እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ካብ ኮለስትሮል ነጻ’ እንታይ ማለት’ዩ? ‘ጽቡቕ’ ኮለስትሮልከ ኣሎ ድዩ?
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዕዳጋታት ‘ካብ ኮለስትሮል ነጻ’ ዝብሉ መወዓውዒታት ፍርያት ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ኮለስትሮል ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዋህዮታት ሰብነትና ዝርከብ ንኣካላት ዘድሊ ስምዓዊ ዘይቲ ሓዘል ነገር’ዩ።
ስለምንታይ’ዩ ደኣ ከም ሕማቕ ነገር ‘ካብ ኮለስትሮል ነጻ’ ዝበሃል?
ማእከል ምክልኻል ሕማም ኣመሪካ (ሲዲሲ) ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መንጎ 2017ን 2020ን ካብቶም ዕድሚኦም 20 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት ፡ 10 ሚእታዊት መጠን ኮሌስትሮሎም ብሓፈሻ ልዕሊ 240 ሚግ/ዲኤል ነይሩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 60 ሚእታዊት ሰባት ልዑል መጠን ኮለስትሮል ከም ዘለዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ኤርትራ ብ2021 ዲስሊፒደሚያ ዝተበሃለ ኣርተሪታት ክዕጸው ብምግባር ሕማም ልቢ: ወቕዒ ወይ ካልእ ጸገማት ዑደት ደም ክውስኽ ዝገብር ኵነታትን ተዛመድቲ ረቛሒታትን ዝምልከት ሓደ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ።
እቲ ኣረጋውያን ነበርቲ ኣስመራ ዘሳተፈ መጽናዕቲ፡ ዝርገሐ ትሑት ጻዕቂ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ ዝተበሃለ ሓደገኛ ኮለስትሮል 43.7 ሚእታዊት፡ ልዑል ጻዕቒ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ 28.2 ሚእታዊት ከም ዝዀነ ረኺቡ።
ኣብ 2022 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርገሐ ድስሊፒደምያን ዝተኻየደ ካልእ መጽናዕቲ ድማ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ 44.8 ሚእታዊት ትሑት ጻዕቂ ‘ሊፖፕሮቲንስ’፡ ኣብ 55.2 ሚእታዊት ልዑል ጻዕቒ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ ከም ዝረኸበ ይጠቅስ።
ክልቲኦም መጽናእቲታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከቡ ኣረጋውያን ጾር ዲስሊፒደሚያ ልዑል ምዃኑ’ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ተመሳሳሊ መጽናዕቲታት’ውን ልዑል መጠን ኮለስትሮል ከም ዝረኸቡ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ 2021 ዝተሓተመ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ 30.8 ሚእታዊት ትሑት ጻዕቂ ‘ሊፖፕሮቲንስ’፡ ኣብ 16.5 ሚእታዊት ድማ ልዑል ጻዕቒ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ ረኺቡ።
ርኽበት ናይ መብዛሕትኦም መፅናዕቲታት፡ ዝርገሐ ድስሊፒደሚያ ተቐባልነት ዘይብሉ ልዑል ከም ዝዀነ የመክቱ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ልዑል መጠን ኮለስትሮል ንሓደጋታት ሕማም ልብን ወቕዒን ከም ዘቃልዕ ይገልጽ። እዚ ማለት ድማ ሰባት ኣብ ዝወስድዎ መጠንን ዓይነትን ኮለስትሮል ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም የመላኽት።
ንምዃኑ ኮለስትሮል እንታይ እዩ? ብኸመይከ ሓደገኛ ይኸውን?
ኮለስትሮል እንታይ እዩ?
