እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጋድ፡ ብጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ
ውድብ ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - ኢጋድ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።
እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣብ ዩጋንዳ ክካየድ ምዃኑ ቢቢሲ ሶማልኛ ካብ ምንጭታት መንግስቲ ጅቡቲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተኸስተ ኵነታት፡ ኣኼባ ኢጋድ፡ ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣመልኪቱ'ውን ክዛተ እዩ።
ኣገልግሎት ዜና ሶማልያ - ሶና፡ ኣብቲ ንሓሙስ 18 ጥሪ ክካየድ ዝተጸውዐ ኣኼባ ኣመልኪቱ ናብ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ንዝተላእከ ደብዳበ ጠቒሱ ከም ዝገለጾ፡ ኣቦ መንበር ኢጋድን ፕረዚደንት ጅቡቲን እስማዒል ዑመር ገለ፡ ኣባላት ኢጋድ ዝዀና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝካየድ ፍሉይ ኣኼባ ተረኺበን ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ክዘራረባ ጸዊዑ።
ምስ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ብምዝርራብ ድማ እቲ ኣኼባ ዩጋንዳ ክካየድ ከምዝተወሰነ እቲ ምንጪ ይጠቅስ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሶማልያ፡ ብዘይካ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብን ክሳተፉ ዕድመ ቀሪቡሎም ኣሎ።
ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዘውህብ፡ ኣምሳያኡ ድማ ንሶማሊላንድ ብጽሒት መገዲ ኣየርን፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገርነትን ዘውህብ መረዳድኢ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራመን፡ መንግስቲ ሶማልያ እቲ ስምምዕ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉን ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእልን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ክቕልቀል ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ዝተኸተመ ስምምዕ ንምቅዋም ኣሽሓት ሶማላውያን፡ ብሓሙስ 11 ጥሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ሓያል ድምጺ ከስምዑ ውዒሎም እዮም።
ሓደ ካብቲ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ተታሒዙ ዘሎ ኣጀንዳታት፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት ስምምዕ ምቛም ተዅሲ ክብጻሕ ምኽኣልን፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ እቲ ግጭት ንምምጻእን ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ባይታ ምጥጣሕን እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣኼባ ኢጋድ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘሎ ምስሕሓብ ክድህስስ እዩ።
“ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ምብጻሕ” ከም ሓደ ዕላማ ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ምዃኑ፡ ኣብቲ ናብ ኣባል ሃገራትን ዕድመ ዝተገብረሎም ዞባዊን ኣህጉራዊን ትካላት ዝተጻሕፈ ደብዳበ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ “ግድብ ህዳሰ ዘዐወትናዮ፡ እናተጣቕዓልና ዘይኮነስ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ይመጽእ ንዝነበረ ታህዲዳት፡ ዝድሰቕ ዝነበረ ከበሮ ምፍርራሕ ከምኡ’ውን ብመሬት ይዅን ብኣየር ንዝዝንብየና ዝነበረ ኵሉ ዓይነት ጸቕጢ ተጻዊርና ኢና፤ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ድማ ከምኡ ምዃኑ ኣይተርፎን” ክብል ብኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ከምዝጽበይዎን ግን ከኣ ከምዘይቅልበሱን ኣሚቱ ነይሩ።
ብወገን ሶማልያ ግን፡ እዚ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማልያ ዝዘርግን፡ ነቲ ናብ ሓደ ንምምጻእ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪታትን ዝዀልፍን እዩ ተባሂሉ፡ ኣብ ሶማላውያ ቍጥዐን ኵነኔን ኣስዒቡ እዩ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሽኽ ማሕሙድ'ውን ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ንፕረዚደንት ግብጺን ኣሚር ቐጠርን ኣብዚ ጉዳይ ብተሌፎን ኣዘራሪቡ ደገፍ ድሕሪ ምርካብ፡ ናብ ኤርትራ ብምጋሽ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓሚቝ ዘተ ከምዘካየደ ተነጊሩ እዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ "ንሓያለ ተዂታዂ ኣጀንዳታት ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ብምሕያብ፡ ብትዕግስትን ሃናጺ መንፈስን" ክሕዝዎ ተረዳዲኦም ክብል ድማ ብሰኑይ 9 ጥሪ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ኣቃሊሑ ነይሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ድሕሪ'ቲ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝበጽሓኦ መባእታዊ ስምምዕ፡ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ወጥሪን ዞባዊ ጉዳያትን ንምዝርራብ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ በብውልቂ ናብ ካይሮ ዓዲምዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፡ ኣብ ዛዕባታት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።