ኣፍልጦ ሃገርነት ፍልስጤም ዝኸፈቶ ካልእ ሕቶ - እታ ሃገር መን ይምርሓያ?

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሑሳም ዞምሎት ዝተባህለ ፍልስጤማዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣብ ጕዳያት ፖሊሲ መጽናዕቲ ጐስጓስ ዘካይድ፣ ንመንግስታት፡ ትካላት ንግድን ህዝብን ትንታነን ምኽርን ዝህብ ትካል ቻታም ሃውስ ንዘተ ተዓዲሙ ነይሩ።
ቤልጅየም፡ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ መብጽዓ ኣትየን እየን።
ዶክተር ዞምሎት፡ እዚ ዅሉ ትርጕም ዘለዎ ህሞት ምዃኑ ንጹር ምዃኑ ይግንዘብ።
"ኣብ ኒውዮርክ እትርእዩዎ ነገር፡ ነቲ ናይ ክልተ ግዝኣታት ፍታሕ ንምትግባር ዝግበር ጭቡጥ ናይ መወዳእታ ፈተነ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
"እዚ ከይተፍሽሉዎ።"
እተን ቀንዲ መሓዙት እስራኤል ዝዀና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ነዚ ስጕምቲ ወሲደን ኣለዋ። ፖርቱጓል'ውን ክትስዕብ'ያ።
ቀዳማይ ምኒስትር ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታርመር ነዚ ስጕምቲ ሃገሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ወግዓዊ ክገብር ተራእዩ።
"ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ራዕዲ፡ ተኽእሎ ሰላምን ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕን ህያው ንምግባር ኢና ንዋሳእ ዘለና፡" ኢሉ።
"እዚ ማለት ውሑስትን ኣብ ጐድኒ እስራኤል ክትነብር እትኽእል ሃገር ፍልስጤም ማለት እዩ - ኣብዚ እዋን'ዚ ክልቲኡ የብልናን።"
ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 150 ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ነይረን፤ እንተዀነ፡ ከም ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ናብዚ ደረጃ ምምጽአን ብብዙሓት ከም ልዑል ትርጕም ዘለዎ ህሞት ይርአ።
ብዓል ስልጣን ፍልስጤም ነበር ዛቪየር ኣቡ ዒድ፡ "ፍልስጤም፡ ብደረጃ ዓለም ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ንላዕሊ ሓያል ኰይና ኣይትፈልጥን፡" ይብል።
"ዓለም ንስለ ፍልስጤም ተላዒላ።"
ግን፡ ፍልስጤም እንታይ እያ? ኣፍልጦ ከውህባ ዝኽእል ነገር ኣሎ ድዩ? ዝብሉ ክምለሱ ዝግበኦም ዝተሓላለኹ ሕቶታት ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
ኣብቲ ብ1933 ዝጸደቐ ውዕል ሞንተቪድዮ፡ ኣርባዕተ ረቛሒታት ሃገርነት ተቐሚጦም ኣለው።
ፍልስጤም ብግቡእ ነተን ክልተ ከተማልእ ትኽእል እያ - ብቐዋምነት ዝነብር ህዝቢ (ዋላ'ኳ ኲናት ቓዛ ነዚ ኣብ ዓቢ ሓደጋ እንተኣእተዎ) ከምኡ'ውን ናብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከእቱ ዝኽእል ዓቕሚ - ዶክተር ዞምሎት ናይዚ ዳሕረዋይ መርትዖ እዩ።
ግን፡ ነቲ "ወግዓዊ ዶባት" ዘለዋ ክትከውን ይግባእ ዝብል ረቛሒ ኣይተማልኦን።
ኣብ ናይ መወዳእታ ዶባት ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ዶብ ስለ ዘየለ (ጭቡጥ መስርሕ ሰላም ድማ ስለ ዘየለ)፡ ፍልስጤም እንታይ ማለት ምዃኑ ብዝዀነ መገዲ ብርግጸኛነት ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ።
ንባዕሎም ፍልስጤማውያን፡ እቲ ዝናፍቕዎ ዝነበሩ ሃገርነት፡ ሰለስተ ክፋላት፡ ማለት ምብራቕ እየሩሳሌም፡ ምዕራባዊ ገምገምን ወሽመጥ ቓዛን ዝሓቘፈ እዩ።
ኵሎም ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ ብእስራኤል ዝተወስዱ እዮም።
ኣብ ካርታ ክንሪኦ እንከለና'ውን፡ እቲ ጸገማት ካበይ ከም ዝጅምር ዘመላኽት ኰይኑ ንረኽቦ።
ምዕራባዊ ገምገም ባሕርን ወሽመጥ ቓዛን፡ እስራኤል ኣብ 1948 ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር፡ ንሰለስተ ርብዒ ዘመን ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ተፈላልየን ጸኒሐን እየን።
ኣብ ምዕራባዊ ገምገም፡ ህላወ ወተሃደት እስራኤልን ኣይሁዳውያን ሰፋሮን ማለት፡ እቲ ድሕሪ ስምምዓት ሰላም ኦስሎ ኣብ 1990ታት ዝተመስረተ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ናይቲ መሬት ጥራይ እዩ ዘመሓድር ማለት እዩ።
ካብ 1967 ጀሚሩ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ውሒጥዎ እዩ።
ብሰንኩ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ተዘሪጕን ተበታቲኑን እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍልስጤማውያን ከም ርእሰ ከተማኦም ዝቘጽርዋ ምብራቕ እየሩሳሌም፡ ብሰፈራታት ኣይሁድ ተኸቢባ፡ በብቕሩብ ነታ ከተማ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ተፈላልያ ትርከብ።
ዕጫ ቓዛ ብርግጽ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ።
ሓማስ ብ2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ መብዛሕትኡ መሬት ጠፊኡ ኣሎ።
እዚ ዅሉ ከይኣክል፡ ኣብ ዋዕላ ሞንተቪድዮ ዝተቐመጠ ራብዓይ ረቛሒ ኣሎ።
ኣፍልጦ ሃገርነት ንኽትወሃብ፡ ዝሰርሕ መንግስቲ ክህሉ ግድን ይብል።
እዚ ኸኣ ንፍልስጤማውያን ዓቢ ብድሆ እዩ።
'ሓድሽ ኣመራርሓ የድልየና'

ምንጪ ስእሊ, MAHMUD HAMS/AFP via Getty Images
ንድሕሪት፡ ናብ 1994 ንመለስ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን (PLO) ዝተገብረ ስምምዕ፡ ሃገራዊ በዓል መዚ ፍልስጤም (ብበዓል መዚ ፍልስጤም ወይ ፒኤ ዝፍለጥ) ክፍጠር ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ብኸፊል ሲቪላዊ ቍጽጽር ይገብር ነይሩ።
ኣብ 2007 ኣብ መንጐ ሓማስን ቀንዲ ውድብ ፒኤልኦ ፋታሕን ደማዊ ግጭት ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገምገም ባሕርን ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ብኽልተ ተቐናቐንቲ መንግስታት ይመሓደሩ ኣለዉ።
እዚኦም፡ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሓማስን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ብፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ዝምራሕ በዓል መዚ ፍልስጤምን እዮም።
እዚ ማለት ናይ 77 ዓመታት ጂኦግራፍያዊ ምፍልላይን ናይ 18 ዓመት ፖለቲካዊ ምፍልላይን እዩ፣ ምዕራባዊ ገማግምን ወሽመጥ ቓዛን ንኽፈላለያ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ፖለቲካ ፍልስጤም እናሓየለ ምምጽኡ፡ መብዛሕትኦም ፍልስጤማውያን ብዛዕባ መሪሕነት የተሓሳስቦም።
ኣሽንኳይዶ ናብ ሃገርነት ዝስጕም፡ ዝዀነ ዓይነት ውሽጣዊ ዕርቂ ናይ ምምጻእ ዕድላት ተስፋ ዝስኣኑ ይመስሉ።
እቲ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንታዊን ባይቶኣውን መረጻ ኣብ 2006 እዩ ነይሩ።
እዚ ማለት፡ ትሕቲ 36 ዓመት ዝዕድመኡ ፍልስጤማዊ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ወይ ቓዛ ድምጺ ሂቡ ኣይፈልጥን።
"ነዚዅሉ ዓመታት መረጻ ዘይምግባርና ሰጋእመጋእ ክብል ይገብረኒ። ሓድሽ ኣመራርሓ የድልየና ኣሎ፡" ትብል ፍልስጤማዊት ጠበቓ ዲያና ቡቱ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቓዛ ዝተወልዐ ኲናት፡ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ጽዑቕ ኰይኑ ኣሎ።
ሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ዝጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ በዓል መዚ ፍልስጤም ዓባስ፡ ካብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ብዓቢኡ ናብ ተራ ረዳኢ ዘይብሉ ተዓዛቢ ወሪዱ ኣሎ።
ንዓመታት ዝቐጸለ ዘቤታዊ ዘይምቅዳው
ኣብ ውሽጢ መሳርዕ መሪሕነት ዝነበረ ወጥሪ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸረ እዩ።
ኣቦ መንበር ፒ.ኤል.ኦ ያሲር ዓራፋት ንበዓል መዚ ፍልስጤም ክመርሕ ካብ ስደት ምስ ተመልሰ፡ ፖለቲከኛታት ፍልስጤም ውሽጢ ዓዲ መብዛሕትኦም ተጓኒና ኢሎም።
እቶም "ደቂ ገዛ" ነቲ ዓብላሊ ቅዲ "ወጻእተኛታት" ዘሰጕም ዝነበረ ዓራፋት ክቕየምዎ ጀሚሮም።
ኣብ ዓንኬል ዓራፋት ድማ፡ ብልሽውና ከም ዘሎ ዝገልጽ ወረታት ንዝና ፒ.ኤ ክጸልዎ ጀሚሩ።
ካብዚ ንላዕሊ ግን፡ እቲ ሓድሽ ዝተመስረተ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ነቲ እስራኤል ቀስ ብቐስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተስፍሖ ዝነበረት ግዝኣት ደው ከብሎ ወይ ድማ ነቲ ዓራፋት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ነበር ይስሓቕ ራቢን ኣብ መስከረም 1993 ዋይት ሃውስ ብዝገበሮ ስምምዕ ዝተኣትወ መብጽዓ ናጽነትን ልኡላውነትን ከማልእ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ተራእዩ።
እተን ዝቐጸላ ዓመታት ንስሉጥ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምቹኣት ኣይነበራን።
ከምቲ ዝነበሮ ብፍሹል ተበግሶታት ሰላም፣ ቀጻሊ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ኣይሁድ፣ ብኽልቲኡ ወገን ብኣኽረርቲ ዝፍጸም ዓመጽ፣ ፖለቲካ እስራኤል የማናዊ ምዃንን ኣብ 2007 ኣብ መንጐ ሓማስን ፋታሕን ዝነበረ ዓመጽ ዝመልኦ ምፍልላይን ዝተዓብለለ ነይሩ።
"ኣብ ንቡር መስርሕ ፍጻመታት፡ ሓደስቲ ሰባት፡ ሓደስቲ ወለዶታት ምተቐልቀሉ ነይሮም፡" ይብል ፍልስጤማዊ ጸሓፊ ታሪኽ የዚድ ሰይግ።
"እዚ ግን ዘይከኣል እዩ ነይሩ...ኣብቲ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝተፈላለየ ንኣሽቱ ቦታታት ተበታቲኖም ኣለዉ። እዚ ድማ ሓደስቲ ሰባት ክቕልቀሉን ክጥርነፉን ዳርጋ ዘይከኣል ገይርዎ ኣሎ።"
ሓደ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ ግን ተቐልቂሉ እዩ፡ ማርዋን ባርጐቲ።
እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ተወሊዱ ዝዓበየ ባርጐቲ፡ ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ኣብቲ ብዓራፋት ዝምራሕ ውድብ ፒ.ኤል.ኦ ንጡፍ ተሳፋቲ ኰይኑ።
ባርጐቲ ኣብ ካልኣይ ናዕቢ ፍልስጤም ህዝባዊ መራሒ ኰይኑ ተቐልቂሉ።
ሓሙሽተ እስራኤላውያን ዝተቐትሉሉ ቀታሊ መጥቃዕቲ ብምውጣን ተኸሲሱን ተኣሲሩን።
ንሱ ወትሩ ነቲ ክሲ ክነጽጐ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ይርከብ።
ከምኡ'ውን ፍልስጤማውያን ብዛዕባ መጻኢ መራሕቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ክዛረቡ ከለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ሓደ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሰብኣይ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዌስት ባንክ ዝመደበሩ ማእከል ምርምር ፖሊሲን ዳህሳስን ፍልስጤም ዘካየዶ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ 50 ሚእታዊት ፍልስጤማውያን ንባርጎቲ ከም ፕረዚደንት ይመርጹዎ።
እዚ ድማ፡ ካብቲ ነቲ ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓባስ ዝዛየደ እዩ።
ንሱ፡ ዋላ እኳ ላዕለዋይ ኣባል ናይቲ ምስ ሓማስ ንነዊሕ እዋን ዝጋጮ ዝነበረ ፋታሕ እንተዀነ፡ ስሙ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ሓማስ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆታት ንምምላስ ክፍትሑ ካብ መንጐ ዝደለዮም ፖለቲካዊ እሱራት ኰይኑ ክቐርብ ይግመት።
እስራኤል ግን ክትፈትሖ ፍቓደኛ ምዃና ዝሕብር ምልክት ኣይሃበትን።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ፡ ወዲ 66 ዓመት ባርጎቲ ሚኒስተር ጸጥታ እስራኤል ኢታማር ቤን ግቪር ክላገጸሉ ዘርኢ ቪድዮ ወጺኡ ነይሩ።
በዚ፡ ባርጎቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ።
ኔታንያሁን ሃገርነት ፍልስጤምን
ቅድሚ ኲናት ቓዛ እውን እንተዀነ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንገሃርነት ፍልስጤም ዝነበሮ ተቓውሞ ርዱእ እዩ ነይሩ።
ኣብ ለካቲት 2024 "ንህላወና ኣብ ሓደጋ እተእቱ ሃገር ፍልስጤም ንኸይትምስረት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዓገትኵ ኣነ ምዃነይ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ'ዩ፡" ኢሉ።
በዓል መዚ ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዳግማይ ቍጽጽር ክጅምር ኣህጉራዊ ጻውዒታት እኳ እንተቐረበ፡ ዓባስ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ከም ዘይኰነኖ ብምግላጽ፡ ኔታንያሁ ኣብ መጻኢ ምሕደራ ቓዛ ዝዀነ ተራ ፒኤ ከም ዘይህሉ ይገልጽ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ እስራኤል ንምብራቕ ኢየሩሳሌም ካብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ብኣድማዒ መገዲ ዝቘርጽ ፕሮጀክት ሰፈራ ናይ መወዳእታ ፍቓድ ሂባ።
እቲ ውጥን 3,400 ኣባይቲ ክህነጽ ክጸድቕ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ እስራኤል ቤዛለል ስሞትሪች፡ እቲ ውጥን ንሓሳብ ሃገርነት ፍልስጤም ክቐብሮ እዩ፤ "ምኽንያቱ ኣፍልጦ ዝወሃቦን ኣፍልጦ ዝህቦ ሰብን ስለ ዘየለ፡" ኢሉ።
እዚ፡ ሓድሽ ኵነታት ዳርጋ ኣይኰነን ይብል ሚስተር ሳይግ።
"ንሊቀ መላእክት ሚካኤል ናብ ምድሪ ኣውሪድካ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ክመርሕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ዝዀነ ለውጢ ኣየምጽእን። ምኽንያቱ ዝዀነ ዓይነት ዓወት ፍጹም ዘይከኣል ኣብ ዝገብር ኵነታት ክትሰርሕ ኣለካ።"
"እዚ ድማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክኸዉን ዝመአጽ እዩ፡"።
ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ ምዃን ይክኣልን፡ ፍልስጤም ከም ሃገር እንተተቐልቂላ፡ ሓማስ ኣይክመርሓን እዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን ዝምወል ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ዝተዳለወ ኣዋጅ "ሓማስ ኣብ ቓዛ ዘለዎ ምሕደራ ከብቅዕን ኣጽዋራቱ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ከረክብን ኣለዎ"" ዝብል ኣዋጅ ተኣዊጁ እዩ።
እቲ "ኣዋጅ ኒውዮርክ" ብዅለን ሃገራት ዓረብ ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብ142 ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ።
ሓማስ ብወገኑ ኣብ ቓዛ ስልጣን ንናጻ ምምሕዳር ከረክብ ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስማዊ ኣፍልጦ እዅል ድዩ?
ባርጎቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዘሎ።
ዓባስ ናብ 90 ዓመቱ ይጽጋዕ ኣሎ።
ሓማስ ተዳኺሙ'ዩ። ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ተቘራሪሱ እዩ።
ፍልስጤም፡ ጥርኑፍ መሪሕነትን ውህደትን ከም ዝጐደላ ንጹር እዩ።
እዚ ማለት ግን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ትርጕም የብሉን ማለት ኣይኰነን።
"ብሓቂ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ትብል ዲያና ቡቱ።
ግን ድማ፡ እዚ "እተን ሃገራት ንምንታይ ከምዚ ይገብራ ኣለዋ፤ ዕላማአን እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ይምርኰስ፡" ትብል።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን መንግስቲ እንግሊዝ፡ ስማዊ ኣፍልጦ ሃገርነት እዅል ከም ዘይኰነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"እቲ ሕቶ፡ ሓፈሻዊ ጕባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝህብ ውድብ ጥራይ ከይከውን ናብ ሓደ ጭቡጥ ነገር ዝወስድ ገስጋስ ክንረክብ ንኽእል ዲና ዝብል'ዩ።"
ፈረምቲ ሃገራት ኣዋጅ ኒውዮርክ፡ ብሪጣንያ ሓዊሱ "ንሕቶ ፍልስጤም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝጭበጥ፡ ብግዜ ዝተወሰነን ዘይምለስን ስጕምትታት፡" ክወስዳ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሰበስልጣን፡ እቲ ኣዋጅ ንውህደት ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን፡ ንፒኤን መረጻ ፍልስጤምን ምድጋፍ (ከምኡ'ውን ውጥን ዳግመ ህንጸት ዓረብ ንቓዛ) ከም ቀጻሊ ኣንፈታት ክዀኑ ከም ዝድንግግ ይጠቕሱ።
ማሕለኻታት ግን ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
እስራኤል ነዚ ዅሉ ትቃወሞ እያ።
ንገለ ክፋል ወይ ንዅሉ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብወግዒ ብምሕዋስ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣፈራሪሓ ኣላ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ ከም ዘይተሓጐሰ ብንጹር ብምግላጽ፡ ብሓሙስ "ኣብቲ ነጥቢ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር -ብሪጣንያ - ኣይተረዳዳእኩን፡" ኢሉ።
ኣብ ነሓሰ እውን ኣመሪካ ንዓሰርተታት ሰበስልጣን ፍልስጤም ቪዛ ናይ ምስራዝ ወይ ምኽልካል ዝብል ዘይተለምደ ስጕምቲ ወሲዳ።
እዚ ድማ ንሕግታት ሕቡራት ሃገራት ባዕሉ ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝዀነ ኣፍልጦ ሃገረ ፍልስጤም ንዘይምቕባል ዝለዓለ ድምጺ ዘለዋ ኰይና፡ ትራምፕ ድማ ክሳብ ሕጂ ምስቲ "ሪቨራ ፕላን" ዝበሃል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቓዛ "ናይ ነዊሕ ግዜ ዋንነት" ክትሕዝ ዘመዓዱ ውጥኑ ቃል ኪዳን ዝኣሰረ ይመስል።
እቲ ወሳኒ ነገር፡ እቲ ውጥን "ተሓድሶ ርእሰ-ምሕደራ ፍልስጤም" ካብ ምባል ወጻኢ፡ ብዛዕባ በዓል መዚ ፍልስጤም ወይ ድማ ኣብ መንጐ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዝህሉ መጻኢ ምትእስሳር ዝገልጽ ዝዀነ ነገር የብሉን።
ናይ ነዊሕ እዋን መጻኢ ቓዛ ኣብ ገለ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣብ መንጐ ኣዋጅ ኒውዮርክ፡ ውጥን ትራምፕን ውጥን ዳግመ ህንጸት ዓረብን።
ኵሎም ውጥናት፡ ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ መዓት ገለ ነገር ከድሕኑ ተስፋ ኣለዎም።
ዝዀነ ይዅን ድማ ፍልስጤምን መሪሕነታን እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶ ምምላስ ከድልዮ እዩ።
ንከም ዲያና ቡቱ ዝኣመሰሉ ፍልስጤማውያን ግን ኣዝዩ ተኣፋፊ ጕዳይ ኣሎ።
እቲ ብሓቂ እትመርጾ ነገር እንተሃልዩ፡ እዘን ሃገራት ዝያዳ ቅትለት ከይፍጸም ክከላኸላ ምዃኑ ትዛረብ።
"ኣብ ጕዳይ ሃገርነት ካብ ምትኳር፡ ንዕኡ ደው ንምባል ሓደ ነገር ግበሩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







