እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓስታ ምምጋብ ጥዕናዊ ጸገም የስዕብ ድዩ?
መበቆሉ ኢጣልያ ዝዀነ ፓስታ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝተለምደ መግቢ እዩ።
እዚ ካብ ዓረስ (ስርናይ) ዝስራሕ መግቢ ብዝተፈላለየ ቅርጽን ዓቐንን ይቐርብ።
መብዛሕትኡ ግዜ ስሩዕ ወይ '00' ሓርጭ፡ ብማይን እንቋቑሖን ተለዊሱ ብዝተፈላለየ ቅርጽን ዓቐንን ይዳለው።
‘00’ ንዓይነት ሓርጭ ዝገልጽ ደረጃ እዩ – 0 ሓርጭ ኣዝዩ ሓርፋፍ ክኸውን እንከሎ 000 ድማ ኣዝዩ ዝጸረየ እዩ።
ካብ ቅርጽን ንውሓትን ብተወሳኺ ኮሚደረ፣ ሓምሊ፣ ባርባቤቶላ ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ እውን ተጣሒኑ ዝተወሰኽዎም ዓይነታት ፓስታ ኣለዉ።
እዚ ግን ሕብሪ ንምሃብ እምበር ዝኾነ ተወሳኺ መኣዛዊ ረብሓታት ንኽህልዎ ኣይኰነን።
ኣብ ትሕዝቶ ፓስታ ዝርከብ ካሎሪ ብቐንዱ ካርቦሃይድሬት እዩ፤ ካርቦሃይድሬት ብኣካል ብቕልጡፍ ስለዝበታተን ምውሳኽ ሽኮር ደም (glycaemic effect) ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። ዝተጻረየ ወይ ጻዕዳ ፓስታ ድማ፡ ብካርቦሃይድሬት ዝሃብተመን ውሑድ ፋይበር ስለዘለዎን ኣብ ሽኮር ደም ልዑል ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓደ መግቢ ፓስታ ዝህሉ ብዝሒ ካሎሪ፡ ኣብ ዓቐን እቲ መግቢ ይምርኮስ፤ መባልዕቲ እቲ ፓስታ እውን ኣብ ስርዓት ምሕቃቕ መግቢ ጽልዋ ኣለዎ።
ብኣንጻሩ ካብ ምሉእ እኽሊ ወይ ካብ ምስ ሓሰር-መሰሩ ዝተጠሓነ ሓርጭ ዝዳለው ፓስታ ካብ ጻዕዳ ፓስታ ዳርጋ ብ50 ሚእታዊት ዝያዳ ፋይበር ዝሓዘ ኣለዎ።
ፓስታ እንታይ ረብሓን ጉድኣትን ኣለዎ?
መብዛሕትኦም ሰባት ዝምገብዎ ካብ ዝተጻረየ ሓርጭ ዝስራሕ ወይ ጻዕዳ ፓስታ እዩ።
ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ዝተጻረየ ሓርጭ ወይ ጻዕዳ ፓስታ ምብላዕ ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ብርክት ዝበሉ ሕማማት ምትእስሳር ከምዘለዎ መጽናዕትታት የመልክቱ። ገለ ካብዚኦም ሕማም ልቢ፣ ወቕዒን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ይርከብዎም።
ስለዝዀነ ድማ ካብ ዘይተዃእኵአ ዘይተፈተገ ስርናይ ዝስራሕ ፓስታ ዝሓሸ ኣማራጺ ይኸውን። ምኽንያቱ ዝለዓለ ትሕዝቶ ፋይበር ኣለዎ። እዚ ጥዕና ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝድግፍን ሓደጋ ናይቶም ዝተጠቕሱ ሕማማት ንምንካይ ዝሕግዝን እዩ።
ዘይተጻረየ ፓስታ ትሑት ካሎሪ እዩ ዘለዎ፤ ካብ ጻዕዳ ፓስታ እውን ዝያዳ ቪታሚናትን ማዕድናትን ስለ ዝሕዝ ንጥዕና ተመራጺ ይኸውን።
ጥዕናዊ ረብሓታት ዘይተፈተገ ስርናይ
መጽናዕትታት፡ ካብ ምሉእ እኽሊ ወይ ምስ ገፈሉ ዝተጠሓነ ሓርጭ ዝተሰርሐ ፓስታ ብዙሕ ረብሓታት ከምዝርከብ የመልክቱ።
ንኣብነት፡ ኣብ 2021 ኣብ ዘ ጆርናል ኦፍ ኒውትሪሽን ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ዝተጻረየ ሓርጭ ዝተዳለዉ ፓስታን ባኒን፡ ካብ ዘይተዃእኵአ [ዘይተፈተገ] ስርናይ ዝተሰርሑ ፍርያት ምምጋብ ኣብ ዙርያ ክብደት ሰብነት፣ ኮሌስትሮል፣ ትራይግሊሰራይድ፣ ግሉኮስን ጸቕጢ ደምን ንምቁጽጻር ዝሓሸ ውጽኢት ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።
ካልእ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ብብዝሒ ዝተጻረየ እኽሊ ምምጋብ፡ ናብ ልቢ ዘቕንዕ ዋሕዚ ደም ዝድርት ኵነታት ናይ ምምዕባል ሓደጋ ክውስኽ ክገብር እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ዘይተዃእኵአ ሓርጭ ምስ ትሑት ተኽእሎ ምምዕባል እዚ ሕማም ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ካብ ዘይተዃእኵአ ሓርጭ ዝተዳለወ ፓስታ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን፡ ጽቡቕ ምንጪ ፋይበር ኰይኑ የገልግል፡ እዚ ድማ ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ክድግፍን ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ከጉድልን ይኽእል።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ፓስታ ዝርከቡ ማዕድናት ኣለዉ።
ማግነዝየም፡ ጥዑይ ጸቕጢ ደም ንኽህልወናን ኣዕጽምትና ንኽድልድሉን ይሕግዝ።
ሓጺን፡ ርጉእ ደረጃ ጸዓት ንኽህልው ኣበርክቶ ይገብር።
ዚንክ፡ ድማ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም ይድግፍ፤ ብተወሳኺ ቁስሊ፡ ስንብራትን ማህሰይትን ንኽሓውዩ ይሕግዝ።
ኣሉታዊ ሳዕቤን ፓስታ ብኸመይ ምንካይ ይካኣል?
