ኢራን፡ ኣብ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ ስማ ይለዓል ኣሎ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደነት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ኣመልኪቱ ጽዑቕ መርመራታት ይካየድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ስም ኢራን ክልዓል ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ኣመሪካ ቅድሚ ሓያሎ ሰሙናት ኢራን ንትራምፕ ንምቕታል ውዲት ከም ዘለዋ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስ በጽሖም ሓለዋ እቲ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ሪፓብሊካን ክሕይል ተገይሩ ነይሩ ንዝብል ሓበሬታ መበገሲ ብምግባር እዩ።

እዚ ኰይኑ ግን ሰበስልጣን እታ ኣመሪካ፡ ኣብ መንጐ እቲ ኢራን ዝተሓስበ ውዲት ዝበሃልን እቲ ብሰንበት ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትእስሳር ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ይገልጹ።

እዚ ኰይኑ እናሃለወ፡ ሓለዋ ትራምፕ ካብቲ ዝነበሮ ከም ዝሕይል ምግባሩ፡ እቲ ወዲ 20 ዓመት ቶማስ ማቲው ክሩክስ፡ ከመይ ኣቢሉ ኣብ ሓደ ህንጻ ደይቡ ናብ ትራምፕ ክቐትል ኣብ ዘኽእሎ ርሕቀት ተዅሲ ክቐርብ ከም ዝኸኣለ ዓበይቲ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

መስርሕ ጐስጓስ ትራምፕ፡ ካብ ኢራን ዝነቅል ስግኣት ከም ዘሎ ከም ዝተሓበረን ብሰንኪ እዚ ድማ ጸጥታ ከምዝወሰኸን ሓደ በዓል ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ገሊጹ።

ምንጭታት ስለያ ኣመሪካ ንኣገልግሎት ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሰነ ንስግኣት ኢራን ግብረመልሲ ንምሃብ ሓለዋ ክሕይል ከም ዝተገብረ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ጸረ-ስናይፐር፡ ድሮናትን ሮቦታዊ ኣኽላባትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዝርዝር ናይቲ ብኢራን ክፍጸም ዝኽእል ስርሒት ብ"ሰብኣዊ ምንጪ ስለያ" ከምዝተረኽበ ሲቢኤስ ወሲኹ ኣቃሊሑ።

እዚ ድማ ኢራናውያን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክፍጽምዎ ዝደልዩ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝስማዕ ዘረባታት ብርኡይ መጠን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ትራምፕን ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ነበር ማይክ ፖምፐዮን ዝርከብዎም ሰበስልጣንን ነቲ ኣብ 2020 ኣብ ዒራቕ ዝተቐትለ ኣዛዚ ሓይሊ ቁድስ ኢራን ዝነበረ ቃሲም ሱሌማኒ ብድሮን ክቕተል ድሕሪ ምእዛዞም ካብ ቴህራን ስግኣት መፈራርሒ ከመጸዕኦም ጸኒሑ እዩ።

ተልእኾ ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸብጻብ "ጭብጢ ዘይብሉን እከይ" ክብል ብምግላጽ፡ ትራምፕ “ኣብ ቤት ፍርዲ ክኽሰስን ክቕጻዕን ዝግባኦ ገበነኛ” ኢሉ ገሊጽዎ።

ወሃቢ ቃል ምስጢራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣንቶኒ ጉግሊኤልሚ፡ ንሱን ካልኦት ትካላትን "ብቐጻሊ ብዛዕባ ከመጽእ ዝኽእል ሓደስቲ ስግኣታት ሓበሬታ ይቕበሉን ከከም ኣድላይነቱ ጸጋታት ናይ ምውፋር ስጕምቲ” ከም ዝወስዱን ሓቢሩ።

“ትካል ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ዝመጽእ ዝዀነ ይዅን ምፍርራሕ ብዕቱብ ይወስዶን ብኡ መሰረት ግብረመልሲ ይህበሉን እዩ ካብ ምባል ወጻኢ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ፍሉይ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣታት ርእይቶ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና፡” እውን ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ኣድሪን ዋትሰን ብወገና፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ኣመሪካ “ንዓመታት ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ነበር ክትፈጥሮ ትኽእል ስግኣታት ክከታተልዎ ጸኒሖም" ትብል።

ወሲኻ፡ “እዚ ስግኣታት፡ ኢራን ብቕትለት ሱሌማኒ ሕነ ክትፈዲ ካብ ዘለዋ ክቱር ድሌት'ዩ ዝነቅል። እዚ ከም ዝለዓለ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ሃገራውን ድሕነት ሃገርን ኢና ንቘጽሮ፡ ኢላ።

ንሳ፡ ኣብ መንጐ ክሩክስን “ዝዀነ ምትሕብባር - ናይ ደገ ይዅን ናይ ውሽጢ ውዲተኛታት - ርክብ ከምዘየለ” ገሊጻ።

ኣብ 2022፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ንቦልተን ንምቕታል ውዲት ኣሊሙ ብምባል፡ ገበናዊ ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ውዲት ንቕትለት ሱሌማኒ “ሕነ ንምፍዳይ ክኸውን ከምዝኽእል” ገሊጾም ነይሮም።

እዚ ኰይኑ እናሃለወ፡ እቶም ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋታት ባትለር ካውንቲ ንዝተኻየደ ሰልፊ ሓላፍነት ዝወስዱ ኣባላት ጸጥታ፡ ክሩክስ ክሳብ ክንድዚ ክቐርብ ብኸመይ ዕድል ሂቦምዎ ወይ ኣይረኣይዎን ግን ሕቶታት ይቕስቅስ ኣሎ።

ዳይረክተር ሚስጢራዊ ኣገልግሎት፡ ክሩክስ ኣብ ናሕሲ ናይቲ 130 ሜትሮ ዝርሕቕ ህንጻ ኰይኑ ክትኵስ እንከሎ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ከም ዝነበሩ ተኣሚኑ።

ሰለስተ ናይቲ ከባቢ ስናይፐራት ፖሊስ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ከም ዝነበሩን ክሩክስ ኣብ ናሕሲ ክድይብ ከም ዝረኣዩን ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።

ኣብ ውሽጢ ዙርያ እቲ ከባቢ ካብ 30 ክሳብ 40 ዝዀኑ ወተሃደራት ዝርከብዎ፡ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ዝሓተቶ “ኵሉ ዓይነት ጸጋታት” ከም ዘቕረበ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ግዝኣት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ዕጡቕ ከመይ ኢሉ ንትራምፕ ንምቕታል ክሳብ ክንድዚ ክቐርብ ከም ዝኽእል ብናጻ ወገን ክምርመር ኣዚዙ’ሎ።

ትካል ምስጢራዊ ኣገልግሎት እውን ካብ ኮንግረስ መርመራታት ይቕጽል ኣሎ።