መግለጺ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ብዛዕባ ህሉው ዞባዊ ምዕባለታት

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ "ተዂታዂ ኣጀንዳታት" ክዕገሱ ተሰማሚዖም ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙደን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ርክባት ኣብ ዞባዊን ክልተኣውን ጉዳያት ተዘራሪቦም።

"ንሓያለ ተዂታዂ ኣጀንዳታት ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ብምሕያብ፡ ብትዕግስትን ሃናጺ መንፈስን" ክሕዝዎ ከምዝተረዳድኡ እቲ ሎሚ ሰኑይ 9 ጥሪ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ይጠቅስ።

"ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ዞባዊ መቓን ተመላላእነት፡ ብክልተኣዊን ተመላላኢ ምትሕግጋዝን ብጽኑዕ ከሰርሑ ተሰማሚዖም"።

እዚ መግለጺ፡ ንዑደት እቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ከካይድ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣመልኪቱ ዝወጸ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ፡ እቲ መግለጺ የመልክት።

"ኣብዚ ትስፍዉ ህሞት፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንክልተኣውን ነቲ ዝተጠቕሰ ዞባዊ ጉዳያትን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺታት ከውጽእ ምዃኑ የፍልጥ" ክብልውን ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ርእሰምምሕዳር ሶማሊላንድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ዝተዘራረብሎም ዝርዝር ጉዳያት ግን ብንጹር ኣየቐመጠን።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብምዝርራብ ደገፍ ረኺቡ'ዩ። ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ንምባል ጽኑዕ መርገጺ” ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ግብጺ፡ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር'ውን ኣልሲሲ ቃል ኣትዩሉ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት "ሰፊሕን ዓሚቝን ዘተ" ኣካይዶም፡ ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀትን ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት "ምርድዳእ" ድሕሪ ምፍጻማ፡ ካብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ መንግስቲ ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ነቲ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ብምውጻእ ዘለዎ ተሪር ተቓውሞ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ሎሚ ምሸት፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኣተውዎ ናይ ምርድዳእ መዘክር ዝነጽግ ሕጊ ፈሪመ ኣለኹ" ኢሉ።