ምንጪ ኮለስትሮል ክልተ እዮም። ጸላም ከብዲ ኩሉ ዘድልየና ኮለስትሮል ክትሰርሐ ከላ እቲ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ዝተረፈ ኮለስትሮል ካብ እንስሳታት ካብ ዝርከቡ መግቢታት ይመጽእ። ንኣብነት ስጋ፡ ደርሆን ውጽኢት ጸባን ኩሎም ኮለስትሮል ዝሓዙ እዮም።
ብባህሪኡ “ሕማቕ” ኣይኰነን። ኣካላትና፡ ዋህዮታት ንምህናጽን ቪታሚናትን ካልኦት ሆርሞናትን ንምስራሕን ኮለስትሮል የድልዮ’ዩ። ኣብ ምሕቃቕ መግቢ’ውን ኣገዳሲ ተፈጥሮኣዊ ዕማማት የካይድ።
ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝርከብ ረቂቕ ቈርበት ዝመስል መሸፈኒ ወይ ‘መምብሬን’ ካብ ዘጋጥሞ መጕዳእቲ ወይ ረኽሲ ንምሕዋይን ልዑል ጥቕሚ ኣለዎ።
ይኹን’ምበር ሰብነትና ካብ መጠን ንላዕሊ ኮለስትሮል ምስ ዝህልዎ ጸገም ከስዕብ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ።
መጠን ኮለስትሮል ስለምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ኮለስትሮል ኣብ ደም’ዩ ዝዘውር። መጠን ኮለስትሮል ኣብ ደም እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ ኣብ ጥዕና ዘሎ ሓደጋ እውን ብኡ መጠን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ።
ልዑል መጠን ኮለስትሮል ከም ሕማም ልብን ወቕዒን ንዝኣመሰሉ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ክብ ክብል ይገብር።
ክልተ ዓይነት ኮለስትሮል ኣለዉ፤ ልዑል ጻዕቒ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ (HDL) ከምኡ’ውን ትሑት ጻዕቂ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ (LDL)።
ልዑል ጻዕቒ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ ካልእ ዓይነት ኮለስትሮል ካብ ደም ንምእላይ ስለ ዝሕግዝ “ጽቡቕ” ኮለስትሮል ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ኣብ ደምና ዘሎ ልዕሊ ዓቐን ኮለስትሮል ናብ ጸላም ከብዲ ይወስዶ እሞ ኣብኡ ተበታቲኑ ካብ ኣካላትና ይእለ።
ልዑል መጠን እዚ ዓይነት ኮለስትሮል ምስ ትሑት ሓደጋ ሕማም ልቢ ስለዝተኣሳሰር ኣብ ሰብነትና መጠኑ ክውስኽ ምግባር እወታዊ ውጽኢት ኣለዎ።
ትሑት ጻዕቂ ‘ሊፖፕሮቲንስ’ ወይ “ሕማቕ” ኮለስትሮል ንጥረ ነገራት ኮለስትሮል ናብ መላእ ኣካላትና ክዝርግሑ’ዩ ዝገብር። ሕማም ልቢ ከስዕብ ዝኽእል እዚ ዓይነት ኮለስትሮል’ዩ።
ኣብ ደም ዝርከብ ልዕሊ ዓቐን ኤልዲኤል ኮለስትሮል ኣብ ሻምብቆታት ደም፡ ማለት ንልብን ሓንጎልን ዝምግቡ ሰራውር ደም ይቕመጥ እሞ ኣብኡ ይድራዕ። ተረርቲን ጸበብትን ክዀኑ ይገብሮም። ድሕሪኡ እዞም ቅብኣታት ምስ ካልኦት ንጥረ ነገራት ተደሚሮም ጽላት ይፈጥሩ። ብድሕሪ’ዚ ሰራውር ደም ክጸቡን ምስ ግዜ ድማ ክዕበሱን ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ድማ ደም መሕለፊ ከጽብቦ ስለዝገብር ናብ ጭዋዳ ልቢ ዝከይድ ዋሕዚ ደም ከዝሕሎ ይኽእል።
ኣካላትና ዘድልዮ እኹል ኮለስትሮል ዘፍሪ ብምዃኑ ብተለምዶ ጸገማት ኮለስትሮል ዝፍጠሩ ተወሳኺ ኮለስትሮል ዝሓዙ መግብታት ብምምጋብ ኣብ ደም ዝህሉ መጠን ምስ ዝውስኽ’ዩ።
ጠንቂ ልዑል መጠን ኮለስትሮል እንታይ እዩ?
