉምትታት ከምዘለዉ ይዛረብ።
ሓደ ካብዚኦም ካብ ሓሙሽተ ዘይበልጽ ሓጺር ዝርዝር እታወታት ዘለዎም መግብታት እንተገዛእና ዝሓሸ ይኸውን።
ምስ ደቅና ብሓባር ናብ ክሽነ ኣቲና ብዝተኻእለና መጠን ካብ ባዶ መግቢ ምብሳል እውን ክሕግዝ ይኽእል’ዩ። ግዜ ምስ ዝሓጽረና ድማ ከም ኦምሌትን እንቋቑሖ ፍርፍርን ዝኣመሰሉ መግብታት ምድላው ከምዝከኣል ኣይንረስዕ!
ግዜ ዝሓጽረና እንተዀይኑ ካልእ ኣማራጺ ድማ፡ ምናልባት ኣቐዲምና ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣብዝሕ ኣቢልና ምድላው’ዩ።
ኣብ ክንዲ ዝተዓሸጉ መግቢታት ድማ ኣብ ገዛ ዝዳለዉ ኣማራጺታት ምጥቃም።
ንኣብነት ዝተዓሸገ ናይ ፓስታ ስጎ ገዲፍና ኰሚደረ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲን ካልኦት እታወታትን ተጠቒምና ኣብ ገዛ ናይ ገዛእ ርእስና ስጎ ኣዳሊና ንነዊሕ ግዜ ከነቕምጦ ይከኣል’ዩ።