ሰራዊት ሱዳን ንስቪላዊ ምምሕዳር ባይታ ከጣጥሕ’ዩ - ኣልቡርሃን

ሰልፈኛታት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንኽምለስ ባይታ ከም ዘመቻችእ ተዛሪቡ።

ንሱ ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ንዝግበር ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ዕንቅፋት ከምዘይከውንን፡ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ምርጫ ንምሕጋዝ ድልውነት ከም ዘለዎን ሓቢሩ።

ደሕሪ ሕጂ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው እታ ሃገር ንኸብቅዕ ብሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት፡ እቲ ሰራዊት ጣልቃ ከም ዘይኣቱ'ውን ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ጀነራል ቡርሃን እቲ መሰጋገሪ እዋን መዓስ ከም ዘብቅዕ ዘነጽር ደረት ግዜ ኣየቐመጠን።

ሰራዊት ሱዳን፡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሱዳናውያን ከካይድዎ ብዝጸንሑ ቀጻሊ ሰልፊታት ተቓውሞ፡ ኣብ ሓያል ወጥሪ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ዝነበረ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዕልዋ ምስ ተኣልየ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ምሉእ ስልጣን ከም ዝተቘጻጸረ ይዝከር።

ጀነራል ቡርሃን፡ ቅድም ኢሉ’ውን ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ንኽህሉ ውፍይነት ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ብኻልእ ወገን ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ብ30 ሰነ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኣሲሮም ንዝነበሩ 145 ተሓለቕቲ ፈቲሖም።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።