እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጉዳይ ዶብ ክለዓል ኣይደለየን' ኣምበሳደር ስዩም መስፍን
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ ሸውዓተ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ሓደ፣ ካብቶም ናብ ምዕራብ ትግራይ በረኻ ደደቢት ወሪዶም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ዓሰርተ ተጋደልቲ ሓደ ከምኡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ንዕስራ ዓመታት ዘገልገለ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኣዘራሪብዎ ኣሎ።
ቢቢሲ፦ ኣብ ደደቢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ክንደይ እዮም መነመንከ እዮም?
ኣምባሳደር ስዩም፦ ብዝተፈላለዩ ወፍርታት ምኽንያት እንከየርከቡ ዝተረፉ ነይሮሙና እዮም። ናብ ለካቲት 11 ዘውግሕ ካብ ሽረ እንዳስላሰ ተበጊስና ናብ ደደቢት ዝወፈርና ግን ዓሰርተ ተጋደልቲ ኢና። ኣስማቶም ንምዝርዛር ዝኣክል በቶም ስውኣት ክጅምር፡
1) ስሑል ናይ ገዛ ሽሙ ገሰሰው ኣየለ [ስዉእ]፣
2) ቀለበት ናይ ገዛ ሽሙ ንጉሰ ታየ [ስዉእ]፣
3) ጸሃየ ናይ ገዛ ሽሙ ኣረፋይነ ካሕሳይ [ስዉእ]፣
4) ኣስፍሃ ናይ ገዛ ሽሙ ሙሉጌታ ሓጎስ [ስዉእ]፣
5) ግንጽል ናይ ገዛ ሽሙ ካሕሳይ በርሀ [ስዉእ]፣
6) ግደይ ናይ ገዛ ሽሙ ፋንታሁን ዘርኣጽዮን፣
7) ኣረጋዊ በርሀ ናይ ገዛ ሽሙ በሪሁ በርሀ፣
8) ከኾብ እንብሎ መራሒ መገዲ ኮይኑ መደብ ተዋሂብዎ ድሓሪ ክልተ ሰሙን ናብ ከተማ ዝተመለሰ'ዩ [ስዉእ]፣ 9) ኣብጠው ታከለ ወይ ድማ ሚኪኤለ ኮይኑ ዓስራይ ኣነ ባዕለይ ስዮም መስፍን ኢና።
ቢቢሲ፦ ትግራይ ብመጠን ድኽነት፣ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ስደትን ካብ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ እያ እሞ ቃልስኹም ፍረ ኣፍርዩ'ዶ ትብል?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ እቲ መረዳእታ ልክዕ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገሩ ካልኣይ ዜጋ ስለዝነበረ ፈለማ ነቲ ስርዓት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ክዓልዎ ነይርዎ። ኣብቲ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ድማ ከም መጠን ቦካር ተቓላሳይ ከቢድ ማህሰየቲ ዘተኣናገደ ህዝቢ እዩ።
በዚ ድማ ልምዓት ዝበሃል ነገር ኣይሕሰብን ነይሩ። ኣብ ትግራይ ብዘይካ እታ ካብ ኣስመራ ጨዲዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ እትሓልፍን ጎንደር ምስ ማእኸል ሃገር እተራኽብ ናይ ምዕራብ ትግራይ መገዲ እዚ ዝበሃል ጽርግያ ኣይነበረን። መብራህቲ ኣይኣተዎን ነይሩ።
