እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ? ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል?
ሕማም ሽኮር ዕድመ ልክዕ ዝጸንሕን በቢዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝቀትልን ከቢድ ሕማም እዩ። ዝኾነ ሰብ በዚ ሕማም ክትሓዝ ይኽእል።
እቲ ሕማም ሰብነትና ኣብ ዝውውር ደም ዘሎ መጠን ሽኮር (ግሉኮዝ) ኣብ ረብሓ ከውዕሎ እንተዘይክኢሉ ዘጋጥም ኮይኑ፡ እቶም ዝፈጥሮም ጸገማት ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ (ስትሮክ)፣ ዑረት፣ ጸገም ኩላሊትን ምቑራጽ እግርን ከስዕቡ ይኽእሉ።
እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጸገም እውን እዩ። ብብርኪ ዓለም 422 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ብሕማም ሽኮር ተጠቒዖም ኣለዉ፤ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመላኽትዎ፡ እዚ ቁጽሪ ካብቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝነበረ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዓበየ እዩ።
ዋላኳ እዚ ኩሉ ሓደጋታት እንተሃለዎ፡ ፍርቂ ካብቶም ሕማም ሽኮር ዘለዎም ግን ኣይፈልጡዎን።
ኮይኑ ግና ለውጢ ኣገባብ መነባብሮ ብምግባር መብዛሕትኡ እዋን ክከላኸሎ ይኽእል እዩ። ከመይ ዝብል ንርአ።
መንቀሊ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?
ክንምገብ ከለና፡ ሰብነትና ን ካርቦሃይድሬትስ (ሓይሊ ወሃብቲ ምግቢታት) ናብ ሽኮር (ግሉኮዝ) ይቕይሮም። ኣብ ጣፍያ (ፓንክርያስ) ዝፈሪ ኢንሱሊን ዝተባህለ ሆርሞን፡ ጉልበት ክንረክብ ምእንቲ ንዋህዮታት ሰብነትና ነዚ ሽኮር ክመጥዎ ዝእዝዝ እዩ።
ኢንሱሊን እንድሕር ዘይፈረየ ወይ ድማ ብግቡእ እንተዘይሰሪሑ ኣብ ደምና ሽኮር ይእከብ፤ እዚ ክስተት ሕማም ሽኮር ይፈጥር።
ዓይነታት ሕማም ሽኮር እንታይን እንታይን እዮም?
ብዙሕ ዓይነታት ሕማም ሽኮር ኣለዉ።
ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ጣፍያ ኢንሱሊን ምፍራይ ደው ኣብ ዘበለትሉ፡ ግሉኮዝ ኣብ ዝውውር ደም እንትእከብ ዘጋጥም እዩ።
እዚ ንምንታይ ከምዘጋጥም ተመራመርቲ ኣይፈለጥዎን፤ ምናልባት ግን ብሰረተ-ዘርኢ (ጀነቲክ) ምኽንያት ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ጣፍያ ኢንሱሊን ኣብ ዘፍርዩ ዋህዮታት ዘጋጥም ረኽሲ ቫይረስ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽዝል ይግምቱ።
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ድማ፡ ጣፍያ እኹል ኢንሱሊን ኣይተፍርን ወይ እቲ ሆርሞን ብኣገባብ ኣይሰርሕን ማለት እዩ።
እዚ መብዛሕትኡ ኣብ ማእከላይን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት የጋጥም፤ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎምን ኮፍ ኢሎም ዝሰርሑን መንእሰያትን ኣብ ከም ደቡብ ኤስያውያን ዝበሉ ውሱናት ዓሌታትን ይረአ።
ገለ ነፍሰጾራት ሰብነተን ንዐአንን ንዕሸለንን ዝኸውን እኹል ኢንሱሊን ምፍራይ ኣብዘይክእለሉ፡ ኣብ ሕማም-ሽኮር-እዋን-ጥንሲ ከጋጥመን ይኽእል እዩ።
መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ ካብ 6 ክሳብ 16 ምኢታዊት ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕማም-ሽኮር እዋን ጥንሲ (ጀስተይሽናል ዳያቢትስ) የጋጥመን። ብኣመጋግባ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ከምኡ እውን ናብ ታይፕ 2 ከይዓቢ ኢንሱሊን ብምውሳድ ክከላኸለኦ ይግባእ።
ሰባት ኣብ ብርኪ ቅድመ-ሽኮር እውን ክርከቡ ይኽእሉ። ወሰኽ ግሉኮዝ ኣብ ደም ንሕማም ሽኮር ከቃልዕ ይኽእል።
መብዛሕትኦም ልሙዳት ምልክታት፤ ኣዝዩ ጽምኢ ይስመዓካ፣
ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ሽንቲ ምብዛሕ፣ ብፍላይ ድማ ብለይቲ
ኣዝዩ ድኻም ይስመዓካ። ክብደት ሰብነት ምጉዳል፣ ዝመላለስ ሕማም ጉሮሮ ኢሉ’ውን ነገራት ደብዝዝ ኢሎም ክርኣዩኻ ይኽእሉ።
ብመሰረት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ኣብ ዓይነት 1 ምልክታት ሕማም ሽኮር ኣብ ድሮ ንእስነት ወይ ግዜ በጽሒ ዝርኣዩ ኮይኖም ዝኸበዱ’ዮም።
እቶም ኣብ ዓይነት 2 ዝርከቡን ኣመና ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ሰባት ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም [ወይ ንደቡባዊ ኤስያውያን 25 ዓመት]፤ ሕማም ሽኮር ዘለዎ ወላዲ ወይ ሓው ምስዝህልዎም ምልክታት ልዕሊ ዓቐን ክብደት ወይ ስብሒ ይረኣዮም። ከምኡ’ውን መበቆሎም ደቡብ ኤስያ፣ ቻይና፣ ኣፍሮ-ካሪብያን ወይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ እዮም።
ሕማም ሽኮር ክከላኸል ይኽእል ድየ?