ንልዑል መጠን ኮለስትሮል ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ። ዕድመ፡ ስነ-ውርሻ ወይ ጀነቲክስን ሕማም ሽኮርያን ገለ ካብቶም ጠንቂታት’ዮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ግን ጠንቂ ልዑል መጠን ኮለስትሮል፡ ጥዕና ዘይብሉ ኣነባብራ እዩ። ንኣብነት ጥዕና ዘይብሉ ኣመጋግባ ወይ ብዙሕ ሕማቕ ስብሒ ምብላዕ።
ዝዘቕበበ ስብሒ ምምጋብ’ውን ንልዑል መጠን ኮለስትሮል ኣበርክቶ ይገብር’ዩ። ዝዘቕበበ ስብሒ መብዛሕትኡ ፈሳሲ ዘይኰነ ትርር ዝበለ ቅብኣት’ዩ። ከም ጠስሚ፡ ዘይቲ ስየን ኮኮናትን፡ ፎርማጆን ቀይሕ ስጋን ዝኣመሰሉ መግብታት ልዑል መጠን ዝዘቕበበ ስብሒ ኣለዎም።
ውጽኢት ጸባ፡ ቸኮሌት፡ ዝተጠብሰ ምግቢ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓሚቝ ዝተጠብሰን ዝተመስረሐን መግብታት’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ’ዮም። ብፍላይ ኣብ ገለ ዝተጠብሱን ዝተመስርሑን መግብታት ዝርከብ ‘ትራንስ ፋት’፡ መጠን ኤልዲኤል (ሕማቕ) ኮለስትሮል ክውስኽ ክገብር ይኽእል።
ሽጋራ ምትካኽ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፡ ብዙሕ ኮፍ ምባልን ውሑድ ምንቅስቓስ ኣካላትን ምግባር ድማ ኤችዲኤል (ጽቡቕ) ኮለስትሮል ክንክይ ይገብር።
ምልክታት ልዑል መጠን ኮለስትሮል
ልዑል መጠን ኮለስትሮል ዝዀነ ይኹን ምልክት የብሉን። ክፍለጠሉ ዝኽእል እንኮ መንገዲ ድማ መርመራ ደም ብምጋበር’ዩ።
ኣብ ሓደ ደሲሊተር ክንደይ ዝኣክል ሚሊግራም ኮለስትሮል ከም ዘሎ ብመርመራ ክፍለጥ ይኽእል።
ኣብ ዓበይቲ ሰባት ትሕቲ 200 ሚግ/ዲኤል ከም ንቡር መጠን ይርአ።
ካብ 200 ክሳብ 239 ሚግ/ዲኤል ከም ዶባዊ ክርአ እንከሎ 240ን ልዕሊኡን ግን ልዑል መጠን ኮለስትሮል እዩ።
‘ኮለስትሮል-ነጻ’
መብዛሕትኦም ሰባት ክርድእዎ ዝግባእ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ መግቢ ዘሎ መጠን ኮለስትሮል ምስቲ ድሮ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ኮለስትሮል ክነጻጸር እንከሎ ንእሽቶ ምዃኑ’ዩ።
ኣብ መግቢ እንበልዖ ኮለስትሮል ስለዝሓቅቕ ኣብ ኣካላትና ንዘሎ ደረጃ ኮለስትሮል ብዙሕ ዝጸልው ከምዘይኰነ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ስለዚ ኣብ ዘይቲታት እንርእዮ ‘ኮለስትሮል-ነጻ’ ዝብል መወዓውዒ ዘደናግር እዩ። እወ፡ እቲ ዘይቲ ካብ ኮለስትሮል ነጻ ክኸውን ይኽእል፤ ግን ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ዝዘቕበበ ስብሕን ትራንስ-ስብሕን ክንጥንቀቕ ኣለና። እዚኦም እዮም ንጸላም ከብዲ ብምንቕቓሕ ካብቲ ንቡር ዝዛይድ ኮሌስትሮል ክተፍሪ ዝድርኹ።
ዝዘቕበበ ስብሒ ብቐንዱ ኣብ ውጽኢት እንስሳታት (ከም ስጋን ጸባን) ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ዝተጠብሱን ዕሹጋትን መግብታት እውን እዚ ዓይነት ስብሒ ኣለዎም። ኣብ ኣካላትና ንዘሎ መጠን ኤልዲኤል ("ሕማቕ" ኮለስትሮል) ስለ ዝውስኽን ንሕማም ልቢ ስለዘቃልዕን ጥዕና ዘይብሉ ስብሒ እዩ።
