እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡል ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣብ ሪያድ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ ሰሉስ 28 ለካቲት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምኻዱ ይፍለጥ።
ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ከም ዝጸንሕ ዝተገልጸ ምብጻሕ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ሓያለ ላዕለዎት ሰበሰልጣን እታ ንግስነት ተራኺቡ'ሎ።
ሎሚ ባሕቲ መጋቢት ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ርእሰ ከተማ ሪያድ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣልዒሎም ተዘራሪቦም።
ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝጸንሖም ምትሕግጋዝ ከምዝገምገሙ ይሕብር።
"ኣብቲ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ገለ ሸነኻት ሓባራዊ ምትሕግጋዝ፡ ንዞባዊ ምዕባለታት ዝምልከቱ ፍጻሜታትን ገምጊሞም" ይብል እቲ ጸብጻብ።
እቶም ተዘሪብሎም ዝተባህሉ ጉዳያት ብዝርዝር ኣየኖት ምዃኖም ግን ዝተገልጸ ነገር የለን።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ'ውን፡ "ክልቲኦም ወገናት፡ እዋናውን ናይ መጻእን ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምሕያል ዘኽእል ሓፈሻዊ ቅጥዕታት ሽርክነት ክህሉ ተሰማሚዖም" ኢሉ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ብወገን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ልኡል ኻልድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ቢን ዓብዱላህ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታን ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ዶ/ር ሙሳዒድ መሓመድ ኣል-ዓይባን፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሙሓመድ ቢን ዓብዱላህ ኣል-ጃዳን፡ ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ሳቕር ቢን ሱሌማን ኣል-ቁራሺ ተረኺቦም ነይሮም።
ብወገን ኤርትራ ግን፡ ብዘይካ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ሰብልጣን ምንባሮም ይኹን ዘይምንባሮም ኣይተፈልጠን።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝወጸ ስእልታት'ውን እቲ ፕረዚደንት ንበይኑ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ክላዘብ ዘርእዩ እዮም።
ከም ልሙድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ከሰንይዎ ይርኣዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስቲ ብዕድመ እናደፍአ ዝኸይድ ዘሎ ንጉስ ሳልማን ተራኺቡ እንተነይሩ ዝተፈልጠ የለን።
እቲ ንጉስ ዝበዝሕ ሓላፍነቱ ንወዱ ወራሲ-ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከምዘረከቦ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እናሓየለ ክመጽእ ምጽንሑ ይግለጽ።
ኣብ መስከረም 2018 ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ዘብቅዐ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ምእንጋዳ ይዝከር።
እቲ ስምምዕ ሰላም ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ ምንባሩ’ውን ይፍለጥ።
እቲ ፍጻመ፡ ንተራ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ መስርሕ ዝቐልዐ’ዩ ነይሩ።
ካብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ፡ ዝምድና እተን ሃገራት ክብን ለጠቕን እናበለ'ዩ ዝመጽእ ነይሩ።
ቅድሚ 10 ዓመታት፡ ኤርትራ ምስታ ቀንዲ ጸላኢትን መቐናቕንትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝነበራ ዝምድና እናማዕበለቶ ትኸይድ ምንባራ ይዝከር።
ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ መወዳእታ 2008፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ርእሰከተማ ጣሕራን (ቴህራን) ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስቲ ኣኽራሪ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ብምርኻብ ብዛዕባ ምምሕያሽ ዝምድናታቶም ተዘራሪቦም።
እቲ ስጉምቲ ንስዑዲ ዓረብ ባህ ከምዘየበላ'ዩ ዝንገር።
ኣብ 2011 ኣብ የመን ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ቅልውላው ናብ ኲናትን ሕንፍሽፍሽን ምስ ኣምረሐን፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ቀጥታዊ ምትእትታው ክገብር ኣብ ዝጀመረሉን ግን ምሕዝነት ኤርትራ ካብ ኢራንን ቐጠርን ናብ ስዑዲ ክዛዙ ጀሚሩ።
ኤርትራ ብወግዒ ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ድሕሪ ምድጋፋ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 2015 ጥራይ ክልተ ግዜ ናብ ስዑዲ ብምኻድ ምስ ንጉስ ሳልማን ተላዚቡ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ተራ ክትጻወት ዘለዋ ሃገር'ያ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።