እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተመራመርቲ ‘ጥዕና ዝህብ ጻዕዳ ባኒ’ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም
ተመራመርቲ ልክዕ ከምቲ ካልእ ስሩዕ ጻዕዳ ባኒ ጥዕና ዝመልኦ፤ ምስ ጻዕዳ ባኒ ዝመሳሰልን ከምኡ ዝጥዕምን ሓድሽ ዓይነት ባኒ ንምፍጣር ይጽዕሩ ኣለዉ።
ንኣፍቀርቲ ጻዕዳ ባኒ ዝዓለመ እዚ ፕሮጀክት ንጥዕናዊ ረብሓታት መግቢ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምሕያሽ ብመንግስቲ ዝተመወለ እዩ።
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ባኒ ከዳልዉ ከለዉ ውሑድ መጠን ዓተር፡ ባልደንጓ ጥረታትን ከምኡ’ውን ካብ ጻዕዳ ሓርጭ ዝእለዩ ገፈልን ቡቋልን ስርናይ ክውስኹሉ መደብ ኣለዎም።
ሰርሓት ባኒ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓርጮም ገፈል (ቅራፍ እክሊ) ብምውሳኽ ንጻዕዳ ባኒታቶም ጥዕና ዘለዎ ንምግባር እንተፈተኑ'ኳ ዓማዊሎም ግን ጣዕሙን ቅርጹን ኣይፈተውዎን።
እቲ ሓድሽ ፕሮጀክት ምርምር ገና ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ እዩ ዝርከብ።
ሓንቲ ካብ ተመራመርቲ ዝዀነት ዶክተር ካትሪን ሆዋርት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣቤሪስትዊት፡ ሰብሞያ ዝርዝር ከሚካላዊ ውህደት ናይቲ ዝጸንሐ ጻዕዳ ሓርጭ ከጽንዑ ጀሚሮም ከምዘለዉ ገሊጻ ኣላ።
ንሳ፡ ጣዕምን ስምዒትን ጻዕዳ ባኒ ዓቂብካ ንመኣዛዊ መለለዪታቱ ናብ ደረጃታት እቲ ካብ ዘይምስሩሕ ወይ ዝዀነ ምምሕያሽ ዘይተገበረሉ ሓርጭ (ሆልሚል) ዝዳሎ ባኒ ክዓቢ ምግባር ረቂቕ ናይ ምምጥጣን ተግባር ከምዝነበረ ኣረዲኣ።
ኣብ መስርሕ ምጥሓን ንዝወጽእ ገፈል ብውሱን መልክዑ መሊስካ ምትካእ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ካልኦት ብቪታሚናት፣ ማዕድናትን ጽሕጊን ዝሃብተሙ ኣእካል እውን ክውሰኹ ይግበር።
"ኣብ መስርሕ ምጥሓን እንታይ ዓይነት ቫይታሚናትን ማዕድናትን ከም ዝጠፍኡ ብልክዕ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና" ትብል ዶክተር ሆዋርት።
ኣስዒባ፡ "ካልኦት ኣእካል ብምጥቃም ድማ ንመጠን ኣይረን፡ ዚንክን ቫይታሚንን ብዓቢኡ ከኣ ትሕዝቶ ፋይበር ከነዕብዮ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ጻዕዳ ባኒ ንጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፋይበር ብውሑድ መጠን’ዩ ዝርከቦ" ብምባል ተረድእ።
እቲ ሓድሽ ዓይነት ባኒ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ መደርደሪታት ሱፐርማርኬት ክቐርብ ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር።
ነቲ ኣብ መስርሕ ምጥሓን ዝጠፍአ ረብሓ ዘለዎ ንጥረ-ነገራት ንምትካእ ኣብ ጻዕዳ ባኒ ማዕድናትን ቫይታሚናትን ምውሳኽ ብሕጊ ፍቑድ እዩ።
ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሓድሽ ባኒ ዘማዕብሉ ዘለዉ ተመራመርቲ ዝዀነት ዶክተር ኣማንዳ ሎይድ ግን ተፈጥሮኣዊ ቀመማት ምጥቃም ነቲ ጻዕዳ ባኒ ዝያዳ ጥዕና ዝመልኦ ከም ዝገብሮ ትኣምን።
ዶክተር ኣማንዳ ሎይድ፡ “መኣዛዊ ትሕዝቶ ባኒ እንተተመሓይሹ፡ ናብራን ጥዕናን ሰባት እውን ክመሓየሽ’ዩ” ትብል።
ኣብቲ መጽናዕታዊ ጕጅለ ዘይሳተፍ ቲም ላንግ ዝበሃል ፕሮፌሰር ፖሊሲ መግቢ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲቲ፡ እቲ ስራሕ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ሰባት ናብ ቅድሚት ዝወስድ ኣገዳሲ ስጕምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ’ሎ።
ጸብጻብ ማሕበር ሕሙማት ሽኮርያ ብሪጣንያ ከምዘመልክቶ፡ ኣብቶም ብቐጻሊ ብመስርሕ ምምጽራይ ወይ ምምሕያሽ ዘይሓለፈ እኽሊ (‘ሆልግረይን’) ዝበልዑ ሰባት ዘጋጥም ሓደጋ ሕማም ልቢ፣ ወቕዒን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ክሳብ 30 ሚእታዊት ክንኪ ከምኡ’ውን ሓደጋ መንሽሮ መዓንጣ ናይ ምጕዳል ተኽእሎ ኣሎ።