ፋብሪካ ዝበሃል ኣይሕሰብን ነይሩ። ስለዚ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ 64 ምኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ድኽነት እዩ ዝነብር ነይሩ። ከም ኢትዮጵያ ሻቡ ዝነበረ መጠን ድኽነት ግን 54 ምኢታዊት እዩ ነይሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርግ ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማዕረ ዕድል ዝዓብይሉ ፖሊስን ስትራቴጅን ሓንጺጹ እዩ ተንቀሳቒሱ። በዚ ድማ ን27 ዓመታት ዕውት ጉዕዞ ተከይዱ እዩ።
ትካላት ሃኒጽና ኢና። ንኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ዴሞክርስያውያን ትካላት ንምህናጽ ክልተ ሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት እዩ ወሲድሎም። ንሕና ግን ኣብ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ኢና ሃኒጽናዮ በዚ ድማ እንጉህየሉ የብልናን። ክንድቲ እንምንዮ'ዶ ከይድና እንተይልና ግን ዓቕሚ ደሪቱና ኣይኮነልናን።
ኢትዮጵያ ካብ ደርግ ክንርከባ እንከለና ካብ ኣፍሪቃ ብታሕታይ ታ እሻምነይቲ ድኻ ሃገር እያ ነይራ። ብዝተኸተልናዮ ፖሊስን ስትራቴጅን ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብእትውንኖ ሃብቲ ካብ ኣፍሪቃ 6ይቲ ሃገር ክትከውን በቒዓ እያ። ን15 ዓመታት ዓለም ዝመስከረሉ ድርብ ኣሃዝ ኢኮኖምያዊ ዓቕሚ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና እያ። እዚ ምዕባለ እዚ ብነዳዲ ወይ እውን ማዕድን ዝተረኸበ ዘይኮነስ በቲ ናይ ሓረስታይ ማእገር ዝተሃንጸ ሕርሻ ማእኸል ዝገበረ ውጽኢት እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ እታ ናይ 'ኤዥያን ታይገር' ተባሂለን ናይ ዝጽውዓ ሃገራት ዘመዝገብኦ ስሉጥ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝደገመት ብሕታዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ተባሂላ ካብ ባንኪ ዓለም ኮነ 'ኣይኤምኤፍ' ናእዳ ዝረኸበት ሃገር ኢና ፈጢርና። ኣብ ትግራይ እንተሪኢና እውን እቲ ሓረስታይ ከውሒ ፈሊጹ መደብ እናሰርሐ ኣብ ሕርሻን ክንክን ሃብቲ ተፈጥሮን ክሳብ ምስ ቻይና ወርቂ ዝረኸበት ክልል ክትከውን በቒዓ እያ።
እዚ ማለት ግን ምስእቲ ክንኮኖ ንደልዮ ትምኒት እንትነጻጸር ሕዚ እውን ገና ኢና ይተርፈና እዩ። እቲ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝውረ 'ትግራይ ብኣድልዎ ህወሓት ዝያዳ ለሚዓን ማዕቢላን' ዝብል ዘረባ ሓቂ ዘይምዃኑ ግን ምርዳእ ይከኣል። እዚ ህዝቢ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ እንተቐጺሉን ግና ኣብታ ክበጽሓ ዝደልያ ባህጊ ከምዝበጽሕ ኣይጠራጠርን እየ።
ቢቢሲ፦ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእኸላይ መንግስቲ ግን ካብቲ ዝበልካዮ መረዳእታ ብዝተፈልየ መገዲ "ኢትዮጵያ ን27 ዓመታት ኣብ ጸልማት፣ ስርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን" ከምዝነበረት እዩ ዝገልጽ እሞ ከመይ ክቃዶ ይኽእል?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ እቶም 27 ዓመታት ኣብ ጸልማት ነይርና ዝበሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎም ሰባት እንታይነት ጸልማት ዘይፈልጡን፣ ንብርሃን ብጸልማት ክጥቅኑ ዝደልዩ ስለዝኾኑ ከምድሌቶም ክብሉ ይኽእሉ እዮም። እንተ ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ሕሉፍ 27 ዓመታት እንታይ ከምዝረኸቡ ባዕሎም ይዛረብዎ።
ካልእስ ይትረፍ ኣብ 27 ዓመታት ካብ ዝተመዛበለን ዝሞተን እኮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ መረበቱን ዝተመዛበለን ህይወቱ ዝሰኣነ ሰብ ይበዝሕ። ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ኣስታት 3 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቴንዳ ዝነብሩን ዛጊድ ዘይተጣየሱን እዮም።
ኣብ 27 ዓመታት ግን ኣሽንኳይ ዝመዛበል ተመዛቢሉ ዝነበረ እውን ዝጣየሱ እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዓለም እታ በዝሒ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዝርከብዋ ቀዳማይቲ ሃገር ኮይና ኣላ። ናይ ሰብኣዊ መሰላት እንተወሲድና እውን ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ጸብጻብ 'ሂውማን ራይትስ ዎች' ን 'ኣምነስቲ ኢንትራናሽናልን' ሪኢኻ ካብቲ ኣብ 27 ዓመታት ዝተፈጸመ ንላዕሊ ኮይኑ ከምዘሎ ምርኣይ ይከኣል። ስለዚ ስራሕናን ዕላማንን ንፈልጥ ሰባት ኢና እሞ እቲ ኸልቢ ይነብሕ እቲ ገመል ድማ ጉዕዝኡ ክቕጽል እዩ።
ቅድሚ ሕጂ መቓልስትና ዝነበሩ ሎሚ ኪሒዶሙና ዘይሽምና ይህቡና ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘረፍቲ ሃገር፣ ካንሰር ኢትዮጵያ፣ ናይ ቀትሪ ኣዛብእን በንቆስቲ ኣጻብዕትን ኢሎሙና እዮም። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ንምክያድ ዝሃቀነ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። በቲ ንሳቶም ዝሓሰብዎ እንተዝኸውን ነይሩ ኣሽንኳይ ክልተ ዓመት ክልተ ወርሒ ክጸንሕ ኣይደለይዎን ነይሮም። ሳላ ሓድነቱ ግን ንሶም እናመኸኑ ህዝቢ ትግራይ እናተርንዐ ይኸይድ ኣሎ።
ቢቢሲ፦ እቶም እትወቕሶም ዘለኻ መራሕቲ ህወሓት ብቐላሳይነት ኣብ ዝመርሖ ኢህወዴግ ዝዓበዩን ናትኩም ውጽኢት'ዶ ኣይኮኑን እዮም?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ህወሓት ቦኳር ተቓላሳይ ውድብ እምበር ቀላሳይን ካብቶም ኣብቲ ግንባር ዝነበሩ ውድባት ልዕልነት ኣይነበሮን። ርግጽ እዩ 83 ዓ/ም ናብቲ ቃልሲ ዝተጸምበሩ ሰባት ጀነራላት ንክኾኑ 20ን ልዕሊኡን ዓመታት ክወስደሎም ግድን እዩ። ካብ ትግራይ ቁጽሪ ጀነራላት ስለዝበዝሑ ልዕልነት ነይሩ ምባል ኣይከኣልን። እንትርፎ መስዋእቲ ዝረኸብዎ ነገር የለን። ምእንቲ ብሄራዊ ተዋጽኦ ኢልና እኮ 40 ሽሕ ተጋዳላይና ንሓደ ተጋዳላይ 6 ሽሕ ብር እናሃብና እኮ ኣፋኒናዮ ኢና። ትግራዋይ በቲንና ኣብ ክንድኡ ልዕሊ 60 ሽሕ ደቂ ካልእ ብሄር ሓደሽቲ ምልምል ሰራዊት እኮ ኢና አእቲና።
ህወሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ናብ ካልእ ክልል ከይዱ ኣየማሓደረን። ኦህዴድ ኦሮምያ፣ ብኣዴን ኣምሓራ፣ ደህዴን ክልል ደቡብ ህዝብታት እዮም ዘመሓድሩ ነይሮም። ካድረ ኦህዴድ ዘይፈረመላ እትውሰድ ብጣሽ መሬት ኣይነበረትን። ብሓባር ዝሰርቑን ዝኣልዩን ዝነበሩ ባዕላቶም እዮም። ኣብ ከክልሎም ፍሉይ ሓይሊ እንተነይርዎም ጽፍሪ ዝነቅልን ዝቐትልን እንተነይሩ ባዕላቶም እምበር ትግራይ ኣብኡ ከይዱ ኣይቐተለን። ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ካልእ ክልል ትግርኛ ዝዛረብ ኣማሓዳሪ ኣይነበረን። ክልሎም ባዕሎም እዮም ዘመሓድሩ ነይሮም። እዞም ሰባት ንዓና ጥራይ ኣይኮኑን ክሒዶሙና፣ ነቲ ይውክሉኒ እዮም ዝበሎም ህዝቢ እውን እዮም ክሒዶም። ስለዚ እዚኣቶም እንተዘየጸልሙና እዩ ክገርመና ነይሩ። ከም ወዮ ሌባ ኣብ ዕዳጋ ሰሪቑ ፈሊጡ "ሌባ ሌባ ሓዙለይ" እናበለ ዝዘውር ዛንታ እዩ ናይዚኣቶም። ግን እዚኣቶም ኣይከምልጡን እዮም።
ሓንቲ ነገር ግን ክዛረብ። ኣብ ዓለም ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሓብአ ሃብቲ ሃገር ዘሳድዱ ትካላት ስለዘለዉ፣ እቶም ሰረቕቲ ዝብሉ ሰባት ሓቂ እንተልይዎም ይውጽኡ እሞ ነዚኣቶም ቆጺርና ናይ ሕድሕድና ሕሳብ ባንኪ ምስ ሸውዓተ ወለዶና ተጻርዩ መን ኣበይ እንታይ ከምዘለዎ ንህዝቢ ዕላዊ ይገበር።
ቢቢሲ፦ ዓቕሚ መሪሕነት ህወሓት ተዳኺሙ እዩ ምኽንያቱ ድማ ኣብ መስርሕ ምትኽኻእ ጸገም ስለዝነበርኩም እዩ ዝብል ወቐሳ ይቐርበልኩም እዩ እሞ ከመይ ትርእዮ?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ሰለስተ ርባዕ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዝወነነ እዩ። ናይ ተሞክሮን ምህሮን ዓቕምታት ዘለዎ ብቑዕ መሪሕነት እዩ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት። እቶም ሲሶ ዝኾኑ ተጋደልቲ እውን እንተኾነ ንገዛእ ርእሶም ብትምህርቲ ኣዕብዮም እዮም። ስለዚ መስርሕ ምትኽኻእ ህወሓት ኣብትን ኣብዝን ጎደሎ የለን እኳ እንተዘይበልኩ ከም ናተይ እምነት ጽቡቕ ክያዶ እዩ ኢለ እየ ዝወስድ። እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ዝኾንና ድማ ነቲ ዝተከአና መንእሰይ መሪሕነት ዝሃበና ልኡኽ ሒዝና ክሳብ ናብ ጉድጓድ እንኣቱ ክንቃለስ ኢና።
ቢቢሲ፦ ምስ እማመ ሰላም ተዛሚዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወሪሩኒ እዩ ዝበሎም መርየታት ብሓይሊ ኣምሊሱ እንተብቅዕ ስለምንታይ እዩ ናብ ይግባይ ዘይበሃሎ ሽምግልና ከይዱ? ምኻድኩም ዘይተረፈ ድማ እቲ ቀያዳይ ናይ ዶብ ኮምሽን ውሳነ ክትቅበልዎ ዘይከኣልኩም?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ሓቅታት ጥራይ ከቐምጥ እየ። ሓደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት ዝወረረ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾነ ወሲኑን ንመንግስቲ ኤርትራ ሰራዊትኩም ስሒብኩም ጉዳይ ዶብኩም ብሽምግልና ፍትሑ ኢሉ ነይሩ'ዩ። ብሓባር ዘጣየስናዮ ናይ ካሕሳ ኮምሽን እውን እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ወሪሩ ዝሓዞ መርየታት ባድመን ዛላምበሳን ስዒቡ ንዝተፈጠረ ጸገም ካሕሳ ናይ ምኽፋል ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣቐሚጡ።
ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ ኤርትራውያን እንከይተረፈ ወራሪ መንግስቲ ኤርትራ ምንባሩ ይምስክሩ ስለዘለዉ መንግስቲ ኤርትራ ወራሪ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ "ወያነ እያ ወሪራ ናብዚ ኣብጺሓትና" ዝብል ናይ እኒ ኢሳይያስ ደርፊ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ሰራዊቶም ክኣምኖም ኣይኽእልን።
ዝተወሰደካ መርየት ብዅናት ኣምሊስካ ጉዳይ ዶባትካ ብሽምግልና ኣይፈትሕን ኣይበሃልን። እቲ ቀንዲ ነገር ዘባእሰና ዶብ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ዝወረረና ዶብ ጎዲልዎ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እንተይልና ከምታ ሕዚ ዝገብራ ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ድሌታቱን ኣረኣእያታቱን ከሰርጽ ብዘይምኽኣሉ ምኽንያት ብሓይሊ ተጽዕኖ ፈጢሩ ድሌቱ ከማልእ ካብ ምድላይ ዝብገስ ጌጋ እዩ ፈጺሙ።
ቢቢሲ፦ እዚ ኩሉ ሓሊፉ ሎሚ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ጸገም ተፈቲሑ ዕርቀ ሰላም ተፈጺሙ ኣሎ። እንተኾነ ግን ሕዚ እውን ዶባት ኣይተመልከተን ዘሎ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ዶባትና ከይጥረር መራሕቲ ወያነ እዮም ዓንቂፎም" እዩ ዝብልኩም እሞ ንምንታይ?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ጉዳይ ዶብ ይጽነሓልና ዘህጽጽ ኣይኮነን፣ እዋናዊ ዘግደስና ጉዳይ ኣረኣእያ ወያነ ምሕጻብ'ዩ ኢሉ እኮ ተዛሪቡ እዩ። ወያነ እንተይኣጥፋእኻ ሰላም ስለዘይርከብ ፈለማ ወያነ ነጥፍእ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ እዩ። ወያነ ኣይኮነን ኣይንጣረርን ኢሉ። ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ኤርትራ ማዕልቦ ንግበረሉ ዝበለ እኮ ህወሓት እዩ። እቲ ሓቂ ከም እቲ ኣብይ [ቀዳማይ ሚኒስትር] ዝበሎ ኣይኮነን። ናይ ድሕነት ቤት ጽሕፈት ዝመርሕ ዝነበረ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ሓለቓ ስታፍ ዝነበረ ሳሞራን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ብሓባር ኮይኖም ዘትዮም ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘቕርብዎ እማመ ሰላም ሒዙ እዩ ኣብይ ከይዱ እምበር ክንዲ ፍረ ጣፍ ዝወሰኾ ነገር የብሉን። ኢሳይያስ ስለዝዓመጸን ስለዝዘረገን ንሕና ክንሃልኽ የብልናን፣ ከም ኣብ እሾኽ ዝተጸግዐት ቆልቋል እናነብዑ ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ስለዝኾኑ ይኣኽለና ንጠርሮ ዝበልና ንሕና [ህወሓት] ኢና።
ኢሳይያስ በታ ተወሲና እትበሃል ንኺድ ዝብል እንተኾይኑ እውን ንኺድ፣ መርየት ትግራይን ዓፋርን ጥራይ ኣይኮነን ዝውሰድ። መሰረተ መርየትን ህዝብን ኤርትራ እውን ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ኣሎ። ስለዚ ጉዳይ ህዝቢ ኣየገድሽንን በታ ዘላ ብትኽ ነብላ ዝብል እንተኾይኑ ብእኣ ክንከይድ ቅሩባት ኢና ዝብል ሓሳብ ናትና እዩ። ኣብይ ነዚኣ ሒዙ እዩ ከይዱ። ግን ቅድሚኡ ሽርሕታት ይፍሕሱ ስለዝነበሩ ከም ምኽንያት ገይሮም እዮም ኣቕሪቦሞ። ሕዚ እውን መርገጺ ህወሓት ኣብቲ ውሳነታት ንመጻኢ ወለዶ ሕማም ድሓር ከይንገድፍ ምእንታ ህዝቢ እውን ኣካል እቲ ምጥራር ይኹኑ ኢና እንብል ዘለና፣ ኣይ በታ ዝተባህለት ትኺድ እንተተባሂላ እውን ንኺድ።
ቢቢሲ፦ እዚ ንምግባር ግን ከም መስርሕ ፈለማ ሰራዊት ክስሓብ ዶ ኣይግባእን'ዩ?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ዝርርብ ዘይተጀመረ ብስሩ። ምጥራር ክግበር እንተኾይኑ እኮ ፈለማ ኮሚሽን ክጣየሽ እኮ ኣለዎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣይደለዮን ይጽንሓለይ እዩ ኢሉ።
ቢቢሲ፦ ካልእ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህወሓት ዝቐርብ ዘሎ ወቐሳ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ እቶም ኣካታዕቲ ቦታታት ኣብነት ባድመ ብምጥቃስ ዕደላ መንበሪ ኣባይቲ የካይድ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ትግበራ ዶብ ኮምሽን ዕንቅፋት ክኾነና እዩ ዝብል እዩ። ይዕድል ኣሎ ድዩ? ሓቂ እንተኾይኑ ንምንታይ?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ሻዕብያ እውን እኮ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዝተወሰነ መርየት ኣኽራናት ክሰርሖ ዝኽእል ነገር ይሰርሕ እዩ ዘሎ ሱቕ ኣይበለን። ካብ ጾሮና ሓንቲ ኪሎ ሜትሮ ውጽእ ኢልካ እኮ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ መርየት እዩ። እቲ ከተማ እኮ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ። ደው ኣቢሉ ድዩ? ኣየበለን። እዚ ዕንቅፋት ኣይኸውንን ናይ ኣይቅበልን ምልክት ኣይኮነን። ኢሳይያስ ዝብል ዘሎ "ህዝቢ እንታይ ኣእተዎ'ዩ? ንሕና ድሕና ድማ ጉዳይ ህዝቢ የገድሰና እዩ ኢና እንብል ዘለና። ኣብ መርየት ኤርትራ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ደንከልያ ግዝኣት ናብ ኢትዮጵያ ዝተጠረረ እዩ። ስለዚ ናይ ኢሳይያስ ኣጀንዳ ንወያነ ምሕጻብ - ንወያነ ምጥፋእ እዩ እምበር ጉዳይ ዶብ ኣጀንድኡ ኣይኮነን። ኣርኣእያ ወያነ ሓጺቡ ክሳብ ዝውድእ ክንጽበዮ ኢና። ግን ድማ ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትየጵያ ክንዲ ፍረ ጣፍ እትኸውን ዝልውጣ ነገር ከምዘይብሉ ክርዳእ ኣለዎ።
ቢቢሲ፦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወ እዩ ኢልካ ኢኻ እትኸሶ እሞ እንታይ መርትዖታት ኣለካ?