ኤርትራ-ሱዳን፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ሸነኽ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ይኸውን?

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ዑደት ኣካይዱ ምስ ኣቦ መንበር ልዑላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ሌተና ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ዝተኻየደ ርክባት ኣብቲ ነታ ሃገር ብቐንዱ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው ኣጥሒሉ ዝርከብ ኲናት መሰረት ዝገበረ ኰይኑ; ኣብ ዝርዝራቱ ግን ሰፊሕ ትነታነታት ይወሃበሉ ኣሎ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ተንታኒ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝዀነ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ እዋን፡ እቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተኸፍተ ብኢማራት ዝምወል ወተሃደራዊ መዓስከር ታዕሊምን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣተሓሳሳቢ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳ ዘተ እቶም ክልተ መራሕቲ ክኸውን ከም ዝኽእል፡" ይትንትን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀዳም ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ፖርትሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ኣቦ መንበር ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ብዓልመዚ ዳርፉርን ሓላፊ ምንቅስቓስ ሓርነትን ፍትሕን ሱዳን ዶክተር ኣል-ቲጃኒ ኣልሲሲ ተራኺቡ ኣብ ህልው ኵነታትን መፍትሒታቱን ከም ዝዘተየ ክግለጽ ቀንዩ እዩ።

ኣቡ ሃሽም ኣብ ትንተናኡ፡ እቲ ዕላዊ መግለጺታት ብሓፈሻኡ ክልተኣዊ ዝምድናታት ምሕያል ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ክኸውን ዝኽእል ግን ምስ ምውዳቕ ኣልፋሸር ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ጸጥታዊ ኵነታት ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።

"ኣብዚ እዋን ዳዕመ-ሰሪዕ ንዞባ ዳርፉር ብምልእታ ተቘጻጺርዋ ኣሎ፡" ብምባል፡ "ካብኡ ሓሊፉ እውን ንመዳውብቲ ዞባታት ዳርፉር ከስግአን ጀሚሩ'ሎ፡" ይብል።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ጸጥታዊ ኵነታት ሱዳን ይዅን እቲ ዞባ ብሓፈሻ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ፡ "ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያን መዳውብቲ ምብራቕ ሱዳንን፡ ንሱዳናውያን ይዅን ብገንዘብ ተዓሲቦም ንዝመጽኡ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ፈጢርዎ ዘሎ ስክፍታ፡" ከም ዘሎ ይገልጽ።

ከም ሓበሬታ ዓብዱራሕማን፡ እቶም ኣብዚ መዓስከር ዝሰልጠኑ ዕሱባት ወተሃደራት፡ ካብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነቒሎም ንኻርቱም መጥቃዕቲ ክገብሩ ምድላዋት ከም ዘለዎም እዩ ዝንገር።

ነታ ከተማ ንምጥቃዕ፡ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣሩሰይርስ ዝበሃል ሓደ መመንጨዊ ኤለክትሪክ ንኻርቱም ከጥቅዕዎ፡'' እውን ተኽእሎኡ ዓቢይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ተንታኒ፡ "ንዞባ ዳርፉር ምቍጽጻር ነቲ ኣልቡርሃን ዝመርሖ መንግስቲ ብዙሕ ክጸልዎ ኣይክእልን እዩ፡" ብምባል ድማ ነቲ ቀንዲ ካብ ማእከላቱ ምህራምን ምቍጽጻር ከም ቀንዲ ዕላማ ሒዞምዎ ከም ዘለዉ የብርህ።

እታ ሰፊሕ ደገፍ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም እትገብር እትግለጽ ኢማራት፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሱዳንን ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ንምቍጽጻር፡ ክሳብ ምቕያር መንግስቲ ኣልቡርሃን ዝኸይድ ትሕልንቲ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ መዳይ፡ ቅድሚ ሕጂ ነታ ማእከል መንግስትነት ሱዳን ኰይና ዘላ ፖርት ሱዳን ዝተገብረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እቲ ዝተደልየ ውጽኢት ኣየምጽአን። ብኣንጻሩ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ምዕራብ ተጨቢጡ እዩ ጸኒሑ።

ካብዚ ጸቢብን ቀያሪ ሚዛን ሓይሊ ዘይኰነን ከባቢታት ዳርፉር ወጺኡ ድማ ዳዕመ-ሰሪዕ ካርቱምን እቲ ቀንዲ ማእከል ሰራዊት ሱዳን ዝዀነ ዞባ ምብራቕን ቍጽጽርን ጽልዋን ክህልዎ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪታት ንምዕዋት፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸፍተ መዓስከር ወሳኒ ምዃኑ ኣቡሃሽም የመልክት።