ትራንስ-ስብሕ ኣብ እዋን ምምስራሕ መግቢ ናብ ጽኑዕ ስብሒ ዝቕየር ፈሳሲ ዘይቲ እዩ። ኣብ ገለ ስጋን ፍርያት ጸባን ብተፈጥሮ ዝርከብ ውሑድ መጠን ትራንስ ፋት እንተሃለወ’ውን እቶም ኣብ ዝተመስርሑ መግብታት ዝርከቡ ንጥዕና ዝያዳ ዝጎድኡ ተኽእሎ ኣሎ።
ስለዚ እቲ ኣገዳሲ ነገር ሓደ መግቢ ካብ ‘ኮለስትሮል-ነጻ’ ምባሉ ዘይኰነስ ክንደይ ዝኣክል ዝዘቕበበ ስብሒን ትራንስ-ስብሕን ኣለዎ ዝብል’ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ ትራንስ-ስብሒ ካብ መዓልታዊ እንረኽቦ ካሎሪ ትሕቲ 1 ምእታዊት ክንድርት ይመክር። ዝዘቕበበ ስብሒ ድማ ካብ 10 ሚእታዊት እንተዘይዛይድ ይምረጽ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣፍረይቲ መግቢ ኣብ ፍርያቶም ዘሎ መጠን ትራንስ ስብሒ ትሕቲ 0.5 ግራም እንተዀይኑ ካብ "ትራንስ ነጻ" ወይ "ትራንስ ዘይብሉ" ዝብል ምልክት ክገብሩ ይፍቀደሎም'ዩ።
ስለዚ ኣብ መዓልታዊ መግብና፡ ትሕቲ 0.5 ግራም ዘለዎ ፍርያት ብዝበዝሑ መጠን ውህሉል ለውጢ ከስዕቡ ስለዝኽእሉ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።
መጠን ኮለስትሮልና ብኸመይ ከንክይ ይኽእል?
ቀንዲ መንገዲ ጥዕና ዘለዎ ናይ ኣነባብራ ለውጢ ብምግባር’ዩ። ንልቢ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ፡ ምቁጽጻር ክብደት ሰብነትን ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስን መጠን ኮለስትሮልና ንክንክይ ይሕግዙ።
ካብዚ ሓሊፉ ብሓኪም ትእዛዝ መድሃኒት ብምውሳድ’ውን ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ብዶክተር ስኮት ሃርዲንግ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ነዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮለስትሮል ንምምካት ከም ዝሕግዝ ይእመን።
እቲ መጽናዕቲ፡ ሰለስተ ለውጥታት ኣመጋግባ ንምፍታን ዝተኻየደ’ዩ። ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ መጠን ኮለስትሮል ምንካይ ክሳብ ክንደይ ቀሊል’ዩ? እንታይ ዓይነት መግብታት ኣብ ኣመጋግባና ከነተኣታቱ ይግባእ? ኣየኖት መግብታትከ ክንርሕቕ ኣለና? ንዞም ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ።
ውልቃዊ ለውጢ ኣመጋግባ ክህልዎ ዝኽእል ተኽእሎ ንምምርማር፡ ልዑል መጠን ኮለስትሮል ዘለዎም 42 ወለንተኛታት ተመልሚሎም፤ ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ሰዓዕ፡ ሉዝን ትሑት ኮለስትሮልን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ጉጅለ ተኸፊሎም ንሓደ ወርሒ ክትትል ተገይሩሎም።
ነፍሲ ወከፎም ሓደ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ክገብሩ ተሓቲቶም። ሓደ ጉጅለ ኣብ መዓልቲ 75 ግራም ሰዓዕ፡ ካልእ 65 ግራም ሉዝ ናብ መግቦም ኣተኣታትዮም። እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ድማ ብኮለስትሮል ዝሃብተሙ መግብታት ክቕንሱ ተገይሮም። ትኹረት ናይዚ ናይ መወዳእታ ጉጅለ ብቐንዱ ስብሒ እንስሳታት ብኣብ ኣሕምልቲ ዝተመርኮሰ ምግቢ ምትካእ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ዝዘቕበበ ስብሒ ዘጠቓልል’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ መጠን ኮለስትሮሎም ተዓቂኑ።
