ቶማስ ክሩክስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብፈተነ ቅትለት ትራምፕ ዝተጠርጠረ ሰብ እንታይ ንፈልጥ?

ብቀዳም ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፔንስልቫኒያ ምርጫዊ ጐስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ፈተነ ቅትለት ተገይርሉ።

ትካል መርመራ ገበን ፌደራል ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) እቲ ፈተነ ቅትለት ብቶማስ ማቲው ክሩክስ ብዝተባህለ መንእሰይ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ ኣሎ።

መርመርቲ፡ ትራምፕ ንዝተኣከቡ ደገፍቱ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ክሩክስ ኤኣር-15 ዝተባህለ ጠመንጃ ሒዙ ከም ዝነበረን ክልተ ሰባት ክቘስሉ እንከለው ሓደ ሰብ ከምዝሞተ'ውን ኣመልኪቱ።

እዚ ወዲ 20 ዓመት ኣብቲ ቕጽበት ብዝተተኰሰ ስናይፐር ሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሉ’ዩ።

እዚ መንእሰይ፡ ምስጕን ስነ-ምግባር ከም ዝነበሮ ዝገልጹ ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን ብኸመይ እዚ ድምጹ ዘይስማዕ መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ክኽሰስ ክኢሉ ብዝብል ስንባደ ተዋሒጦም’ዮም ዘለው።

ኤፍቢኣይ ብወገኑ፡ ክሩክስ “ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ዝተሳተፈ ምዃኑን መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን” ይገልጽ።

ቶማስ ማቲው ክሩክስ መን’ዩ?

ቶማስ ማቲው፡ መለለዪ መንነት ስለዘይነበሮ መርመርቲ መንነቱ ንምፍላጥ ዲኤንኤን ቴክኖሎጂ መለለዪ ገጽን ተጠቒሞም።

ካብቲ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ኣስታት 70 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ቤተል ፓርክ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ይነብር ነይሩ።

ንሱ፡ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቤተል ፓርክ ክምረቕ እንከሎ፡ ኣብ ቑጽርን ሳይንስን ብዘርኣዮ ጸብለልታ 500 ዶላር ተሸሊሙ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝነብረሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል መናበዪ ኣረጋውያን ኣብ ክፍሊ ምድላው መግቢ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ድማ፡ ኣብ ዝርዝር መረጽቲ ሪፐብሊካን ተመዝጊቡ ከም ዝርከብ ይገልጻ።

ኣብ 2021፡ ንሓደ ሊበራል ጉጅለ ንምርጫዊ ጐስጓስ ኢሉ 15 ዶላር ኣወፍዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሌየርቶን ስፖርትስመን ኣብ ዝተባህለ ክለብ ምትኳስ ጥይት ተመዝጊቡ ነይሩ።

ብመሰረት ኣሶስየትድ ፕረስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ጠመንጃ ኣቡኡ ከም ዝዓደጐ ገሊጹ።

ክልተ ሽሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣቦ ክሩክስ እቲ ጠመንጃ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝዓደጐ ገሊጾም።

ከም ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ እንተዀይኑ፡ ክሩክስ ማሊያ ‘ዲሞሊሽን ራንች’ (Demolition Ranch) ተኸዲኑ ነይሩ። እዚ ናይ ዩትዩብ ቻነል፡ ልዕሊ 11 ሚልዮን ሰብስክራይበራት ዘለዎ ኰይኑ፡ ቪድዮታት ዝተፈላለዩ ኣጽዋራትን ነተጕትን ይጽዕን።

ድሕሪ እቲ ፈተነ ቅትለት፡ ሓይልታት ጸጥታ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብ መኪና ክሩክስ ካልኦት መሳሪሒታት ከም ዝተረኽቡ ሓቢሮም።

ነቶም መሳርሒታት ንምውሓስን ንምምርማርን ቴክኒሻናት ቦምባ ናብቲ ቦታ ተጸዊዖም።

ነዚ ክፍጽም ዝደረዀ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ፖሊስን ኤጀንሲታት መርመራን፡ ክሩክስ ነዚ ፈተነ ቅትለት ክፍጽም ዝገበሮ ምኽንያት የጻርዩ’ዮም ዘለው።

ሓላፊ ፍሉይ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ፒትስበርግ ኬቪን ሮጀክ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብዚ እዋን'ዚ ዘነጸርናዮ ነገር የብልናን” ኢሉ።

እቲ መርመራ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእልን፡ መርመርቲ ድማ ነዚ ንምፍላጥ “ከይተሓለሉ” ክሰርሑ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኣቦ ክሩክስ ማቲው ክሩክስ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እንታይ እዩ ኣጋጠሙ ዝብል ክፈልጥ ይፍትን’ኳ እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ወዱ ቅድሚ ምዝራቡ ግን “ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝዛረብ” ከም ዝመርጽ ሓቢሩ’ዩ።

