ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ምሸት ተቐቢሉ

ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ኣሚር ፋይሳል ቢን ፈርሓን ኣል ስዑድ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ምሸት 15 ታሕሳስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ካብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ሱዑድ ከምኡ'ውን ካብ ኣሚር መሓመድ ቢን ሳልማን ንዝተልኣኸሉ መልእኽቲ ከም ዝተቐበለ'ውን ኣቶ የማነ ዝጠቅዖ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ'ቲ ርክብ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝህሉ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመርኮሰ ሽርክነት ኣተኲሮም ከምዝዘተዩን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑን ተገሊጹ።

ነቶም ዝተበጹሑ ስምምዓት እተከታተል ናይ ሓባራዊ ኮሚቴ ከቑሙ ከምእተሰማምዑ'ውን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቶም ዝተበጽሑ ስምምዓት ግን ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

ኲናት የመን ኣብ 2014 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ።

ኤርትራ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወታሃደራዊ-ኪዳን ከም እትድግፍ ምግላጻ ይዝከር።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገና፡ ነቲ ኣብ ሓምለ 2018 መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምምጻእ ተራ ከምዝነበራ ተንተንቲ ይገልጹ።

እቲ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ኣብ ጂዳ ዳግማይ ምፍራሙ ይዝከር።