ኣብቶም ኣብ ኣመጋግባኦም ሰዓዕ ዘተኣታተዉ ጉጅለ ብማእከላይ ገምጋም ጽቡቕ ውጽኢት ተራእዩ - ኣብኣቶም፡ ኤልዲኤል ብ9 ሚእታዊት ጠቕላላ ኮለስትሮል ድማ ብ10 ሚእታዊት ነክዩ።
እቲ ‘ትሑት ኮለስትሮል’ ዝተመገበ ጉጅለ’ውን ኣብ ጠቕላላ ኮለስትሮል ብ11 ሚእታዊት፡ ኤልዲኤል ድማ ብ13 ሚእታዊት ክንክይ ክኢሉ። ናይዚ ጉጅለ ውጽኢት፡ እቶም ወለንተኛታት ዝምገብዎ ስብሒ እንስሳታት ብምንካዮም ክኸውን ይኽእል።
እቲ ሉዝ ዘተኣታተወ ጉጅለ ኣብ መጠን ኮለስትሮል ዝዀነ ሓፈሻዊ ጽልዋ ዘየርኣየ ይመስል፡ እንተዀነ ግን ውጽኢት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ወለንተኛ ዝተፈላለየ ነይሩ። ፍርቂ ናይቲ ጉጅለ ውጽኢቶም ብኣመጋግባ ክውስኽ ከሎ፡ ፍርቂ ድማ ምንቁልቋል ኣርእዩ - ሓደ ውልቀሰብ ድማ ብፍላይ ኣብ ጠቕላላ ኮለስትሮል ዳርጋ 20 ሚእታዊት ዝበጽሕ ምንቁልቋል ከም ዘርኣየ ተፈሊጡ።
ሰዓዕ፡ ‘ቤታ ግሉካን’ ዝበሃል ተጣባቒ ጽሕጊ ዝሓዘ ኮይኑ ንኣሲድ ሓሞት ይሕዝ፤ ኮለስትሮል’ውን ካብ መዓንጣ ዳግማይ ከይምጠጥ ይከላኸል። ሰዓዕ ኣብ ሽኮር ደምና እውን እወታዊ ጽልዋታት ከም ዘለዎ ጸብጻባት ብቐጻሊ ይምጉቱ።
ኣዳጉራ፡ መግቢ ኣዳጉራ ኣብ ጸላም ከብዲ ንዝፍጠር ምትእኽኻብ ኮለስትሮል ዝዓግቱ ይመስሉ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ መዓልቲ 15-25 ግራም ምውሳድ፡ ልኡም ምንካይ ኤልዲኤል ከምጽእ ይኽእል።
ሉዝ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ሓያሎ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሉዝ ንእሽቶ ጽልዋ ኣለዎ - ኣስታት 5 ሚእታዊት መጠን ኮለስትሮል ክንክይ ይኽእል።
ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ስኮት ሃርዲንግ፡ “ብሓፈሻ ንማእከላይ ሰብ ከም ዝሰርሕ ዝድግፍ እኹል መረዳእታ ኣሎ። ግን እዞም መረዳእታታት፡ እቶም ምትእትታዋት ብሓቂ ንዓና ዝሰርሑ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብበዓል ሞያ ጥዕና ክድገፉ ዘለዎም ይመስለኒ” ይብል።
ውጽኢት’ቲ መጽናዕቲ እወታዊ’ዩ፡ ገለ ውልቀሰባት ድማ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ብምግባር ጥራይ፡ ምስ መድሓኒት ዝመጣጠን ውጽኢት ነይርዎም።
መጀመርታ ደረጃ ኮለስትሮልኩም ተዓቀኑ፡ ን4 ወይ ልዕሊኡ ሰሙናት ሓደ ለውጢ ኣመጋግባ ፈትኑ፡ ድሕሪኡ ዳግማይ ተመርመሩ። ሓደ ለውጢ ኣመጋግባ እንተድኣ ሰሪሑልኩም፡ ሽዑ ካልኣይ ለውጢ ክትውስኹን ዳግማይ ክትዕቀኑን ትኽእል ኢኹም ይብል እቲ ክኢላ።
እቶም ዝተፈላለዩ መግብታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለ ዝሰርሑ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ለውጢ ምውህሃድ ዝያዳ ዝዓበየ ውጽኢት ክህብ ከም ዝኽእል’ውን ይምዕድ።