ስድራቤት ክሩክስ ምስ መርመርቲ ይተሓባበሩ ከም ዘለዉ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ። ፖሊስ ናብ ገዛ እዞም ስድራቤት ዝወስድ መገዲ ዓጺዩዎ ይርከብ።

ሓንቲ ጐረቤት ስድራ ክሩስ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዘይ ዝዀነ መጠንቀቕታ ኣብ ጸላም ለይቲ ካብ ገዝኣ ከም ዘውጽኡዋ ሓቢራ።

ፖሊስ ቤተል ፓርክ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ ክሩክስ መርመራ ቦምባ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ወጻኢ ካልእ ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ኣይፍቀደሉን ዘሎ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ እቲ ፈተነ ቅትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ገለ ምድላዋት ነይሩ’ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ንሲቢኤስ ተዛሪቦም።

እንተዀነ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክዳለወሉ ጸኒሑ ዝብል መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ካብ ምግላጽ ተቘጢቦም ኣለው። ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ነዚ ተግባር ንበይኑ’ዩ ፈጺሙዎ ኢሉ’ኳ እንተኣመነ ካልኦት ተሓባበርቲ ከይህልው ምጽራይ ከም ዝግበር ተሓቢሩ።

እንታይ ዓይነት ሰብ ነይሩ?

ክሳብ ሕጂ፡ ክሩክስ እንታይ ዓይነት ሰብ ነይሩ ኣብ ዝብል ንሓድሕዱ ዘይሳነ ምስሊ’ዩ ዘሎ።

ገለ መማህርቱ ንማዕከን ዜና እቲ ከባቢ ኬይዲኬይኤ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ብተደጋጋሚ ምግፋዕ ዝበጽሖን ሓሓሊፉ ድማ ናብ “ቤት ትምህርቲ ክዳን ሃድን ተኸዲኑ” ዝመጽእን ብሕታውነት ዘጥቅዖ ሰብ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።

ካልእ መማህርቱ ዝነበረት ሳመር ባርክሊ፡ “ወትሩ ኣብ ፈተናታት ጽቡቕ ነጥቢ ይረክብ" ከም ዝነበረን “ታሪኽ ኣዝዩ ከም ዝፈቱን” ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ዝዀነ ብዛዕባ መንግስትን ታሪኽን ዝፈልጥ’ዩ ዝመስል፤ ግን ካብ ንቡር ወጻኢ ዝዀነ ነገር ኣይነበሮን . . . ወትሩ ጽቡቕ ሰብ’ዩ ነይሩ” ትብል።

ብመምህራኑ ከም ዝፍቶ’ውን ገሊጻ። ካልኦት ድማ ስቕታ ዘዘውትር ብምባል ይዝክሩዎ።

ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ካበቢ ድማ እቲ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙ ዝበሃል ጥርጡር ካብቲ ጽምው ዝበለን ብኣግራብ ዝተሸፈነን ጐደናታት ቤተል ፓርክ መጺኡ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣለዎም።

ካብኣቶም ሓደ ወዲ 27 ዓመት ጄሰን ማኪ ኰይኑ፡ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ክሩክስ ዝነብርን ተመሃራይ እንከሎ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝሰርሐን እዩ።

ማኪ ንክሩክስ ብውልቂ ከም ዘይፈልጦ ክዛረብ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ክሩክስ ነቲ ፈተነ ቅትለት ፈጺሙዎ ክኸውን ይኽእል፤ዩ ዝብል ንምቕባል ከም ዝጽገም ተዛሪቡ።

“በቃ ዘሰንብድ'ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብዕባይ ገዛውትኻ ክፍጸም’ዩ ኢልካ ኣይትግምትን” ኢሉ።

በቲ ክሩክስ ፈጺሙዎ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ቈሲሎም።

እቶም ክልተ ኣረጋውያን ኰይኖም፡ ሰለስቲኦም ድማ ኣብ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ ዝተረኸቡ እዮም።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ንስድራ ግዳያት ዝውዕል ልዕሊ 340 ሽሕ ዶላር ክእክቡ ክኢሎም ኣለው።

ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ክሩክስ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝእመን ሓደ ጠመንጃ ዝሓዘ ውልቀሰብ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ካብ ጥይት ካብ ዝተተኰሰሉ ህንጻ ተራእዩ ከም ዝነበረ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቲኤምዜድ ዝረኸቦ ምስሊ እቲ ተኵሲ ዝተፈጸመሉ ቅጽበት ከርኢ ክኢሉ’ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ፍኹስ ዝበለ ብኸፊል ኣውቶማቲክ ዝዀነ ጠመንጃ ከም ዝተጠቐመ ሲቢኤስ ጸብጺቡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ እንታይ ዓይነት ብረት ከም ዝተጠቐመን ክንደይ ዝኣክል ጠያይቲ ከም ዝተዃዓኦሰን ኤፍቢኣይ ኣብ እዋኑ ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ ገሊጹ ነይሩ።

ድሒሮም ዝወጽኡ ምስሊታት ድማ፡ ዕጡቓት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ተሃሪሙ ናብ ዝወደቐ ውልቀሰብ ክጽግዑ ኣርእዮም።