ሕማም ሽኮር ኣብ ሰረተ-ዘርእን [ጀነቲካዊ] ከባብያውን መንቀልታት ዝምርኮስ ኮይኑ ግን ድማ ብጥዑይ ኣመጋግባን ንጡፍ ኣነባብራን መጠን ሽኮር ደምካ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።
ዝተመስርሐ ሽኮር ዘለዎ መግብን መስተታትን ምውጋድ፡ ከምኡ’ውን ጻዕዳ ባኒን ፓስታን ተፈጥሮኣዊ መዓዛ ብዘለዎም መግብታት ምቕያር ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።
ዝተጻረየ ሽኮርን ዝተጻረየ እኽልን ብቪታሚን ዝሃብተመ ክፋሎም ስለዝእለ መኣዛታት ዝጎደሎ’ዩ። ኣብነት ጻዕዳ ሓርጭ፡ ጻዕዳ ባኒ፡ ጻዕዳ ሩዝ፡ ጻዕዳ ፓስታ፡ ኬክ፡ ሽኮር ዘለዎ መስተ፡ ምቁር መግቢ፡ ከምኡ’ውን ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎ ቁርሲ ይርከብዎም።
ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ኣሕምልትን ፍረታትን የጠቓልል። ብተወሳኺ ጥዕና ዘለዎም ዘይቲታት፡ ከምኡ’ውን ብሳርዲን፡ ሳልሞንን ስገምሪን ዝሃብተሙ ዓሳታት የጠቓልል።
ኣብ ስሩዕ ግዜ ምብላዕን ምስ ፀገብካ ምብላዕ ምቁራጽን ኣገዳሲ እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር እውን ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ሽኮር ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ብሪጣንያ ኣብ ሰሙን 2.5 ሰዓታት ኤሮቢክ ንጥፈታት ክግበር ይመክር፡ እዚ ድማ ቅልጡፍ ምጉዓዝን መደያይቦ ምድያብን ከጠቓልል ይኽእል።
ጥዑይ ክብደት ኣካላትካ ደረጃ ሽኮር ኣብ ደምካ ብቐሊሉ ንኽንኪ ይገብሮ። ክብደትካ ክትቅንስ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ኣብ ሰሙን ካብ 0.5 ኪሎ ክሳብ 1 ኪሎ ክተጉድል ጽዓር።
ሽጋራ ዘይምትካኽን መጠን ኮሌስትሮልካ ምክትታልን እውን ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ሓደጋ ሕማም ልቢ ንምንካይ ሓጋዚ’ዩ።
ሕማም ሽኮር ዘስዕቦ ጸገማት እንታይ እዩ?
ኣብ ደም ልዑል መጠን ሽኮር እንተሃልዩ ንሰራውር ደም ብኸቢድ ክጎድእ ይኽእል።
ደም ኣብ ኣካላትካ ብጽቡቕ ክንቀሳቐስ እንተዘይክኢሉ፡ ናብ ዘድልዮም ክፋላት ኣካላት ኣይበጽሕን፡ እዚ ድማ ንሓደጋ ምጉዳእ ነርቭ (ስምዒትን ቃንዛን ምጥፋእ)፡ ጸገም ምርኣይን ረኽሲ እግርን ይውስኽ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕማም ሽኮር ቀንዲ ጠንቂ ዓይነ ስውሩነት፣ ድኻም ኩሊት፣ ወቕዒ ልቢ፣ ወቕዒን ምቑራጽ እግርን ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ 2016 ብገምጋም 1.6 ሚልዮን ዝሞቱ ሰባት ብቐጥታ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ክንደይ ሰባት ሕማም ሽኮር ኣለዎም?
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቁጽሪ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ኣብ 1980 ካብ ዝነበረ 108 ሚልዮን ኣብ 2014 ናብ 422 ሚልዮን ክብ ኢሉ።
ኣብ 1980፡ ብደረጃ ዓለም ትሕቲ 5 ምኢታዊት ካብ ዓበይቲ (ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ) ሕማም ሽኮር ነይርዎም - ኣብ 2014፡ እቲ መጠን 8.5 ምኢታዊት ነይሩ።
ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ከም ዝግምቶ ዳርጋ 80 ምኢታዊት ካብቶም ምስ እቲ ሕማም ዝነብሩ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ማእከላይን ትሑትን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብዘን ሃገራት ድማ ልምዲ ኣመጋግባ ብቕልጡፍ ክቕየር ከምዝጸንሐን ይግምት።
ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ድማ ምስ ድኽነትን ዘይጥዑይ ኣመጋግባን ዝተኣሳሰር እዩ።