ፈረንሳ፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ብምሃብ 'መሰል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ክዕወት ኣለዎ' ኢላ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፈረንሳ ኣብዚ ሓያሎ ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝህባሉ ዘለዋ ግዜ ኣፍልጦ ዝሃበት ሃገር ኰይና።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንሰላም ዝኸውን ግዜ ኣኺሉ፣" ከምኡ'ውን፡ "ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምኽንያታዊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የልቦን፡" ኢሉ።
ፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን ብሓባር ኰይነን ነቲ ግጭት ደው ከብል ከም ዝኽእል ዝእመንሉ እማመ 'ፍታሕ ክልተ ሃገራት' ዘተኰረ ዋዕላ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት የካይዳ ኣለዋ።
ኣባላት ጕጅለ-7 ዝዀና ጀርመን፡ ኢጣልያን ኣመሪካን ግን ኣይተሳተፋን።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ፖርቱጋልን ብሰንበት 21 መስከረም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ድሕሪ ምግላጸን፡ ቤልጅም፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ኣንዶራን ሳን ማሪኖን እውን ንሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝህባ ፕረዚደንት ማክሮን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዝካየድ ዘሎ ሰፈራታትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይዓቢ ኣሎ።
እስራኤል ግን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት፡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣካይዱ፡ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱን 251 ድማ ጅሆ ክተሓዙን ዝገበረ ኵነታት ሽልማት ምሃብ እዩ ክትብል እያ እትገልጾ።
ካብቲ ግዜ'ቲ ጀሚሩ ልዕሊ 65,000 ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሓይልታት እስራኤል ነታ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዓጸቦ ምጕናፉ ከም ዝተረጋገጸን ይፍለጥ።
እቲ መራሒ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ደው ዝብለሉን ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ዝልቀቕሉን ግዜ ከም ዝኣኸለ ሓቢሩ።
"መወዳእታ ኣልቦ ውግኣት፡" ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ "ኵሉሳዕ መሰል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ክዕወት ኣለዎ፡" ኢሉ።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ከንግስ ኣይከኣለን ዝበለ ማክሮን፡ "እስራኤልን ፍልስጤምን ጐድኒ ንጐድኒ ኰይናን ብሰላምን ጸጥታን ክነብራ፡ ንተኽእሎ 'ፍታሕ ክልተ ሃገራት' ንምዕቃብ ዝከኣለና ዘበለ ኵሉ ክንገብር ኣለና፡" ኢሉ።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ፋይሳል ቢን ፋርሃን ኣል ስዑድ'ውን ብስም ልኡል ወራሲ መሓመድ ቢን ሳልማን መደረ ኣስሚዑ።
ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝሕግዝ እንኮ መንገዲ እማመ 'ፍታሕ ክልተ ሃገራት' ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንዅነታት ቓዛ፡ "ብሞራል፡ ብሕጋውን ፖለቲካውን መዳይ ዘይጽወር" ክብል ብምጥቃስ፡ 'ፍታሕ ክልተ ሃገራት'፡ ንሰላም እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን፡ "እንኰ ተኣማንነት ዘለዎ መንገዲ፡" ምዃኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ - ኣመሪካ ንቪዛኡን ካልኦት ሰበስልጣን ፍልስጤምን ብምስራዛ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብኣካል ክሳተፈ ስለ ዘይከኣለ - ብቪድዮሊንክ ኣቢሉ ኣብቲ ዋዕላ መደረ ኣስሚዑ።
ንሱ፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ።
ሓማስ ኣብ ምምሕዳር ቓዛ ዝዀነ ተራ ክህሉዎ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ እቲ ጕጅለ "ኣጽዋሩ" ንምምሕዳር ፍልስጤም ከረክብ ጸዊዑ።
"ባህግና፡ ኣጽዋር ዘይብላ ሓንቲ ስምርቲ ሃገር እዩ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዓባስ ብተወሳኺ፡ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
ናብ እስራኤላውያን ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ድማ፡ "ሓድሕድ መጻኢና ኣብ ሰላም እዩ ዝምርኰስ፣ ይኣክል ዓመጽን ኲናትን፡" ክብል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







