ሓማስ ንውግእ ከተማ ይዳሎ፡ ሓይልታት እስራኤል ናብ ጥቓ ማእከል ቓዛ ይጽግዑ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ሓይልታት እስራኤል፡ ዕጡቓት ሓማስ ይወዳደቡ ብምህላዎም ናብ ማእከል ከተማ ቓዛ ከም ዝቐረቡን ኣብ ውሽጢ ከተማ ውግእ ከይካየድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎን ተገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ካብታ ከተማ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ።
እስራኤል፡ ናብታ "ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሓማስ" እትብላ ከተማ ከተጥቅዕ እትደሊ ዘላ፡ "ኣሸበርቲ ንምውጋድ"ን ዝተረፉ 48 ጅሆታት ንምድሓንን ምዃኑ እያ እትገልጽ። ዕስራ ካብዞም ጅሆታት ብህይወት ከም ዘየለዉ ይግመት።
ቢቢሲ፡ ካብ ማእከላይ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣስታት 1.5 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መካበብያ ሓሚድ፡ ታንኪ እስራኤል ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከም ዝተመልከተ ኣረጋጊጹ። ድሩዓት መካይን እስራኤል'ውን ኣብ ጥቓ'ቲ ካብ ማእከል ከተማ ኣስታት 700 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ቀንዲ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተራእያ ይግለጽ።
ሓደ መራሒ ሓማስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ እቲ ጕጅለ፡ ኣሽሓት ዕጡቓት ናብታ ከተማ ንምእታው መደብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ኣብቲ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ዝቕመጥሉ ከባቢታት ድማ ከቢድ ውግእ ከይካየድ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ብተወሳኺ፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ዕዘ'ዲን ኣል-ሓዳድ፡ ኵሎም ኣብ ስግር ወሽመጥ ዝርከቡ ዕጡቓት ናብታ ከተማ ክቐርቡ ከም ዝኣዘዘን ን"ናይ መወዳእታን ወሳንን ውግእ" ክዳለዉ ከም ዝነገሮምን ገሊጹ።
ሰራዊት እስራኤል ክሳብ 3,000 ዕጡቓት ኣብታ ከተማ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ግምቱ ከቐምጥ እንከሎ፡ ሓማስ ግን 5,000 ዕጡቓት ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲታት ከም ዝፍጽም ኣፈራሪሑ። ይዅን'ምበር፡ ቢቢሲ ነዚ ብኽልተኦም ወገናት ዝቐረበ ኣሃዝ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
መንግስቲ እስራኤል ኣብ 2023 ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዉ ስለ ዝኸልከለ፡ ብኽልተኦም ወገናት ዝቐርብ ክሲ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ገለ ጋዜጠኛታት ግን ብሰራዊት እስራኤል ተሰንዮም ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከብ ቦታ ክበጽሑ ክኢሎም እዮም።
እስራኤል እቶም ዕጡቓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝጥቀምሉ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ገለርያታት ንምዕናው ጻዕርታት ከተካይድ ጸኒሓ። ሓማስ ግን ገለ ገለርያታት ገና ከም ዘይዓነዉን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጕምቲ ከም ዝተማህሩን ይገልጽ።
ወተሃደራዊ ሓላፊ ሓማስ ዝነበረ መሓመድ ደይፍ ቅድሚ ብእስራኤል ምቕታሉ፡ ሓይልታቱ ንዘጋጠሞም ኣዕናዊ ክስራታት ንምቅላል፡ ድብያ ከም ወተሃደራዊ ስልቲ ኲናት ክጥቀሙ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
ብድሕሪ'ዚ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ከተማ ብምድብዳብ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ከም ዝሃበትን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ንድሕሪት ከም ዘንሰሓበትን ነበርቲ ቓዛ ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል'ውን፡ ዝተበላሸዋ ወተሃደራውያን መካይን ነታጕ ተጻዊዱለንን 'ሪሞት ኮንትሮል' ተገጢሙለንን ሰራዊት እስራኤል ኣብ መደበራት ሓማስ ከም ዘጥቅዐን ዕጡቓት ዝሕብእሉ ህንጻታት ከም ዘዕነወን ጸብጺበን።
እስራኤል መጕልሒ ድምጺ ዘለወን ንኣሽቱ ድሮናት ተጠቂማ'ውን ሰለማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ሂባ። እዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ስንባደ ፈጢሩ።
በዚ መሰረት፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ስድራቤታት ብመንገዲ እቲ ሰራዊት እስራኤል ዘፍቀዶ እንኮ መስመር ወሽመጥ ኣልራሺድ ኣቢለን ናብ ደቡብ ገጸን ይሃድማ ኣለዋ። ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገመቶ፡ ካብ መፋርቕ ነሓሰ ጀሚሩ ብውሕዱ 321,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ናብ ደቡብ ግዒዞም። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ግና እቲ ኣሃዝ 640,000 ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ነዚ ጕዕዞ'ዚ ንምፍጻም ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝሓትት ልዕሊ ዓቕሚ መብዛሕትኦም ቓዛውያን ኰይኑ ኣሎ፣ ስድራቤታት ልዕሊ 3,000 ዶላር ንመጓዓዝያ ክኸፍሉ ተገዲዶም ኣለዉ።
እቶም ኣብታ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት፡ ንቐጻሊ ሓደጋ ደብዳብ፡ ስእነት ሕክምና፡ ምንካይ መግብን ማይን ተቓሊዖም ኣለዉ። ሓደ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ትካል፡ ኣብ ነሓሰ ኣብቲ ከባቢ ዓጸቦ ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