እዚ ምዕባለታት'ዚ፡ ንጸጥታ ኤርትራ'ውን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ስለ ዝኽእል፡ ክልቲኦም መራሕቲ - ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን - ነዚ ሓደጋ'ዚ ብኸመይ ንመክቶ ኣብ ዝብል ቀንዲ ዛዕባ ዘተኦም ምዃኑ ከም ዘይተርፍ ይገልጽ።

"እዚ ብወገን ምብራቕ ሱዳን ክኽፈት ዝሕለን ዘሎ ውግእ፡ ምናልባት ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ ኢትዮጵያን ትግራይን ኲናት እንተ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ ዞባዊ መልክዕ ዘለዎ ሓደገኛ ኲናት ክፈጥር ከም ዝኽእል፡" እውን ነቲ ዘሎ ስግኣት ኣመልኪቱ ዓብዱራሕማን የተኣሳስር።

ንዕብየት ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሱዳን ኣመልኪቱ ዓብዱራሕማን፡ "ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም እንሰምዖ፡ ክሳብ 10,000 ዝዀኑ ሱዳናውያንን ተቘጺሮም ዝመጽኡ ዑሱባት ወተሃደራትን - ካብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝመጽኡ 'ዓረበ-ሸታት' ዝብልዎም - ናይ ስደት ኣዕራብ ማለት ኰይኑ፡ ኣብ ምድረበዳ ኮለል ዝብሉ፣ ውሱን ሃገር ይዅን ዶብ ዘይብሎም፣ ብዙሕ ትምህርቲ ይዅን ናይ ሃይማኖት ኣፍልጦ ዘይብሎም፡" ዝተኣኻኸቡ ምዃኖም የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ኮሎምቢያ ዝመጽኡ ብኢማራት ዝተዓሰቡ ወተሃደራት ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝሳተፉ ተረጋጊጹ ነይሩ እዩ።

"ኣብ መዳይ ታዕሊም፡ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ዜጋታትን ይሳተፉ ከም ዘለዉ፡" ድማ ተንታኒ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቡ ሃሽም ይገልጽ።

ነዚ "ንኽልቲአን ሃገራት ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ምዕባለታት" ብሓባር ንምምካት፡ ኣብዚ መዳይ ብኽልቲም ወገናት ክህሉ ዝኽእል ሽርክነት ኣብ ዝምልከት ድማ፡ "ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ፡" ኣገዳሲ ምዃኑ ዘቐምጥ ዓብዱራሕማን፡ "ኤርትራውያን ብዛዕባ ውሽጢ ኢትዮጵያን ኣብኡ ዝግበር ንጥፈታትን ዝሓሸ ኣፍልጦን ሓበሬታን ክህልዎም ስለ ዝኽእል፡ ንሱዳናውያን ኣገዳሲ እዩ፡" ይብል።

ካብዚ ሰጊሩ፡ ነቲ ብምብራቕ ሱዳን ንኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ንምምካት፡ ኣበይን ብኸመይን ይመጽእ ኣሎ እቲ ሓደጋ፣ ነየናይ ቀዳምነት ንሃብ ኣብ ዝብል ጉዳያት ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ትንታነኡ የቐምጥ።

"ድሕሪ ውድቀት ኣልፋሽር፡ ኣድህቦ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራብ እዩ ዘሎ። ብወተሃደራዊ መዳይ ግን ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት መዳህለሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ስለዚ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ወተሃደራዊ ታክቲክ ብኤርትራውያን ክግለጸሎም ይኽእል እዩ፤ በዚ ድማ ቀዳምነታት ክሰርዑ የኽእሎም፡" ኢሉ።

ብወገን ኤርትራ'ውን፡ ብሰንኪ'ቲ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተዅታዂ ምንቅስቓሳት ምሉእ ኣድህቦ ንወገን ዓሰብ ብሓፈሻ ንሸነኽ ደቡብ ኤርትራ - ንሰሜን ኢትዮጵያ ክኸውን ተኽእሎታት ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ ኣብዚ እዋን ምዕራብ ኤርትራን ምብራቓዊ ሸነኽ ሱዳንን ክፉት ክኸውንን ተኽእሎታት ክህሉ ይኽእል እዩ።

"ስለዚ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ኣዝዩ ከገድሰን እዩ፡" ብምባል ካብ ቀንዲ ዛዕባታት ዑደት መራሒ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክኸውን ከም ዝኽእል ትንታነኡ የቐምጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ዑደት ሓደ ካብ ዝረኸቦም ሰበስልጣን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ኰይኑ፡ ንሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕጡቓት ምሊሻታት ዘለዉዎ እዩ። እዚ ድማ ካብ ነዊሕ እዋን ብኤርትራ ክድገፍ ዝጸንሐ ምዃኑ ዓብዱራሕማን ይጠቅስ።

በዚ ድማ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ጸጥታውን ወተሃደራውን" ሸነኽ ከም ዘለዎ መረዳእታ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ።