እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦባሳንጆ ወጥሪ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንምህዳእ ክሽምግል ተሓቲቱ
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዘተ ክጅምር ሓቲቱ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብረቡዕ 17 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ ነቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢትዮጵያን፡ ሶማልያ ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድን ናይ ኣፍደገ ባሕርን ኣፍልጦ ሃገርነትን መረዳድኢ ሰነድ ድሕሪ ምፍርራመን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ዓሲሉ ኣሎ።
ሶማሊያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ልኡላውነታ ከምዝጥሕስ ብምግላጽ ክትነጽጐ እንከላ ላዕለዎት ሰበስልጣናታ ድማ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ክህቡ ቀንዮም።
ነቲ ምስሕሓብ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ርእይቶ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝሰምዐን ከምዘዘተየሉን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ'ዚ ምዕባለ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ሙሳ ፋቂ ኣብ መግለጺኡ ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን ሶማልያን ይዅን ኵለን ኣባል ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ ጠቒሱ።
እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ነቲ ወጥሪ ከህድኣ ጸዊዑ።
ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ክልቲአን ኣባል ሃገራት ኢድ ካብ ምእታው ክቚጠቡ እውን ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ እተን ሃገራት ጉርብትነአን ካብ ዘበላሹ ተግባር ክቚጠባ ዝጸወዐ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ብቕልጡፍ ኣዛታዪ ኮይኑ ክምደብ ንኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቲቱ።
ኦባሳንጆ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ጎንጽታት ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ጉዳይ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ዝጸወዖ ኣኼባ ሎሚ ሓሙስ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ክሳለጥ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ “ብምኽንያት ምድርራብ መደባት” ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባሬ፡ ምስ ኢትዮጵየ ንምውጋእ ድሉዋት ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
ካብ መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ድማ ፕረዚደንት ሸኽ ማሕሙድ ንኢትዮጵያ “ጸላኢት” ክብል ገሊጽዋ።