እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈተነ ቅትለት ዶናልድ ትራምፕ ብስእሊ
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቬንያ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ብሓደ ዕጡቕ ድሕሪ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ መኮንናት ኣገልግሎት ጸጥታ ብቕጽበት ካብቲ ቦታ ከም ዝእለ ገይሮምዎ።
ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ኣብ መሬት ወዲቝ ኣብ ጐድኒ ገጹ ደም ክፈስስ ተራእዩ። ድሒሩ፡ እዝኑ ብጥይት ከምዝተሃረመ ኣፍሊጡ።
መኮንናት ኣገልግሎት ጸጥታ ዓጂቦም ክወስድዎ እንከለዉ፡ ትራምፕ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ይርአ።
ተሳተፍቲ ሰልፊ ተዅሲ ምስ ተሰምዐ ናብ መሬት ወዲቘም፡ ድሕሪኡ ገሊኦም ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም።
ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትራምፕ ብጥይት ቅድሚ ምህራሙ፡ ሓደ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰብ ኣብ ናሕሲ ህንጻ ከምዝረኣየ ሓቢሩ።