ፓስታ ብመጠኑ ምስ ዝብላዕ፡ ኣካል ናይቲ ሚዛናዊን ጥዕና ዘለዎን ኣመጋግባ ክኸውን ይኽእል።
ፓስታ ንጥዕና ዝረብሕን ሚዛናውን ንምግባር ብርክት ዝበሉ መንገድታት ኣለዉ።
ሓደ ካብዚኦም ብፋይበር ዝሃብተመ ካብ ዘይተፈተገ [ዘይተዃእኵአ] ስርናይ ዝስራሕ ፓስታ ምምራጽ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ስለዚ መኣዛ መግብና ንክብርኽ እንተደሊና ካብ ምሉእ እኽሊ ወይ ምስ ገፈሉ ዝተጠሓነ ሓርጭ ዝተሰርሐ ፓስታ ተመራጺ ይኸውን።
እዚ ዓይነት ፓስታ ልዑል ጽሕጊ ወይ ፋይበርን ዝያዳ ቪታሚናትን ማዕድናትን ኣለዎ። ብቐሊሉ እውን ክሓቅቕ ይኽእል’ዩ።
ፓስታ ምስ ፕሮቲንን ኣሕምልትን ብምውህሃድ ምምጋብ እውን ካልእ ኣማራጺ እዩ። ፓስታ ምንጪ ዝተሓላለኹ ካርቦሃይድሬት’ዩ። እዚኦም ጽቡቕ’ኳ እንተዀኑ እቲ ዝሓሸ ግን ፕሮቲንን ኣሕምልትን ብምውሳኽ ሚዛን ክህልዎ ምግባር’ዩ።
ክንዲ ዝደለናዮ ኣሕምልቲ እንተወሰኽና ጸገም የብሉን። ኣሕምልቲ ብዝበዝሐ መጠን ዝሓሸ እዩ ዝኸውን።
ፓስታ ዳግማይ ኣውዒኻ ምምጋብ ተጻዋርነት ዘለዎ ስታርች ንምዕባይ ከምዝሕግዝ’ውን ይግለጽ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ፓስታ ምብሳልን ድሕሪኡ ምዝሓልን ንኣቃውማ ትሕዝቶ ካርቦሃይድሬት ከምዝቕይርን ከምኡ'ውን 'ተጻዋርነት ዘለዎ ስታርች' ክውስኽ ከምዝገብርን የመልክት።
ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ እዚ ስታርች፡ ነቶም ንኽበታተኑን ግሉኮስ ንኽፍነውን ብምግባር ንቡር ወሰኽ ሽኮር ደም ዘስዕቡ ኢንዛይማት ምሕቃቕ መግቢ ዝጻወር እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ሳይንቲስት- ዶክተር ደኒስ ሮበርትሰን፡ በሲሉ ድሕሪኡ ዝዘሓለ ፓስታ ዝያዳ ኣብ ኣካላትና ከም ፋይበር ኮይኑ ከምዝሰርሕ ይገልጽ። እዚ ድማ ብዙሕ ግሉኮስ ከይፍጠር ይገብር፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ሽኮር ደም ብዝሓሸ መልክዕ ንምቁጽጻር ይሕግዝ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ድማ፡ እቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተረፈ ፓስታ ዳግማይ ምስ ወዓየ፡ ተጻዋርነት ስታርች ዝያዳ ወሲኹ፤ ምውሳኽ ሽኮር ደም ብዘደንቕ 50 ሚእታዊት ክጎድል ገይሩ።
ተጻዋርነት ዘለዎ ስታርች ውሑድ ግሉኮስ ክፍነው ስለዝገብር ውሑድ ኢንሱሊን ይፍጠር፤ በዚ ድማ ክብደት ሰብነት ከይውስኽ ይከላኸል።
ካብ ተመሳሳሊ ብዝሒ ፓስታ ዝርከብ መጠን ካሎሪ እውን ውሑድ ይኸውን። እዚ እውን ኣብ ክብደት ሰብነት ኣብ ምቁጽጻር ኣበርክቶ ኣለዎ።