እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሪያድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ
ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ምስ ወራስ-ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ፈለግ ናይልን ወሽመጥ ዓረብን ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።
"ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ተራ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኩሎም ዞባውያን ጉዳያት ተመያይጦም" ይብል ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ።
"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቅድሚ ሕጂ በዂሩ ዝጸንሐ ግደ ስዑዲ ኣብ ኩሎም እዞም ጉዳያት ዓልዒሉ" ከምዝተዘራረበ የመልክት።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ንግስነት ዝኾነ ልኡል ሳልማን፡ ብዛዕባ እቶም ጉዳያት ዕሙቚ ዝበለ ልዝብ ንምክያድ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክሰድድ ምዃኑ'ውን እቲ ብወገን ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።
ኣብ ቤተንግስነት ኣል-ያማማህ ዝተኻየደ ዝርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ሳልሕ ዑስማንን ፋይሳል ቢን-ፋርሓንን ተረኺቦም ነይሮም።
ብዘይካኦም፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ስዑዲ ዶ/ር ሙሳዒድ ቢን መሓመደ ኣል-ዓይባን፡ ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ኤርትራ መሻል ቢን ሓምዳን ኣል-ሮቒ ከምዝተሳተፉ'ውን ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ሓቢሩ። ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ንግስነት ወይኒ ገረዝጊሄር'ውን ተረኺባ ነይራ።
"ኣብቲ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ንዝጸንሐ ዝምድናታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ምትሕግጋዝን ዝሕይልሉ ኣገባብን፡ ካልኦት ክልተኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ገምጊሞም" ይብል እቲ ብወገን ሪያድ ዝወጸ ጸብጻብ።
እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰሉስ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ከምዝኣተወ ይዝከር።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ኣብ ዝኣተወሉ ምክትል ኣሚር ዞባ ሪያድ ልኡል መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል-ሳዑድ ከም ዝተቐበሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ሓቢረን።
እቲ ፕረዚደንት ብዕድመ ንጉስ ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ስዑድ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብታ ንግስነት ከም ዝገሸ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያል ናይ ኲናት ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝገይሽ ዘሎ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምርግጋእ ኣብ ምርግጋጽ ሓያል ቍጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ከም ዘለዋን፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ናይቲ ዞባዊት መወዳድርታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምምካት ትጽዕር ከም ዘላ ተንተንቲ ይሕብሩ።
ኣብ ስግር ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ሶማልያ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ርያድን ኣቡዳቢን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ነቲ ዞባ ናብ ቀጻሊ ቅልውላውን ስግኣትን ሸሚምዎ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ናብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ሓድሕዳዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭትን ምዕባለታቱን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰረ ዘተ ኣካይዶም ነይሮም።
ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ከም እትድግፍ ይፍለጥ።
ስዑዲ ዓረብ'ውን ቀንዲ ደጋፊት ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ውግእ ሱዳን መዕለቢ ክረክብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ምዝርራብ ጉዳይ ሱዳን ተስፋ ሰላም ዝረኸበ ይመስል።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 2023 ናብ ስዑዲ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ምስ ሓያለ ላዕለዎት ሰበሰልጣን እታ ንግስነት ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ሪያድ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣልዒሎም ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።