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 'ሮል ሞዴል' ፕረዚደንት ኢሳይያስ እዩ። ኢሳይያስ ን'ኢጋድ' ኣፍርሶ ኢልዎ ኣፍሪስዎ'ሎ። ሕዚ ዓርሲ ኢጋድ እምበር ኢጋድ ብህይወት የለን። ወያነ ዝተኸሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝሓጽብ ሓድሽ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልያን ዘለውኦ ልፍንቲ ክንምስርት ኢና ኣፍርሶ ስለዝበሎ ቆርበት ኢጋድ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኢጋድ ንናይ መን ረብሓ እዩ ፈሪሱ? ናይ ኢሳይያስ ማዕዳን ድልየትን ንምምላእ እዩ ፈሪሱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 28 ዓመታት ብዘይ መረጻን ሕገ መንግስትን ሃገር ይመርሕ ኣሎ። ኣብይ ድማ ናቱ ተሞክሮ ወሲዱ መረጻ ይጽንሐለይ ይብል ኣሎ።
ካልኣይ፡ መንግስቲ ኢህወዴግ ን15 ዓመታት ዝሰርሖ ኣብ ታሪኻውን ፖለቲካውን ከይዲ ሩባ ናይል ዝቐየረ ብጀካ ግብጽን ሱዳንን [ሱዳን ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብቲ ኣብዚ ይብሉ ነይሮም] ዓሰርተ ሃገራት ናይል ተፋሰስ ዘሳተፈ ስምምዕ እኮ ነይሩና እዩ። እተን ኣባል ሃገራት ኢትዮጵያ ትምርሓና እኮ ይብላ ነይረን። ካልእ ተሪፉስ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ጻዕዳ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ንኡስ ኣኼባታት ምስታፍ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ኣብይ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ናይል ምስ ግብጽን ሱዳንን ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ጠንጢኑ ንበይኑ እዩ ናብ ኣመሪካ ከይዱ። እኸይድ ኣለኹ እውን ኣይበሎምን። በብባይቶታትና ኣጽዲቕና ናይ ናይል ሓበራዊ ኮምሽን ናይ ምጥያሽ ዝተጀመረ ዘተ ገዲፉ ንግብጺ ሒዙ እዩ ናብ ኣመሪካ ከይዱ። ንሱዳን ናብ ኣመሪካ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ኣይነገሮምን። ናብ ኣመሪካ ተጸዊዖም እዮም ከይዶም። ሱዳናውያን እንታይ ገይሮምዎ?
ግድብ ህዳሰ ንፖለቲካዊ ሃልኪ እዩ ተጀሚሩ እውን እኮ ኢልዎ እዩ። ሕዚ ምስተቐርቀረ ኢትዮጵያውያን ወጢሮም ምስሓዝዎ ተመሊሱ ዝዝምረሉ ዘሎ። ባዕሉ ዘዋፈሮም ተደራደርትን ሰብ ሞያን እንከይተረፈ ኣካይድኻ ልክዕ ኣይኮነን ናብ ካልኣይ ውዕል ውጫሌ ተእተወና ኣለኻ ተመለስ ኢሎምዎ። ብጽሑፍ እንከይተረፈ ኣጠንቂቖምዎ እዮም። እዚ ልኡላውነት ሃገር ምኽሓድ'ዶ ኣይኮነን እዩ?
ቢቢሲ፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሓምለነቲ ግድብ ማይ ክንመልእ ክንጅምር ኢና። ማይ ካብ ምምላእ ዝመልሰና የለን እኮ ይብል ኣሎ። እዚ ውሳነ ቆራጽ'ዶ ኣየብሎን?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ እቶም ዓንገልቱ ባንኪ ዓለምን 'ኣይኤምኤፍን' እንታይ ይብልዎ ከምዘለዉ እንዶ ንርኣዮ። ኣብይ ኣብ ፓርላማ ካብዞም ትካላት ዝርከብ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ኣደ ደገፍ ኢሉ እዩ ኣቕሪብዎ ነይሩ። ንሳቶም ድማ እንታይ ይብልዎ ኣለዉ እንዶ ንርኣዮ? ምስ ግብጽን ሱዳንን ስምምዕ እንተይፈጸምካ ናብ ማይ ምምላእ እንተኣቲኻ ኣብ ክንድኡ መዲብናልካ ዝነበረ መከሓሓሲ ገንዘብ ኣይንህበካን እኮ ይብልዎ ኣለዎ ኣብ ኣደባባይ። ባንኪ ዓለም ብዕሊ ተዛሪቡ እዩ።
እቲ ኻልእ ድማ ፕረዘዲንት ግብጺ ኣልሲስን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ድማ ብግበረለይ ክገብረልካ እዮም ዝጓዓዙ ዘለዉ። ኣልሲሲ ንትራምፕ እዚኣ [ሩባ ኣባይ] ከልክለለይ ኣነ ድማ እታ ማእከላይ ምብራቕ እትደልያ ከፈጽመልካ እየ ብዝብል ግበረለይ ክገብረልካ እዮም ተመሳጢሮም ዝጓዓዙ ዘለዉ። ኣብይ በቲ ሓደ ገጽ ነዞም ትካላት ዝኣተወሎም ቃል በቲ ኻልእ ገጽ ድማ ድልየት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ተቐርቂሩ ኣሎ።
ኣብ ክንዲ ምስ ትሽዓተ ሃገራት ብሓባር ኮይኑ ኣንጻር ግብጺ ዝደራደር ንበይኑ ጠልጠል እናበለ ተማጓታይ ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ብመሰረቱ እጥርጥሮ እየ፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ግድብ ህዳሰ ጥንካረ ቴክኒካሊ ምርግጋጽ እምበር ብዛዕባ ናይ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ናይ ማይ ብጽሒት እንዛተየሉ እዋን ኣይኮነን። ንሱ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ ናይል ኮምሽን ምስተጣየሸ ነርክበሉ ኢና። ኣብይ ንግብጻውያን ንዓመት 37 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ክሰደልኩም እየ ኢሉ ተሰማሚዑ እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወሰኾ ውሑድ እዩ። ብስሩ'ኸ ሎም ዘበን ማይ ይመልእ ኣለኹ እንተበለና መን እዩ ክልክዖ? ኣብይ ስልጣኑ እተናውሐሉ ገጽ እናረኣየ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ይኸይድ ስለዘሎ ጽባሕ ንጉሆ ብናይ ሃገር ክሕደት ተሓታታይ እዩ።
ናይ ኣብይ ቀዳምነት ኣጀንዳ ቤተ መንግስቲ ምሕዳስ እዩ ኮይኑ። ልኡላውነት ኢትዮጵያ ልዕሊ ኣብ ግዜ ንጉሳውያንን መንግስቱ ሃይለማርያምን ግዜ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ቢቢሲ፦ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፌደራልን ዘሎ ምውጣጥ ንብዙሓት ኣሻቒሉ ኣሎ እሞ ከመይ ትርእዮ ኣለኻ? መፍትሒኡ ኸ እንታይ እዩ ትብል?
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፦ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ መስከረም 25 ንሓንቲ መዓልቲ እትኸውን ኣብ ስልጣን እተጽንሖ ሕጋዊ መሰረት የብሉን። እዚ መርገጺ እዚ ናይ ህወሓት ጥራይ ኣይኮነን፡ ናይ ካልኦት ውድባት ፖለቲካ ኣቕዋም እውን እዩ። ሕዚ እውን ውድባት ፖለቲካ ዝሳተፍሉ ዘተ ምዕዳም ይከኣል እዩ። እዞም ውድባት ፖለቲካ ንዓይ ንዓይ ዘይብልሉ ናይ ቴክኖክራት መንግስቲ ምጥያስ ይከኣል እዩ። እዚ ናይ ቴክኖክራት መንግስቲ ብሰብ ሞያ ጥራይ ዝምራሕ ኮይኑ ሰላም ናይታ ሃገር ዘውሕስን መረጻ ዘሰናድእን ኩሉ ዝቕበሎ ምግባር እያ እታ መፍቲሒት።
ካልኣይ ህዝቢ ትግራይ መረጻ ክገብር እየ ክብል እንተሎ ኣብይ ከዕልል እዩ ዝግብኦ እምበር ስጉምቲ ክወስድ እየ ምባሉ ልክዕ ኣይኮነን፤ የጋግይዎ ኣለዉ። ሕገ መንግስተይ ዝሃበኒ መሰል ተጠቒመ መረጻ ክገብር እየ ዝበለ ህዝቢ ኵናት ክትእውጀሉ? ትኽክል ኣይኮነን ይሕሰበሉ። ኣይፋል ዝብል እንተኾይኑ ግን ክንርእዮ ናበይ ከምዘምርሕ ሓቢርና ክንርእዮ ኢና።